ኮሮናቫይረስ፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኤርትራ ንዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒታት ኣውጺኡ

ኤርትራ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ገያሾ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ከምዘውጽአት ኣፍሊጣ።
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ መርመራ ክግበረሎም ምዃኑን፡ ተለኺፎም ዝተረኽቡ "ብናታቶም ወጻኢ" ኣብተን ብሰብመዚ ዝተፈልያ ሆቴላት ክውሸቡ ምዃኖምን ሓቢሩ።
"ኤርትራ ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብዝግበረሎም መርመራ ብ'ኮቪድ-19' ምልካፎም ዝተረጋገጸ ገያሾ፡ ብናታቶም ወጻኢታት፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝተመርጻ ሆቴላት ከምዝውሸቡ ክግበር'ዩ። ዝርዝር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ክቕረብ'ዩ" እቲ ሕድሽ መምርሒ።
ኣቐዲሙ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ቅድመ-መርመራ'ውን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
መጠን መልከፍቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ብ8 ሚእታዊት ወሲኹ ከምዘሎ እቲ ሓይሊ ዕማም ሓቢሩ'ሎ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሓደ ወዲ 74 ዓመት ኣብ ዞባ ማእከል ብሞት ከምዝተፈልየን 17 ዜጋታት ከምዝተለኽፉን ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ 74 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 7948 ተለኺፎም ኣለዉ። ካብዚኦም፡ እቶም 7711 ሓውዮም ዝተፋነዉ ኮይኖም፡ 163 ጥራይ ኣብ ሆስፒታተት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኤርትራ እታ እንኮ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ዘይጀመረት ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ይግለጽ። መርመራታት'ውን ብስሩዕ ከምዘይካየድ ጸብጻባት ይገልጹ።
እቲ ንነዊሕ እዋን ደሃይ ኣጥፊኡ ዝጸንሐ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ብዛዕባ ክታበት ዘለዎ ፖሊሲ እንታይ ምዃኑ ኣይጠቐሰን።
"ህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ'ዚ ተኣፋፊ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተዘይኰይኑ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር መገሻታት፡ ብዝተኻእለ መጠን ንኻልእ እዋን ክሰጋገር ይምረጽ" ክብል እቲ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኤርትራ ተማሕጺኑ'ሎ።
ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ ኣመሪካን ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳን ልዑል መጠን መልከፍቲ የመዝግብ ብምህላዉ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







