ኤርትራ፡ ምዕባለታት ቀታሊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓመቱ

ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይናዊት ከተማ ሁዋን ተበጊሱ ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ሓደ ዓመት ገይሩ'ሎ።

ብ21 መጋቢት 2020 ሓደ ወዲ 39 ዓመት ኤርትራዊ፡ ካብ ኖርወይ ተበጊሱ ብዱባይ ኣቢሉ ኣስመራ ኣትዩ። ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሕሪ ዝተገብረሉ መርመራ ድማ እቲ ቫይረስ ከምዝነበሮ ተረጋጊጹ።

ዋላ'ኳ ኤርትራ ከም ዓለማ ቅድሚ'ቲ ፈላሚ መልከፍቲ፡ ህዝባ መገሻታት ወጻኢን ውሽጢ ዓድን ክድርትን ምትእኽኻብ ከጉድልን፡ ምሕጽንታታት ከተቕርብ እንተጸንሐት፡ ምርካብ ናይቲ ቀዳማይ መልከፍቲ ግን ናይ ተጠንቀቕ ደወል'ዩ ነይሩ።

ድሕሪ ክልተ መዓልታት፡ ብ23 መጋቢት 2020 ኩሉ ሰብ ኣገዳስን ህጹጽን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዝነብረሉ ከተማን ዓዲን ዝገብሮ ምንቅስቓስ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝገበሮ መገሻ ደው ከብል፡ ከምኡ'ውን ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ኣውቶቡስ፡ ሚኒባስን ታክስን ምጥቃም ከቋርጽ ተኣዚዙ።

ሚኒሰትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣብ 25 መጋቢት 2020 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር በረራታት ደው ከምዝበለ ብወግዒ ገሊጹ።

ብ26 መጋቢት 2020 ኣብ ኤርትራ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ 6 ሰባት ኣብ ዝበጽሓሉ ኸኣ፡ ኩለን ትካላት ትምህርቲ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ኮሌጃት ክዕጸዋ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት ዘሎ ይኹን ካብን ናብን ከተማን ገጠርን ዝነበረ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክቋረጽ ተኣዊጁ።

ሚኒሰትሪ ጥዕና ብ30 መጋቢት 2020 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን ባራት ኣብያተ መግብን ካፌታትን ን14 መዓልታት ዕጽዋት ኮይነን ክጸንሓ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ መያዝያ እታ ሃገር ኣብ ምሉእ "ምርጋጥ" ኣትያ።

ባንዴራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ለብዒ ናይቲ ለበዳ ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል?

ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ፡ ኤርትራ ካብተን ዝወሓደ መጠን መልከፍትን ሞትን ዘመዝገባ ሃገራት'ያ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 3 ወርሒ፡ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ዛጊት፡ 3118 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም 2865 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ እዋን ጥራይ ቁጽሪ መልክፍቲ ካብ 2000 ናብ ልዕሊ 3000 ክብ ኢሉ'ሎ።

ክሳብ ሕጂ 7 ሰባት ሞይቶም ምህላዎም ይፍለጥ። ኣብ ደገ ካብ ዝነብሩ ኤርትራው ግን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ከባቢታትን መወሸቢ ማእከላት ከምዘለዋ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ይጠቕሱ። ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ልዕሊ 81 ማእከላት ተመስሪተን ነይረን።

እቲ ብቐጻሊ ካብ ሚኒስትሪ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ መልከፍቲ፡ ክንደይ ሰባት ከምዝተመርመሩ ዝገልጽ ኣይኮነን።

ቅድሚ እቲ ለበዳ ብሰፊሑ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ከምዝኣተወ ቅድሚ ምርግጋጹ፡ መብዛሕትኦም እቶም ዝተለኽፉ "ብፍኑው" ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጂቡቲን ዝኣትዉ ዝነበሩ'ዮም።

ኣብ መፋርቕ ግንቦት 2020፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ሃገር ብዘተኣማምን መንገዲ ንምፍላጥን ክሰላሰል ዝግብኦ ደቂቕን ሰፊሕን ገምጋም ንምትግባርን፡ በዚ ድማ ምሉእ ስእሊ ንምርካብ፡ ሓሓሊፉ ብገምራውን ወካልን ቅምሶ (Random Sampling) ሰፊሕ መርመራታት ክካየድ ወሲኑ ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ብዘይካ'ቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ ዝሃቦ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ብዛዕባ መርመራታት ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ብሚስትሪ ጥዕና ዝወጽእ ሓበሬታታት ከምዘመልክቶ፡ መርመራታት ኣብ መወሸቢ ማእከላትን፡ ክፍሊ ተመላለስቲ ሕሙማን ሆስፒታላትን ጥራይ'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ክንደይ ሰባት ናጻ ከምዝጸንሑ'ውን እቲ ሓበሬታ ኣይጠቅስን'ዩ።

ዛጊት፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ክታበት ምሃብ ዘለዎ ፖሊሲ ብንጹር ኣይገለጸን። ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ክታበት ምሃብ ጀሚረን ምህላወን ይፍለጥ።

ከተማ ኣስመራ

ክሳብ ሕጂ ኣብ "ምርጋጥ" ዘላ ሃገር

ኤርትራ ካብተን ንለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣዝዩ ተሪር ዕጽዋን እገዳታትን ዝኣወጃ ሃገራት'ያ።

ኣብ ባሕቲ መያዝያ 2020 ዝተኣወጀ ምሉእ ዕጽዋ፡ ክሳብ ሎሚ ብወግዒ ጸኒዑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

በዚ መሰረት፡ ንግዳዊ በረራታትን ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድሪን ተኣጊዶም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ ብሓፈሻ ተደሪቱ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናህሪ ለብዒ ናይቲ ለበዳ እናወሰኸ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብ22 ታሕሳስ 2020 ነቲ ዝነበረ ዕጽዋ ዘትርር መምርሒ ኣውጺኡ።

እቲ ለበዳ ናብ ኩለን ዞባታት ገጠራትን ከስፋሕፍሕ ብምጅማሩ፡ ብዘይካ እቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉን ብዝምልከቶም ኣካል ዝተፈቐዱን "ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት" ኩሉ ምንቅሳቓሳት ደው ክብል ድማ ኣዚዙ።

ኣብ ገጠራት፡ ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝርከብ ህዝቢ ግን እቲ ናይ ምርጋጥ መምርሒ ምሉእ ብምሉእ ኣይጸለዎን። ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ዝግበር ምንቅስቓስ ግን ክልኩል'ዩ።

ትካላት ንግዲ'ውን ብዘይካ'ቶም ምስ "መዓልታዊ መነባባሮ ህዝቢ እተኣሳሰረ" ኣገልግሎት ዝህቡ፡ ኩሎም ተዓጽዮም እዮም።

ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀመሩ፡ እቲ ዕጸዋ ዝነውሖን ዓቕሉ ዝጸበቦን ህዝቢ "ክተሓዋወስ" ከምዝጀመረ ገለ ዜጋታት እታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ተዓጽየን ዝጸንሓ ትካላት ንግዲ፡ ብዘይካ ኣብያተ መግብን መስተን፡ እተን ዝበዝሓ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ክኽፈታ ከምዝጀመራ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ይዛረቡ።

እንተኾነ ግን፡ ካብን ናብን ከተማታትን ገጠራትን ዝግበር ህዝባዊ መጓዓዝያ ሕጂ'ውን ተኣጊዱ ብምህላዉ፡ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ በቦታኡ ዝተሓጽረ'ዩ ዘሎ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ለብዒ ናይቲ ለበዳ፡ ሰብመዚ ከተማ ኣስመራ ብሽክሌታታትን ዓረብያታትን ከይተረፈ ፈቲኖም እንተነበሩ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ሰብ ይጥቀመለን ምህላዉ ተፈሊጡ።

እቲ ዕጽዋ ብኸመይ ክቕጽል ምዃኑ ካብ ሰብመዚ፡ ብፍላይ ድማ ካብቲ ንመምርሒታት ዝውስን ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ዓቕሚ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር "ዜሮ" ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ህሉው ዓቕምና ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና እንታይ ይመስል? ናይ ጥዕና ማእከላት፡ ክሊኒካት፡ መወከሲ ሆስፒታላትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ምርምር ትካላትናን ኣብ ምንታይ ኩነት ኣለዉ? ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጸጋ ሰብና ኣብዚ ዓውዲ'ዚ። ከየጋነንና ዓቕምና ዜሮ እዩ ኢልና ንጀምር" ኢሉ እቲ ፕረዚደንት።

"ኮቪድ 19 ናይ መጠንቀቕታ ጻውዒት እዩ። ስለ'ዚ፡ ዘላቒ መፍትሒ ከነዋድድ፡ ንዓኡ ዝኸውን ዓቕሚ ክንሃንጽ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ከይበልና ካብ ሕጂ ክንጅምሮ ክንክእል ኣለና።"

"ኣብዚ ግዜ'ዚ ክንገብራ እንኽእል መሰረታዊት ነገር፡ ዓቕሚ'ውን ስለዘይብልና ምክልኻል ጥራይ'ዩ" ኢሉ።

ኤርትራ - ላቦራቶሪ

ምንጪ ስእሊ, Shabait/MoI

ዕጽዋን ናይ 'ዕንጋሎ ቁጠባ' ኤርትራን

እቲ ዓመቱ ዝመልኣ ዕጽዋን እገዳታትን ኣብታ ሃገር ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ተን መሰረታዊ ሃለኽቲ ዘከፋፍላ፡ ካልኦት ትካላት ንግዲ ብምዕጻወን፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ደስኪሉ ይርከብ።

ዋላ'ኳ ኣብ ከተማታት ምፍኳስ ናይቲ እገዳታት ክረአ ጀሚሩ እንተሎ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተቛሪጹ ምህላዉ እቲ ቁጠባ ክበራበር ከምዘይክኣለ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይዛረቡ።

እቲ ኩነታት፡ ብፍላይ ኣብ ድኻታት ስድራቤታት ከቢድ ጥምየት ከምዘስዓበ ይንገር። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ ህዝቢ ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝ ይፍትን እኳ እንተሃለወ፡ ብስሩዕ ዝግበር ስለዘይኮነ ቀጻልነት ዘይብሉ'ዩ።

ብሰንኪ'ዚ ዓቕሉ ዘጽበበ ህዝቢ ነቲ እገዳታት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥሕሶ ምህላዉ፡ ጸብጻባት መንግስቲ'ውን ክገልጽዎ ዝጸንሑ ሓቂ'ዩ።

እቲ ንሕስያ ዘይብሉ ለበዳ ዝፈጥሮ ቁጠባዊ ሓጎጽጎጽ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት'ውን ንጥፈታት ቀንዲ ጽላታት ኣደስኪሉን ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩን ኣሎ።

እዚ ድማ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት ፈጢሩ ይርከብ። ዝበዝሓ ሃገራት፡ ነቲ በሰላ ንምሕዋይ ህጹጽ ባጀት ተገዲደን ኣለዋ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ንህጹጽ ሰባዊ ደገፍ ይኹን፡ ነቲ ቁጠባ ንምሕዋይ ዝተሰለዐ ወግዓዊ ባጀት የለን። ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ "ንርዱእ ምኽንያታት" ድጎማ ከምዘይገብር ሓቢሩ ነይሩ።

ዋላ'ኳ፡ እቲ መንግስቲ ሓደ ሃገራዊ ማዕከን ብምምስራት፡ ሚልዮናት ዶላራት ካብ ህዝቢ እንተኣከበ፡ ኣብ ምንታይ ከምዝወዓለ ክሳብ ሎሚ ብወግዒ ኣይገለጸን።

እቲ ብቐደሙ'ውን ድኹም ምዃኑ ዝፍለጥ ቁጠባ፡ በቲ ለበዳ ተሃስዩ ከምዘሎ'ዮም ኪኢላታት ቁጠባ ዝገልጹ። እቲ ዕጽዋ ብፍላይ ኣብቶም ግዝያዊ ሽቕለት ዝፈጥሩ ክፋላት ቁጠባ፡ ከም ቱሪዝምን ኣብያተ መግብን መስተን ቀሊል ዘይኮነ ስምብራት ኣስዒቡ ኣሎ።

ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጪ ኤርትራ ዕደናን፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታት ዝሰድዎ ገንዘብ (ረሚታንስ) ምዃኑ ይግለጽ።

ዋላ'ኳ ዋጋ ሸርፊ ናቕፋ እንተወሰኸ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተኣጊዱ ብምህላዉ፡ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ነቲ ናብ ከተማታት ዝስደደሉ ገንዘብ ኣብ ግዚኡ ክረኽቦ ከምዘይክኣለ፡ ሓያሎ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብታ ሃገር ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ፈጢርዎ ዘሎ ጸቕጢ ዝተጋነነ ምዃኑ'ዩ ይምጉት።

"ብምኽንያት ኮቪድ ዝተሃስየ ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣሎ ክንብል፡ ነጋንን ኢና ዘለና። ብመሰረቱ ብዛዕባ ልምዓት ዘሎ ናይ ኣመለኻኽታ ጸገም እዩ።።

"እዚ ቁጠባና፡ ቁጠባ'ዩ ኢሉ ዝዛረብ ሰብ እንተሎ፡ እንታይ ዓይነት ቁጠባ? ናይ ዕንጋሎ (subsistence) ቁጠባ እዩ። ካብ ኢድ ናብ ኣፍ እትነብረሉ ቁጠባ።"

ብዙሓት ኤርትራውያን ግን፡ ኣእዳው ናይቶም ስድራቤቶም ዝዕንግሉ ኣለይቲ ስድራ ክጥመራ ስለዝተገደዳ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኣቱ ጭንቂ ኮይኑ ከምዘሎ'ዮም ዘማርሩ።

"ኣብዚ ክንደይ ሰብ እዩ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር፡ ክንደይ ሰብ እዩ ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ፡ እዚ ኹሉ ሰብ ተዓጾ ክትብሎ እንከለኻ፡ እንታይ ይብላዕ፡ እንታይ ይስተ ኸኣ ክሕሰበሉ ኣለዎ" ይብል ሓደ ነባሪ ደቀምሓረ ብዛዕባ'ቲ ዕጽዋ ክዛረብ እንከሎ።

ወይዘሮ ኣስካሉ ዝተባህላ ዜጋ'ውን ኣብ ከባቢ ጎዳይፍ (ኣስመራ) ቤት መስተ ዝነበረን እየን። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2020 ጀሚረን ትካለን ስለዝዓጸዋ ግን ንሰንን ስድረአንን ነተን "ኣብ ጥዑም እዋን" ዘዋህለለአን ጨቀም ይብላ ምህላወን እየን ዝገልጻ።

"ኣምላክ ይመስገን ንሕናስ ቁሩብ ኣጽኒሕና ንዘለና ኣቃጢንና ንበልዕ ኣለና፡ እቲ ድራር እለት ዘይብሉ ከመይ ይሓልፎ ኣሎ ግን ኣብ ጎሮባብትና ንርእዮ ኣለና" ድማ ይብላ።

ንሓደ ዓመት ካብ ትምህርቶም ዝበኾሩ ተምሃሮ ኤርትራ

ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ብሰንኪ ምቕልቃል ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ካብ ዝዕጸዋ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኮይኑ'ሎ።

ኣብ መወዳእታ ሰነ 2020 መጠን መልከፍቲ ትሑት ብምንባሩ፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ኣብያተ ትምህርቲ ብኸፊል ክኽፈታ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ተምሃሮ ነቲ ዝተረፎም መደብ ትምህርቲ ንምዝዛም ካብ 6 ሓምለ ጀሚሮም ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ክምለሱ ወሲኑ ነይሩ'ዩ።

በዚ መሰረት እቶም 11 ክፍሊ ክውድኡ ዝነበሮም ብ6 ሓምለ ክምለሱ እንከለዉ፡ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላ ትምህርቲ (ኮለጃት) ድማ ብ13 ናብ መደብ ትምህርቶም ተመሊሶም።

ዝተረፉ ካልኦት ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ'ዚ ንዝተረፎም ወዲኦም ናብቲ ዝቕጽል ክሰጋገሩ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግና እዚ ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን።

ኤርትራ፡ ብመንገዲ ተንቀሳቓሲ ቴለፎን ዝርከብ ኣገልግሎት ኢንተርነት (ዳታ) ዘይብላ ሃገር ብምዃና፡ ቆልዑ ኤርትራ ከም ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ብማንዛ (ቪርቹዋል) ክምሃርሉ ዘኽእል ዕድል የብሎምን።

ኤርትራ እቲ ዝደኸመን ዝኸበረን ኣገልግሎት ኢንተርነት ካብ ዘለወን ሃገራት ምዃና ይግለጽ።

ሓደ ዓመት ምሕላፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ መደብ ከምዘለዎ ዝኾነ ሓበሬታ ዘይህብ ምዃኑ ንወለዶም ካብ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።

ኣስመራ

ምድስካል ማሕበራዊ ንጥፈታት

ዕጽዋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቶም ከም ሓዘን፡ ብዓላትን መርዓታትን ዝበሉ ማሕበራዊ ምትእኽካባት'ውን ኣረካኺብሎም'ዩ።

ብመሰረት ጸኒዑ ዘሎ መምርሒ፡ ህዝቢ ናብ ኣብያተ ጸሎት ከም ቀደሙ ከይከይድ ተኸልኪሉ ይርከብ። እቶም ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ዝኣትዉ መራሕቲ ሃይማኖት'ውን ተመዝጊቦም ብውሱን ቁጽሪ ከምዝኣትዉ ከምዝተገብሩ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይገልጹ።

ሞት ምስ ዘጋጥም'ውን፡ ሓንቲ መኪና ብፍቓድ ብምርካብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ካብ 10 ብዘይበዝሑ ሰባት ክፍጸም'ዩ እቲ መምርሒ ዝእዝዝ- ዋላ'ኳ መብዛሕትኡ እዋን ሰብ ዝጥሕሶ እንተኾነ።

ከምቲ ንቡር፡ ሰብ ቤተሰቡ ክቐብር ዘይምኽኣሉ ድማ ንመቕርብን ዓርከ-መሓዛን ሓደ ካብቲ እቲ ዕጽዋ ዘይወሓጥ ዝገብሮ'ዩ።

ኣቶ ስብሃቱ ነባሪ ከተማ ደቀምሓረ ኮይኖም፡ ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ ኣብ ቀብሪ ሓፍቶም ክውዕሉ ከምዘይከኣሉ'ዮም ዝሕብሩ"ኣብ ባሕቲ ሕዳር ሓፈተይ ኣብ ዶባሩባ ተጎዲኣትኒ፡ ኣብ ቀብራ ክውዕል ኣይከኣልኩን፡ ኣብቲ እዋን መጓዓዝያ ድኣሉ ተኸልኪሉ'ምብር ሰብ ከም ድላዩ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ፡ መጓዓዝያ ብዘይ ምንባሩ ኣብ ቀብራ ክውዕል ዘይምኽኣለይ ክኣ ወትሩ ይሓቕየኒ" ብምባል እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝወጸ መምርሒታት ኣዝዩ ተሪር ምንባሩ ይገልጹ።

መርዓታትን ካልኦት ማሕበራዊ ድግሳትን ውራያትን'ውን፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብኣሉታ ካብ ዝተጸልዉ ንቡራት ንጥፈታት ሕብረተሰብ'ዮም።

ኣገደስቲ ዕለታት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ

11 መጋቢት 2020 - ካብ ገለ በቲ ቫረይስ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝተበገሱን ዝሓለፉን ገያሾ ከምዝውሸቡ ተገሊጹ

21 መጋቢት 2020 - ንፈለማ እዋን እቲ ቫይረስ ኤርትራ ከምዝኣተወ ዝተረጋገጸሉ

23 መጋቢት 2020 - ህዝቢ ህጹጽ ዘይኮነ መገሻታት ከቋርጽ ተኣዚዙ

25 መጋቢት 2020 - ንግዳዊ በረራታት ደው ኢሉ

26 መጋቢት 2020 - ቁጽሪ ዝተለኽፉ 6 ምስ በጽሐ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ተቛሪጹ፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን

01 ማዝያ 2020 - ምሉእ ዕጽዋ ብላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ተኣዊጁ

22 ማዝያ 2020 - እቲ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ ዕጽዋ ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ

03 ሰነ 2020 - ሓይሊ ዕማም ውጽኢት ገምራዊ ዳህሳስ ሓቢሩ

20 ታሕሳስ 2021 - ለብዒ ብምውሳኹ ነቲ ዝነበረ ዕጽዋ ዘትርር መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ወጺኡ

29 ታሕሳስ 2021 - ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ (181) ተመዝጊቡ

22 ጥሪ 2021 - ፈላሚ ሞት ተመዝጊቡ፡ ሓደ ወዲ 50 ዓመት ኣብ ሆስፒታል ደቀምሓረ ሞይቱ

30 ጥሪ 2021 - ቁጽሪ ዝተለኽፉ ልዕሊ 2000 በጺሑ

11 መጋቢት 2021 - ቁጽሪ ዝተለኽፉ ልዕሊ 3000 በጺሑ