ኮሮናቫይረስ: መንግስቲ ኤርትራ 'ንርዱእ ምኽንያታት ባጀታዊ' ሓገዝ ከምዘይገብር ኣፍሊጡ

ከተማ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, yemane G/meskel

መንግስቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣብ ጸገም ንዝወደቑ ስድራቤታት 'ንርዱእ ምኽንያታት ባጀታዊ' ደገፍ ከምዘይገብር ገሊጹ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ንፖሊሲ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ መንግስቲ ኤርትራ ዝድህስስ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ምክልኻል ፖሊሲ ክልተ መትከላት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣብ ምግታእን፡ ምቁጽጻርን ዘተኮረ'ዩ።

ኤርትራ ነቲ ቫይረስ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ንምክልኻል ካብ መፋርቕ መጋቢት ጀሚራ፡ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክትወስድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ21 መጋቢት ንፈለማ እዋን ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ምስተለኽፈ ግን እገዳታት ክትገብር ጀሚራ።

ካብ 23 መጋቢት ክሳብ ሕጂ ድማ ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር ንግዳዊ በረራታት ኣጊዳ ትርከብ።

ብድሕሪ'ዚ ኸኣ ካብ 27 መጋቢት ጀሚሩ ኣብያተ ትምህርቲን መጓዓዝያን ደው ክብል ተወሲኑ።

ኣብ ባሕቲ ሚያዝያ ድማ፡ ስግኣታት እናወሰኸ ስለዝኸደ ሓደ "ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም" ተባሂሉ ዝተገለጸ ኣካል፡ እታ ሃገር ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ከምእትርገጥ ገሊጹ- ብዘይካ ኣገደስቲ ቁጠባዊን ልምዓታዊን ንጥፈታትን ምንቅስቓሳትን።

ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, ኣስመራ

ብሰንኪ እዞም ን6 ኣዋርሕ ዝቐጸሉ እገዳታትን ዕጽዋን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነብራ ስድራቤታት ከቢድ ጥሜትን ጸገም መነባብሮን ኣጋጢሙወን ከምዘሎ ቢቢሲ ክሕብር ጸኒሑ'ሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብቲ ብሰኑይ ዝወጽኦ መግለጺ፡ እቶም እገዳታት፡ ብፍላይ ምዕጻው ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን፡ ምእጋድ ህዝባዊ መጓዓዝያን ከቢድ ጸገም ኣስዒቡ ከምዘሎ ተኣሚኑ'ሎ።

"ኣብ ምሉእ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም" ኣኸቲሉ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

መንግስቲ፡ ብስም እቲ ለበዳ ሓደ ማዕከን ብምቛም፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ገንዘብ እኳ ክእክብ እንተኽኣለ፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ንምድጋፍ ኮነ፡ ንዝጠመዩ ስድራቤታት ንምጥዋር ዝገበሮ ናይ ባጀት ምስላዕ ዘይምህላዉ ንብዙሓት ዜጋታት ዘቖጠዐ ኮይኑ'ሎ።

'ንርዱእ ምኽንያታት' መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣይገብርን'ዩ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብዚ ናይ ሕጂ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ብሰንኪ ዕጽዋ ኣብ ጸገም ንዝወደቑ ስድራቤታት "ንርዱእ ምኽንያታት ስሩዕ ባጀታዊ ናይ ገንዘብ ክፍሊት" ክህብ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝበሎ "ርዱእ ምኽንያታት" ርዱእ ኣይኮነን። መንግስቲ ባጀታዊ ዓቕሚ የብሉን ንምባል ይኹን፡ ባጀታዊ ስርዓት ከምዘይብሉ ንምግላጽ ዝሕብር እንተኾይኑ ኣይተነጸረን።

ኤርትራ

ዝተፈላለዩ ኪኢላታት ቁጠባ፡ እቲ ብቐጻሊ ልምዓታዊ ገስጋስ ይገብር ከምዘሎ ክገልጽ ዝስማዕ መንግስቲ፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ ንሕሰም ጽጉማት ስድራቤታት ከቃልል ዘይምፍታኑ ኣትሪሮም ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።

ዝተፈላለያ ሃገራት ብዓቕመን፡ ነቲ በቲ ለበዳን ዘገደዶ እገዳታትን ዝተሃሰየ ቁጠባታተን ንምብርባርን ንምስሳንን ፍሉይ ባጀታዊ ድጎማታትን፡ ልቓሓትን ክገብራ ይራኣያ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን "ህዝቢ ኣብ ሓደጋ [ጥምየት] ንዘለዉ ጉጅለታት [ሰራሕተኛታት ዘይኮኑ ክፋል ሕብረተሰብ] በቢከባቢኡ ዝድግፈሉ ባህላዊ ናይ ምትሕግጋዝ ኣገባባት" ክህሉ ይደፍእ ከምዘሎ'ዩ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝገልጽ።

መንግስቲ ናይ ሰራሕተኛታቱ ደሞዝ ምኽፋል ከምዘየቋረጸ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ ብመምርሒ ዝተዓጽዋ ናይ ብሕቲ ትካላት ደሞዝ ሰራሕተኛታተን ከየቋርጻ ምምርሒ ከምዝተዋህበ ይጠቅሰ።

ይኹን 'ምበር፡ መብዛሕትአን ትካላት ንኣሽቱ ብምዃነን፡ ንነዊሕ ስለዝተዓጽዋ፡ እቶም ቀደሙ'ውን ብዘይ ውሑስ ውዕል ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሆቴላት፡ ኣብያተ መግብን መስተን ዝበሉ ትካላት፡ ስራሖምን ኣታዊኦም ከምዝሰኣኑን ጸብጻባት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ሓቢሮም።

ሓቂ'ዩ፡ ህዝቢ ንሓድሕዱ እናተደጋገፈ ነዚ ክፉእ እዋን ክሓልፎ'ኳ ይጽዕር እንተሎ፡ ብዘይተወደበ ኣገባብን ዘይስሩዕን ብምዃኑ፡ ክሳብ መዓስ ትንፋስ ከድሕን ከምዝኽእል ፍሉጥ ኣይኮነን። ነዚ ህዝባዊ ተበግሶ መንግስቲ ብዓቕሙ ክድግፎ ዘይምኽኣሉ'ውን፡ ኣድማዒ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ'ዩ።

ገለ ተንተንቲ'ውን፡ እቲ ብሓደ ሰብ ዝምራሕ፡ ተሓታትነት ዘይብሉ መንግስቲ ሓላፍነት ክስምዖ ኣይክእልን'ዩ ክብሉ ይነቕፉ።

ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ንመሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ 2002 ጀሚሩ ምስ ኣፍረሶ፡ ኣብታ ሃገር ንስልጣኑ ዝቆጻጸር ሓጋጊ ኣካል የለን።

መደብር

እቲ ብዘይስሩዕ ኣገባብ ዝእከብ ዝነበረ "ስማዊ" ተባሂሉ ዝግለጽ ካቢነ ሚኒስትራት'ውን ንልዕሊ 2 ዓመታት ኣይተኣከበን።

ብዛዕባ ፖሊሲ ምክልኻል ለበዳ መንግስቲ መግለጺታት ዝህብ ዝነበረ "ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም" እውን እንተኾነ፡ እዋናዊ ገምጋም ይኹን ስሩዕ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ። በየኖት ትካላት ወይ ባእታታት ከምዝቖመ'ውን ንጹር ኣይኮነን።

እቲ ጸኒዑ ዘሎ ኣዋጅ ዕጽዋ፡ ብኸፊል ፈዂሱ ከምዘሎ እቲ መንግስታዊ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

ዋላ'ኳ ኣብ ወርሒ ሓምለ እቶም ንሳዋ ዝተወስዱ መበል 11 ክፍሊ ክውድኡ ዝነበሮም ተምሃሮ ኣብ ሳዋ ይምሃሩ እንተለዉን፡ ኮሌጃት እንተ ተኸፍታን፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንዘቋረጽዎ መደብ ወዲኦም፡ ሓድሽ ዓመተ-ትምህርቲ ክጅምሩ ዝነበሮም ተምሃሮ ግን ዛጊት መዓስ ከምዝጅምሩ እቲ መግለጺ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ኣብታ ሃገር፡ ናይ ቴለፎን ኣገልግሎት ኢንተርነት (ዳታ) ስለዘይፍቀድ ድማ፡ ተምሃሮ ብመንገዲ ኢንተርነት ትምህርቲ ክወሃቦም ዘይሕሰብ'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ዝሸጡ ንኣሽቱ ንግዳዊ ትካላት ተኸፊቶም'ኳ እንተለዉ፡ ናይ ኣየርን ምድርን ንግዳዊን ህዝባውን መጓዓዝያ ተኣጊዱ ስለዝርከብ፡ ብፍላይ ጽጉም ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ጸገሙ ኣይተገላገለን ዘሎ።

እዋናዊ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ

ክሳብ ትማሊ 15 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ቁጽሪ ዝተልኽፉ፡ 422 ከምዝበጽሐ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብሩ። ካብዚኣቶም፡ እቶም 376 ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ዝተፋነዉ'ዮም።

ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዝእለዩ ዘለዉ ትማሊ ዝተረኽቡ 8 ዝርከብዎም 46 ሰባት ጥራይ'ዮም። ደረጃ ሕማም ናይቶም ኣብ ሆስፒታላት ሕክምናዊ ክንክን ዝተገብረሎም ሰባት "ማእከላይ" ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ'ቲ ቫይረስ ዝሞተ ከምዘየለ'ዩ ዝግለጽ።

ዳርጋ ኩሎም እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ቫይረስ ዝርከቦም ዘሎ ሰባት ካብ ጎረባብቲ ሃገራት "ብፍኑው ዝተመልሱ" ምኻኖም ሓበሬታ ናይቲ ሚኒስትሪ ይጠቅስ።

ኣብ ዶባት ከይተታሕዙ፡ ብፍኑው ዝኣተዉ ሰባት ክህልዉ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ግን ኣይግለጽን'ዩ።

በረራታትን መጓዓዝያ ምድርን ሃንደበት ድሕሪ ምቁራጾም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ገያሾ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ሓዲግ ከም ዝተረፉን፡ ብፍላይ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተዓግቱ ብዙሓት ምዃኖምን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዛጊት፡ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 41,100 ሰባት መርመራ ተኻይዱሎም ኣሎ። ብዛዕባ'ቲ ኣብ ገለ ኣብ ዶባት ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን ክግበር ምዃኑ ዝተገልጸ "ገምራዊ" ዳህሳስ ግን ኣይገለጸን።

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ቤተፈተነ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/twitter

ካብ ባሕቲ ለካቲት ጀሚሩ፡ ብድምር ልዕሊ 18,000 ሰባት ብውሸባ ክሓልፉ እንከለዉ፡ ኣብ ሽድሽቴአን ዞባታት 93 መወሸቢ ማእከላት ተመስሪተን ኣለዋ። ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ 1,767 ሰባት ኣብተን ማእከላት ተወሺቦም ይርከቡ።

ኣብታ 25 መወሸቢ ማእከላት ዘለዋ ዞባ ጋሽ-ባርካ ጥራይ ዛጊት 8762 ብውሸባ ክሓልፉ እንከለዉ፡ በተን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከባ 19 ማእከላት ዝሓለፉ ድማ ኣስታት 4900 ይበጽሑ።

ቁጽሪ ዝተወሸቡ ብዞባታት፡

  • ማእከል፡ 13 ማእከላት - 904
  • ደቡብ፡ 19 ማእከላት- 4874
  • ዓንሰባ፡ 13 ማእከላት - 88
  • ጋሽ-ባርካ፡ 25 ማእከላት - 8762
  • ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 12 ማእከላት - 2331
  • ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ 11 ማእከላት - 1179