ኤርትራ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ‘ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ግዴታ’ዩ’ ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኣዚዙ

ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምስ ምፍኳስ እገዳታት ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ፡ ሓደስቲ መምርሒታት ከምዘውጽአ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቊጽሪ ኣብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ዝእከብ ህዝቢ ምድራተነት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን "ግዴታ" ምግባርን ገለ ካብቶም ሓደስቲ መምርሒታት'ዮም።

ኤርትራ፡ ንቀታሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልካል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት'ዚ ጀሚራ ንዝነበሩ እገዳታት ምፍኳሳ ይፍለጥ።

ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን፡ ኣብ ወሽጢ ይኹን ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ዝግበር ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸፊል ጀሚሩ፡ ከምኡ'ውን ካብን ናብ እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ተፈቒዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብያተ መግብን መስተን ዝርከብዎም ትካላት ንግዲ ተኸፊቶም።

እቲ ናይ ምፍኳስ ስጉምቲ፡ መጠን መልከፍቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝብርኸሉ ዝነበረ ኩነታት'ዩ ተወሲዱ።

ተኣጊዶም ወይ ተደሪቶም ዝጸንሑ ከም መርዓን ሓዘንን ዝበሉ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት'ውን ምስቲ ናይ ምፍኳስ ውሳነ ዳግም ክካየዱ ተራእዮም።

ዋላ'ኳ ዛጊት ኩነታት ናይቲ ለበዳ፡ ምስ ካልእ ዓለም ክወዳደር እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር "ኣዝዩ ትሑት" እንተኾነ፡ ሰብመዚ ጥዕና ግን ብዛዕባ ሸለልትነት ዜጋታትን ትካላትን ስክፍትኦም ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሎሚ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ጋሽ-ባርካ፡ ማእከልን ዓንሰባን ኣብ ዝተገብረ መርመራታት ጥራይ 38 ዜጋታት እቲ ቫይረስ ከምዝተረክቦም ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ክሳብ ሎሚ፡ ኣብታ ሃገር 4,499 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ። ካብዚኦም 14 ሰባት ሞይቶም፡ 3,987 ሓውዮም ዝተፋነዉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝተረፉ 498 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ሃገርና እውን ምስ ምፍኳስን ምልዓልን ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዝጸንሐ መምርሒታት፡ ዜጋታትን ትካላትን መምርሒታት ምክልኻል ኮሮና ሸለል ክብልዎን ክጥሕስዎን ስለዝተራእዩ፡ ዘሰክፍ ኩነታት ይፍጠር" ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ።

ምትእኽካብ ህዝቢ ቀንዲ ጠንቂ ምልባዕ ናይቲ ቫይረስ ምዃኑ ብምሕባር፡ "ንዳርጋ ኩሉ ቅጥዕታት መከላኸሊ ዝጥሕስን ኣገባባት ኣዝዩ ዘተሓሳስብን፡ ሓደገኛን እዩ" ክብል ገሊጹ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ሓድሽ መምርሒታት ኣውጺኡ ከምዘሎ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ'ሎ።

በዚ መሰረት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ መርዓ ይኹን ቀብሪ ክሳተፉ ዝፍቀደሎም ሰባት ካብ 40 ንታሕቲ ክኸውንን፡ ዳስ ምስራሕ ኮነ ኣዳራሻት ምክራይ ክኽልከልን ተወሲኑ።

ብዘይካ'ዚ፡ "ኣብ ኩሉ ንጥፈታት፡ ኣብ ከተማታት ይኹን ገጠራት፡ ማስክ [መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን] ምጥቃም ግዴታ'ዩ" ክብል እቲ ሚኒስትሪ ኣነጺሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ነዞም ሓደስቲ መምርሒታት ዘየኽብሩ ትካላት ይኹኑ ውልቀሰባት "ተሪር መቕጻዕቲ ክብየን ምዃኑን፡ እቲ ስጉምቲ ክሳብ ናይ ምዕጻው ትካላት ዝምጠጥ ምዃኑ'ውን መንግስቲ ኣጠንቂቑ'ሎ።

እቶም ዝወጹ ካልኦት ሓደስቲ መምርሒታት

  • ኣብ ኩሎም ንእዋኑ ክውንዘፉ ዘይክእሉ ማሕበራዊ ጽንብላት ይኹኑ ምትእኽካባት ልዕሊ 40 ሰባት ከይሳተፉ
  • ነቶም ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ንምክያድ ዳስ ምስራሕ ኰነ ኣዳራሻት ምጥቃም/ምክራይ ክኽልኸል
  • ካልኦት ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ድማ እንተ ተኻኢሉ ወይ ካብ 10 ሰባት ዘይበዝሑ ጥራይ ክሳተፍዎም
  • ሃይማኖታውያን ስነ-ስርዓታት ድማ ብቕርጡው ተሳትፎን ነቲ ናይ ምክልኻል ቅጥዕታት ብዘኽብር ኣገባብ ክፍጸሙ።
  • ግድን ኣድላዪ እንተዘይኮይኑ፡ ኣኼባታት ኣካላት መንግስትን ካልኦትን ፍቑድ ኣይኮነን። ኣብ ኩለን መንግስታዊን ህዝባዊን ትካላት ግድን ክካየድ ዘለዎ ርክባትን ኣኼባታትን እንተሎ፡ ብኣዝዩ ቅርጥው ተሳትፎ፡ ኣካላዊ ምርሕሓቕን ጽሬትን ብዘማልእ ኣገባብ ክኸውን ይግባእ
  • ኣብ ኩሉ ንጥፈታት፡ ኣብ ከተማታት ይኹን ገጠራት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ምጥቃም ግዴታ'ዩ።
  • ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት ከም ባንክታት፡ ትካላት ጥዕና፡ ናይ ንግዲ ትካላትን ማእከላትን፣ ካፌታት፡ ኣብያተ-መግብን መስተን፡ መዘናግዒ ማእከላት፡ ወዘተ ድማ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላውን መነጻጽሂ ምጥቃምን ግዴታ እዩ
  • ናይ ጽዕነት መካይን፡ ህዝቢ ከገዓዕዛ ብጥብቂ ክልኩል'ዩ። ግድን እንተዘይኰይኑ ድማ፡ ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰባት ክውሕድ ይሕተት።