ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 2500 በጺሑ

ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኤርትራ 137 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኽቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

እቶም ሎሚ መርመራ ዝተገብረሎም ዜጋታት፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ማእከል፡ ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላትን ኣብ ክፍሊ ተመላለስቲ ሕሙማትን ዝተረኽቡ'ዮም።

እቶም 98 ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት - 38 ኣብ መንደፈራ፡ 31 ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ 10 ኣብ ማይ-ምነ፡ 7 ኣብ ማይ-ዓይኒ፡ 7 ኣብ ሰንዓፈ፡ 3 ኣብ እንዳገርግስን 2 ኣብ ድባርዋን ተዓቚቦም ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ'ሎ።

ኣብ ኣስመራ'ውን 16 ኣብ መወሸቢ ማእከላት፡ 13 ካልኦት ድማ ኣብ ክፍልታት ተመላለስቲ ሕሙማት ተረኸቦም ኣለዉ።

እቶም ዝተረፉ ኸኣ 18 ኣብ መወሸቢ ማእከላት ከተማ ከረን፡ ሓደ ድማ ኣብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ተረኺቦም ኣለዉ።

ካልኦት 86 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም ምህላዎም'ውን እቲ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ መግለጺ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ መርመራታት ይኹን ውጥን ክታበት ዝሃቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ የለን።

ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 2566 ተለኺፎም፡ 7 ድማ ሞይቶም ኣለዉ። ካብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ለብዒ ናይቲ ለበዳ እናነሃረ ይኸይድ ከምዘሎ ቁጽሪ መልከፍቲ የነጽር።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ነቲ ኣብ ኩለን ዞባታት ተዘርጊሑ ዘሎ ለበዳ ንምግታእ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ነቲ ኣብ ወርሒ ማዝያ ንፈለማ እዋን ዝተኣወጀ ዕጽዋ መሊሱ ዘትርር መምርሒ ኣውጺኡ።

እቲ ዕጽዋ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ክሳብ ሎሚ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዩ፡ ንግዳዊ በረራታትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድርን ተቋሪጾም ይርከቡ።

ንግዳዊ ትካላት'ውን ብዘይካ'ቶም መሰረታዊ ነገራት ዝሸጡ፡ ተረጊጦም ኣለዉ።