ኮሮናቫይረስ፡ ኤርትራ ክታበት ዘይጀመረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሪቃ ሓቢሮም

ቤት ጽሕፈት ሚኒሰትሪ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ ንህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ዘይጀመረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ሓላፊ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ሲዲሲ ገሊጹ።

"ኤርትራ፡ ንስድራቤት ናይተን ክታበት ክህባ ዝተበገሳ 55 ሃገራት (ሕብረት ኣፍሪቃ) ዘይተጸንበረት እንኮ ሃገር'ያ" ክብል ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶ/ር ጆን ንከንጋሶንግ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ብሓሙስ ብማንዛ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ግና ተስፋ ኣይቆረጽናን" ብምባል፡ ኤርትራ ህዝባ ክትከትብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ'ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ስለ ምንታይ ክታበት ምሃብ ከም ዝተሓሰመ ብንጹር ኣይገለጸን።

ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ወጻኢ፡ ብፍላይ ጎረባብቲ ሃገራት ብዙሓት ብስራሕ ይኹን ካልእ ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ኤርትራ ኣብ ዝወጽኡሉ፡ ኣብተን ዝኣተዉለን ሃገራት ክታበት ክወስዱ ዕድል ከም ዝረኸቡ ምጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ክታበት ምውሳድ፡ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ሓደ ካብ ቅጥዕታት መገሻታት ወጻኢ ኮይኑ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ እናወሰኸ ክመጽእ ምጽንሑ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የረድእ።

ብፍላይ እቲ ናብ ትሕቲ 10 ወሪዱ ዝነበረ ብሚስትሪ ጥዕና ዝወጽእ ቁጽሪ መዓልታዊ መልከፍቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ብልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ይግለጽ።

ሎሚ ሓሙስ ጥራይ፡ ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን 50 ዜጋታት ከም ዝተለኽፉ እቲ ሚኒስትሪ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ካልኦት 27 ድማ ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 62 ክበጽሕ እንከሎ፡ 7583 ተለኺፎም ኣለዉ።

እቶም ዝበዝሑ ሓውዮም ዝተፋነዉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ 172 ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝግበር ዘሎ መርመራታት ውሱን ብምዃኑ ቀጽሪ ዝተለኽፉ ካብቲ መዓልታዊ ዝወጽእ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዮም ኪኢላታት ዝእምቱ።

ሞት ሰባት ብዝግባእ ኣብ ዘይምዝገበሉ ሃገር፡ ከይተፈልጡ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ'ውን ገለ ሰብሞያ ጥዕና ይገልጹ።

እታ ኣብ ፈለማ ዓመት ናይቲ ለበዳ ተሪር ዕጽዋን እገዳታትን ዝኣወጀት ኤርትራ፡ እቲ ምርጋጥ ድሕሪ ዓመት ምስ ተኸፍተ፡ መምርሒታት ከም ዝላሕለሐ ሰብ መዚ ይገልጹ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ሃገርና፡ ምስ ምፍዃስን ምልዓልን ጸኒዑም ዝጸንሑ ሕጋጋት፡ ዜጋታትን ትካላትን ንመምርሒታት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ በብቕሩብ ሸለል ክብልዎን ክጥሕስዎን ይርኣዩ ስለ ዘለዉ፡ ኣብ'ዚ መወዳእታ እዋን ዘሰክፍ ኩነታት መልከፍቲ ይኽሰት ከም ዘሎ፡ ዕለታዊ ጸብጻባት ሃገራዊ ላቦራቶሪ የመልክቱ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ቁጽሪ መልከፍቲ ዳግማይ እናወሰኸ ምዃዱ'ውን "ኣዝዩ ዘሰክፍ ደወል" ብምዃኑ ህዝቢ ንዝወጹ መምርሒታት ክምእዘዝ እቲ ሚኒስትሪ ተማሕጺኑ።

"ዝስዕርሩ ዘሎው ቀንዲ ጠንቅታት፡ ማለት፡ ሸለልትነት ኣብ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን 'ማስክ'፣ ዘይምኽባር ዝወጹ ቅጥዕታት ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ ኣብ መርዓ፡ ቀብሪ፡ ሓዘን፡ ንግደትን ካልኦት ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን፡ ኣብ ኣብያተ-እምነት ዝርአ ጻዕቂ ተሳተፍቲ፣ ኣብ ዕዳጋታትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ዝርአ ጠገለ ዝሰኣነ ንቕጥዕታት ኣካላዊ ምርሕሓቕ ዝጥሕስ ምትእኽኻባት፣ ከምኡ'ውን ልዕሊ'ቲ ዝተወሰነ ቁጽሪ ተሳፈርቲ ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክወገዱ ይግባእ" ኢሉ ነይሩ።

ነቲ ለበዳ ንምግታእ ብ6 ሰነ 2021 ዝወጸ መምርሒታት ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ድማ፡ ኩሉ ዜጋ ብእኡ ተመሪሑ ክኸይድ ሰብ መዚ ጥዕና ጸዊዖም ኣለዉ።

እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ጸኒዖም ዘለዉ መምርሒታት

  • ኩሎም ክውንዘፉ ዘይክእሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት - መርዓ፡ ሓዘንን ጥምቀት ወይ ስማያ -ብኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ፡ ካብ 40 ዘይበዝሑ፡ ብዝከኣል መጠን'ውን ካብዚ ብዝወሓደ ተሳትፎ ይካየዱ። ዳስ ምስራሕ ኰነ ኣዳራሻት ምጥቃም ወይ ምክራይ ክልኩል'ዩ።
  • ኣብ ኣብያተ-እምነት ዝግበር ስነ-ስርዓት'ውን፡ ብኣዝዩ ቅርጥው ተሳትፎን ንናይ ምክልኻል ቅጥዕታት ብምልኣት ብዘተግብርን ኣገባብ ክፍጸም ይግባእ።
  • ኣብ ከተማታትን ገጠራትን፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ማስክ ምጥቃም ግዴታ'ዩ። ኣካላዊ ምርሕሓቕ፣ ከምኡ'ውን ጽሬት ኣእዳውን ምምካን ኣቚሑን ብጥብቂ ክዝውተር ይግባእ።
  • ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን፡ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላውን መነጻጽሂ ምጥቃምን ግዴታ'ዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ነቶም መምርሒታት ዝጠሓሱ ውልቀሰባት ይኹኑ ትካላት "ተሪር መቕጻዕትን . . .ናይ ምዕጻው ስጉምት[ን] ክውሰድ ምዃኑ" የጠንቅቕ።