ሳራ ጊልበርት፡ "ቀጺሉ ዝመጽእ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሕጂ ዝመጽኡ ዓለማዊ ለበዳታት ኣዝዮም ቀተልቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣፍራዪ ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራ ዘኔካ ኣጠንቂቁ።
ፕሮፌሰር ዳም ሳራ ጊልበርት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ንዝተኣከቡ ሰብሞያ ትምህረሉ ኣብ ዝነበረት፡ ብሕጂ ዝመጽኡ ለበዳታት ኣዝዮም ቀተልቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ካብ ብሕጂ ገንዘባዊ ምትእኽካባትን ምድደላውን ከምዘድሊ ሓቢራ።
ብምስዓብ፡ እቲ ኣብ ምልባዕ ዝርከብ ሓድሽ ዓሌር ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ብክታበት ብዙሕ ምክልካል ዘይከኣል ክኸውን ከምዝኽእል እውን ተንብያ።
ብዛዕባ ባህሪ እዚ ሓድሽ ዓሌት ክሳብ ዝፍለጥ ሰባት ጥንቁቓት ክኾኑ'ውን ምዒዳ።
"ምስዚ ቫይረስ እዚ እንገብሮ ቃልሲ ገና ኣይተኸምበተን ኣሎ፤ ርግጽ እቲ ብሕጂ ዝመጽእ ኣዝዩ ቀታሊ ወይ ድማ ኣዝዩ ተላባዒ ወይ ድማ ክልቲኡ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ" ኢላ።
ምናልባሽ ካብቲ ዝሓለፍናዮ ዝገደደ ቁጠባዊ ቅልውላው'ውን ከስዕብ ይኽእል ኢላ፤ እዚ ድማ ንምክልኻል ዘኽእል ምድላዋት ንምግባርን ገንዘብ ኣይክርከብን ዝብል ስግኣት እዩ ዘለዋ።
ብዛዕባ ኦሚክሮን እንክትዛረብ ድማ፡ እዚ ዓሌት ዝረባሐሉ ኣካል-ፕሮቲን ንምቅይያራት ዘኽእሎን ካልኦት ዓሌታት ንምፍጣር ምችኡን ከምዝኾነ እያ ኣብሪሃ።
"እቲ ዝወሃብ ዘሎ ክታበት'ውን ኣብ ምክልኻሉ ብዙሕ ውጽኢታዊ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ"ኢላ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ክሳብ ባህርያቱ ብደንቢ ዝፍለጥ ኣዝዩ ከይስፋፋሕ ኣብ ምክልኻል ከነተኩር ኣለና ኢላ።
ክታበት ምውሳድ ልሙድ እናኾነ ክመጽእን ብዙሕ ክታበታት ክዳሎን'ውን ጸዊዓ።
ንኣብነት ሰዓል ንምክልኻል ስለ ምንታየይ ዛጊድ ክታበት ምፍጣር ከምዘይተኽኣለ እኹል ምኽንያት ከምዘየለ ተዛሪባ።
መንግስቲ ዩኬ፡ ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሮም ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ገያሾ ምርመራ ኦሚክሮን ክገብሩ ከምዝተወሰነ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ከምኡ'ውን ኣብ ናይጀርያ ብዝሒ መልከፍቲ ኦሚክሮን ይውስኽ ብምህላዉ፡ ካብታ ሃገር በረራ ተኣጊዱ ኣሉ።
እንግሊዝ ትማሊ ሰንበት ጥራይ 86 ናይቲ ሓድሽ ዓሌት መልከፍቲ ብምምዝጋብ፡ ብሓፈሻ 246 በጺሖም።
ገለ ተመራመርቲ እቲ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝውስዶ ዘሎ እገዳታት በረራ፡ 'ህበይ ምስ ሓለፈ መደርጓሕ' ዓይነት ክብሉ ነቒፎም።
ሓደ ካብቶም ንመንግስቲ እንግሊዝ ዘማኽሩ ተመራመርቲ ዝኾነ ፕሮፌሰር ማርክ ዉልሃውስ፡ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲታት ዝደንጎየ ከምዝኾነን፡ ኦሚክሮን በቲ ሕዚ ጀሚርዎ ዘሎ ጻዕቂ እንተቐጺሉ ነቲ ኣዝዩ ዓብላለይ ዓሌት ኮይኑ ዘሎ ደልታ ኣብ ሓጺር እዋን ክትክኦ ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ።
ዳም ሳራ ካብቶም ኣብ 2020 ኮሮናቫይረስ ኣብ ቻይና ምስተኸስተ ቀዲማ ኣብ ምምርማር ክታበተት ዝነጠፈት ክትከውን እንከላ፡ ብዙሕ ኣፍልጦ ዝረኸበት እያ።
እቲ ንሳ ኣብ ምፍራዩ እትሳተፈሉ፡ ኦክስፎር-ኣስትራ ዜኒካ ካብቶም ኣብ ዓለም ብስፍሓት ዝተውሃቡ ክተባታት ሓደ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ 170 ሃገራት ከምዝተዘርገሐ ኦመረዳእታት ይሕብሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







