ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሳዕቤናት ዕጽዋ 'ፍሉይ እዩ'

ኤርትራ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ፡ ካብ ዕለት 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ወግዓዊ ዕጽዋ ትርከብ።
እቲ ብ 21 መጋቢት ብሓደ ሰብ ዝጀመረ ምልባዕ ናይቲ ለበዳ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ 131 ሰባት ተራእዩ ኣሎ።
ብላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም መንግስቲ ዝተኣወጀ "ምርጋጥ" ግን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ከም ዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
ካብ ምንሃር ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽቲ፡ ስእነት ማይ ከተማታት፡ ምቁራጽ ኣገልግሎት መብራህትን ጥሜትን ዝበሉ ጸገማት ካብቶም ቀንዲ ዝጥቀሱ'ዮም።
መንግስቲ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር በረራታትን ምንቅስቓሳትን'ውን ኣጊዱ'ዩ። ይኹን እምበር "ብፍኑው" ዝኣትዉን ዝወጹን ውሑዳት ኣይኮኑን።
እቲ ስጉምቲ ብፍላይ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸገማት የስዕብ ከምዘሎ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ። ብፍላይ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ገለ ክፋላት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ዝነብር ህዝቢ፡ ብፍሉይ ተሃስዩ ከም ዘሎን፡ ኣብ ርእሲኡ'ውን ምግሃስ መሰላት ከም ዘጋጠሞን እቶም ተጣበቕቲ ይኸሱ።
'ግራቶም ባሕሪ'ዩ፡ ብዕራዮም ድማ ጃልባ'
ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ መሬታዊ ክፋሉ ኣጻምእን ስሑው ብዝሒ ህዝቢ ዝርከቦ ሓደ ካብ 6 ዞባታት ኤርትራ'ዩ። ቀንዲ ነበርቲ ናይቲ ዞባ ብሄረ ዓፋር ምዃኖም ይፍለጥ- ዋላ'ኳ ገለ ማሕበረሰባት ዓፋር ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ'ውን ተጠቓሊሎም እንተለዉ።
ድሩት ሕርሻዊ ንጥፈታትን፡ ኣካል መነባብሮ ህዝቢ'ቲ ከባቢ'ኳ እንተኾነ፡ ቀንዲ ምንጪ እቶት ናይቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ዞባ ግን ጉስነት፡ ምግፋፍ ዓሳን ንግድን'ዩ።
ብፍላይ ኣብቲ ካብ ማእከላት ንግዳዊ ንጥፈታት ዝኾና ከተማታት ኤርትራ (ኣስመራን ባጽዕን) ዝረሓቐ ከባቢታት፡ ቀንዲ ታሪኻዊ ንግዳዊ ምትእስሳሩ፡ ምስ የመን፡ ጂቡቲን ኢትዮጵያን እዩ።
እቲ ኣብ ኤርትራ ተኣዊጁ ዘሎ መምርሒታት ዕጽዋ ድማ፡ ነዚ ቀንዲ መትንታት መነባብሮ ህዝቢ ዝትንክፍ ብምዃኑ፡ እቲ ጸገም ዝያዳ ከም ዝዓዘዘ ተጣበቕቲ መሰላት ህዝቢ ናይቲ ዞባ የማርሩ።
"ግራቱ ባሕሪ'ዩ፡ ዝጥቀመሉ ንዋት ድማ ብዕራይ ወይ ገመል ዘይኮነ ጃልባ'ዩ" ይብል ዋና ኣካያዲ፡ ውድብ ሰባዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕ ባሕሪን ጋዜጠኛን፡ ኣቶ እስማዒል ጋባይታ።
ኣቶ እስማዒል፡ እዚ ንቡር ናይ ባሕሪ ምንቅስቓሳት ተኣጊዱ ምህላዉ እቲ ካብቲ ባሕሪ ዝነባበር ህዝቢ ኣብ ጸገም ኣትዩ ከም ዘሎ ይዛረብ።
ካልእ ተጣባቒ ሰባዊ መሰላት ኢብራሂም ኣሕመድ (ዓፈረንሲስ) ብወገኑ፡ "እቲ ዝተወስደ ናይ ዕጽዋ ስጉምቲ ወታሃደራዊ እምበር፡ ጥዕናዊ ኣይመስልን'ዩ" ክብል ይኸስስ።
መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ እኽሊን ሽኮርን የከፋፍል (ይሸይጥ) ከምዘሎ ዝገለጸ፡ ኢብራሂም፡ ከም ዘይትን ካልኦትን መሰረታዊ ሃለኽቲ ዘይብሉ ምዃኑን፡ "እቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ዓጸቦን፡ ጥሜትን" ከምዘሎ ይገልጽ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንመምርሒታት ኮቪድ-19 ብዘኽብር መንገዲ ይገፉ ከምዘለዉ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣታዊታቶም ይጎድል ከምዘሎ ግን ኣይሓብአን።
እቶም ተጣበቕቲ ግን፡ እዚ ነቲ ክወጽእ ዝቐነየ ጸብጻባት ንምህዳእ ዝዓለመ ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ'ዩ ክብሉ ነጺጎሞ።
ብ1 ሚያዝያ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምፍራይ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ስርሖም ክቕጽሉ'ዮም" ዝብል መምርሒ ሂቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ገፈፍቲ ዓሳ ግን ብንጹር ዝሃቦ መምርሒ ኣይነበረን።
ብዕለት 22 ሚያዝ ዝወጸ መምርሒ ናይቲ ሓይሊ ዕማም'ውን እንተኾነ፡ እቲ ዕጽዋ ከም ዝቕጽልን፡ ኣብ ሂወት ዜጋታት ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ሓቢሩ።
"ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ህዝቢ ብፍላይ ኣብ'ቶም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝናብራኦም ዜጋታት ዘለዎ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይኮነ ርዱእ'ዩ" ኢሉ።
ብዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ማሕበረኮማትን ዝግበር ወፈያታት ከም ዘሎ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ብቐጻሊ'ኳ የቃልሓ እንተለዋ፡ ብወገን መንግስቲ ነቶም በቲ ዕጽዋ ኣጸቢቑ መነባብርኦም ብኣሉታ ዝተጸልወ ደገፍ ከምዘይገበረ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
እዞም ተጣበቕቲ ከም ዝብልዎ ድማ፡ ዋላ'ኳ ህዝቢ'ቲ ከባቢ ብዙሕ ኣብ ናይ ወጻኢ ዝርከቡ ቤተሰብ ዝሰድዎ ግንዘብ ዘይምርኮስ እንተኾነ፡ እቲ ዝርካቡ ዝስደድ ድማ ብሰንኪ ለበዳ ተዓናቒፉ ከምዘሎን፡ ሸርፊ'ውን ከምዝጎደለን ይዛረቡ።
እቲ ናብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝስደድ ገንዘብ፡ ናብቲ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት፡ የመን፡ ጂቡቲን ኢትዮጵያን፡ ምስ ተላእከ በቶም ዝመላለሱ ነጋዶን ገያሾን ናብቲ ዝተመደበሉ ቦታን ሰብን ክሳብ ክበጽሕ ነዊሕ ግዜ ይወስደሉ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ኣድልዎን
እቶም ተጠባቕቲ መሰላት ከምዝብልዎ፡ ገለ ማሕበረሰባት ዞባ ደቡባዊ ይኹን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣደዳ ማእሰርትን ምስዋርን ይኾኑ ከምዘለዉ ይኸሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ዝወጸ ጸብጻብ ፍልይቲ ተኸታታሊት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዳንኤላ ክራቨዝ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጺሙ ዝተባህለ ምግሃስ መሰላት ሰኒዱ'ሎ።
"ጸብጻባት ምስርጣይ፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ምስዋር ኣባላት ማሕበረሰባት ዓፋር" ከም ዝበጽሓ እታ ፍልይቲ ወኪል ትገልጽ።
ኣብ መወዳእታ 2019 ሓደ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ማርሳ ፋጡማ ዓስኪሩ ዝነበረ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ "ንዓበይቲ ዓዲ ባካ፡ ሃዋኪል፡ ኣሉሊን ካባቢኣን ብምእካብ፡ ወታሃደራዊ ታዕሊም ክካየደሉ ስለዝኾነ ካብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ክግዕዙ ኣዚዝዎም" ክትብል'ውን ጠቒሳ።
እቶም ዓበይቲ ዓዲ ነቲ ትእዛዝ ድሕሪ ምንጻጎም፡ ኣባላት ሰራዊት ንሓያሎ ጃላቡ ብምዕናዉ፡ ን5 ገፈፍቲ ዓሳ ኣሲሮም፡ ኣበይ ከምዝወሰድዎም ከምዘይፍለጥ እቲ ጸብጻብ ሰኒዱ።
እቲ ብዘይ ቅዋም ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ ንብዙሓት ኤርትራውያን፡ እንኮላይ ላዕለዎት ሚኒስተራት ነበር ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ብምስዋር ዝፍለጥ'ዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ንጸብጻብ ናይታ ፍልይቲ ወኪል ንኤርትራ ንምኽፋእ ዝወጸ "ዘይቅዱው" ክብል ምንጻጉ ይዝከር።
ጋዜጠኛን ተጣባቒ መሰላትን ኣቶ እስማዒል ጋባይታ ከምዝብሎ፡ እቲ መንግስቲ ንዝኾነ ዝመጽእ "ህግደፍ ኣብ ጥቕሚ ናቱ ኣውዒሉ፡ ንምጭቋን ንህዝቢ'ዩ ይጥቀመሉ ኣሎ" ብምባል ከሲሱ።
"ቅድሚ'ቲ ኣዋጅ ኮሮና ምጅማሩ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ህዝብና ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ'ዩ ጸኒሑ" ይብል ኢብራሂም ኣሕመድ ብወገኑ።
"እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝበሃል'ውን ተዳኺሙ'ዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል፡ ሕጽረት መድሃኒታት ከም ዘሎ ይዛረብ።
ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ዓፋር ኣድልዎ ከምዝፍጸም ብምጥቃስ መንግስቲ ቆላሕታ ክገብረሉ ተማሕጺኑ።
እስማዒል ነቲ ኣድልዎን ወጽዓን ክገልጾ እንከሎ፡ 'እቲ ንሰግሮ ሩባ፡ ንሓደ ኣብ መፋርቕ ከብዱ ነቲ ካልእ ካብኡ ዝሓጸረ ግን ከጥሕሎ ይኽእል'ዩ' ብምባል'ዩ ህዝቢ ዓፋር ዝያዳ ተሃስዩ ኣሎ ይብል።
ካልኦት "ባዕዳውያን" ሃገራት ንማሕበረሰባት ዓፋር ብምፍንቓሎም'ውን ተወሳኺ ወጽዓ ምዃኑ ኢብራሂም ይነቅፍ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ወታሃደራዊ መዓስከር ከም ዘለዋ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ብዙሓት ከም ዝተፈናቐሉን፡ ንስደት ከም ዘምርሑን'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ሃለዋት ናይቶም ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ካብቲ ዞባ ምዃኖም ዝጠቅስ ኢብራሂም ኣሕመድ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡን፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ዘሎ ዕድላት ጸቢብን ዘይስሩዕን ምዃኑ ይሕብር።
ክልቲኦም ተጣበቕቲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕትት፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ'ውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከም ዝፍጸም ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







