ኮቪድ፦ ሆስፒታላት ብሪጣንያ ብሕሙማት ኦሚክሮን ይሻቐላ

ኣማኸርቲ ስነ ፍልጠት መንግስቲ ብሪጣንያ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣማኸርቲ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ መወዳእታ ዓመት፡ ሆስፒታል እታ ሃገር መዓልታዊ ኣስታት 1000 ሕሙማት ኦሚክሮን ክቕበላ ከምዝኽእላ ኣብቲ ብሰሉስ ዝተገብረን ብቐጥታ ብቢቢሲ ዝተመሓላለፈን ኣኼባ ሓቢሮም።

ንዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምንካይን ንምቁጽጻርን ከኣ ህጹጽ ምላሽ ክወሃብ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ሚንስተራት ዓዲ እንግሊዝ ናብ ካልኣይ ደረጃ ምክልኻል ክኸዱ ከምዝኽእሉን፡ ሰባት ካብ ቤቶም ክሰርሑ፣ መከላኸሊ ማስክን ክታበት ኮቪድ ከምዝወሰደ ዘረድእ ምስክርነትን ዝኣመለሰ ነገራት ክተኣታቶ ከምዝኽእል መንግስታዊ ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ንዝርጋሐ ናይቲ ኦሚክሮን ተባሂሉ ዝተሰምየ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝከኣሎ ክገብርን ጻዕርታቱ ከዛይድን፡ ሳልሳይ ደረጃ ክታበት ክወስድን ኣተሓሳሲቡ።

ዋላ'ኳ እዚ ኦሞክሮን ዝተሰምየ ዓይነት ቫይረስ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተረኸቡ ዓይነታት ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝተፈለየን ተለዋዋጥን እንተኾነ፡ ሳልሳይ ደረጃ ክታበት (ቡስተር) ኣዝዩ ዝበለጸ መከላኸሊ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፈናዊ መረዳእታ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

'ህጹጽ ምላሽ'

ኣስታት 30 ዝኾኑ ጕጅለ ኣማኸርቲ፡ ተመራመርትን ሊቃውንትን መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ንህጹጽ ተላባዒ ሕማማት ብኸመይ ክከላኸሎም ከምዝግባእ ሞያዊ ምኽርን ሓበሬታን ይህቡ።

እቶም ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቢቢሲ ዝቐረቡ ላዕለዎት ኣማኸርቲ መንግስቲ "ዝምልከቶም ሰበስልጣን ነቲ ብቕልጡፍ ዝራባሕ ዘሎ ኦሞክሮን ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስ ኮቪድ ንምቁጽጻሩን ኣብ ሆስፒታላትን ሓካይምን ክፍጠር ንዝኽእል ጸቕጢ ንምንካይን ህጹጽ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም" ክብሉ ርእይተኦም ኣቐሚጦም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት "ኦሚክሮን" ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ዘለዎም ስክፍታን ግምትን ሓቢሮም።

እንተደኣ ነቲ ዝርገሐ ዝገትእ ቅልጡፍ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ዘይተኣታትዩ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ መዓልታዊ ካብ 1000-2000 ዝኾኑ ብኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ክዕቆቡ ከምዝኽእሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብዚ እዋን 'ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ኣስታት 680 ሰባት በቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ደልታ ዝተሰምየ ዓይነት ኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ይኣትው ኣለው። ኣብቲ ዓዲ-እንግሊዝ ብለበዳ ኮቪድ ተጠቒዓትሉ ዝነበረት ግዜ መዓልታዊ ኣስታት 3,811 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሆስፒታል ይዕቆቡ ነይሮም።

ክሳብ ሕጂ ኦሚክሮን ነቲ ደልታ ዝተባህለ ዓይነት ኮቪድ ክትከኦ ድዩ ወይስ ክልቲኦም ሓቢሮም እዮም ከጥቅዑ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ተመራመርቲ፡ እቲ ዓይነታት ኮቪድ ነየኖት ክፋል ሕብረተሰብ ወይ ጕጅለታት ዝያዳ ከምዘጥቅዕ ኣይፈለጡን ዘለው። ንጹር መልእኽታት እቶም ሰብ ሞያ፡ [ብሪጣንያ] ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተራእየ፡ ገለ ስጕምቲ ክትወስድ ከም ዘድልያ ዘርኢ መርትዖ እዩ።

"መልእኽትን ፖሊሲን መንግስቲ ንጹር ርትዓውን ዘይቀያየርን እንተ ኰይኑ፡ ጠቢቕካ ምስዓቡ ኣገዳሲ እዩ" ኢሎም።

ብተወሳኺ እቶም ኣማኸርቲ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ቁጽሪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ብቕልጡፍ ይውስኽ ከምዘሎን፡ እዚ ድማ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ፈጣን ምምሕልላፍ ከምዘሎ ዘረጋግጽ ከምዝኾነን ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ናብ ሆስፒታላት ክኣትው ተኽእሎ ከምዘሎን ተገሊጹ።

ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ምውሳድ ንዝርገሐን መልከፍቲ ኮቪድን ስለዘውሕዶ ሰባት ንክኽተቡን እቶም ዝተኸትቡ ከኣ ሳልሳይ ደረጃ ዓቕሚ ምክልኻል ሰብነት ዘጎልብት መድሃኒት ንክወስዱ ይሕግዝ።

ክታበትን ካብ ከቢድ ሕማምን ረኽሲን ብዝለዓለ ደረጃ ንምከላኸል ዕድል ክህብ ይኽእል።

እንተደኣ እቲ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ትካላት ጥዕና ክፍጠር ንዝኽእል ጸቕጢ ምንካይ ኮይኑ ቅድሚ ዝኣገረ ህጹጽ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ።

ዋላ እውን ዝርገሐ ለበዳ ኦሚክሮን ኣዝዩ እንተ ነክዩ እቲ መጠን መልከፍቲ ልዑል ኮይኑ ኣብ ሕክምና ጸቕጢ ምፍጣሩ ኣይተርፎን እዩ። ነዚ ቅልጡፍ ዝርገሐ ለበዳን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቦም።