ኮሮናቫይረስ፡ ንዝተወሸበትሉ ሆቴል ሓዊ ዘእተወትሉ ኣውስትራልያዊት ተኸሲሳ

እንተኾነ ዘይተኸትቡ ገያሾ ደቂ እታ ሃገር፡ ን14 መዓልቲ ክውሸቡ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Queensland Police

መግለጺ ስእሊ, እንተኾነ ዘይተኸትቡ ገያሾ ደቂ እታ ሃገር፡ ን14 መዓልቲ ክውሸቡ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ኲንስላንድ ኣውስትራልያ፡ ሓንቲ ጓል 31 ዓመት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ተወሺባ ዝነበረትሉ ሆቴል ሓዊ ብምንዳዳ ክሲ ተመስሪትዋ።

እቲ ክሲ ከምዝብሎ፡ ንሳ ምስ ካልኦት ክልተ ቆልዑ ኣብ ሓደ ክፍሊ መወሸቢ እቲ ሆቴል ኣብ ትሕቲ ዓራት እያ ሓዊ ኣእትያትሉ።

እዚ በዓል 11 ደብሪ [ደርቢ] ዝኾነ ፓሲፊክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሆቴል፡ ካብቲ ባርዕ ንምድሓን 160 ሰባት ካብ መደቀሲኦም ብሰላም ክወጽኡ ከምዝኸኣሉን ጉድኣት ዝበጽሖ ሰብ ከምዘየለን ተገሊጹ።

እዚ ምስቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዝተጀመረ ውሸባ ኮይኑ፡ ኣውስትራልያ ዛጊት ክልተ በቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ረኺባ ኣላ።

ባርዕ ዝተልዓሎ ሆቴል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ኮይኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም 'ኣዝዩ ዘሻቕል'ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣውስትራልያ፡ ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዙምባብዌ፣ ቦትስዋና፣ ሌሶቶ፣ ኢስዋቲኒ፣ ሲሽልሽ፣ ማላውን ሞዛምቢክን ዝብገሱ በረራታት ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ኣጊዳ'ላ።

ዝኾነ ናይ ኣውስትራልያ ዜግነት ዘይብሎም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብዘን ዝተገለጻ ሃገራት ብጺሖም ዝተመልሱ ገያሾ'ውን ናብታ ሃገር ከይኣትው ኣዊጃ ኣላ።

ኣውስትራልያውያን ንዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ ኣዝዩ ተሪር ዝበሃል ዕጽዋ እዮም ኣሕሊፎምዎ።

ናይዚ ሓድሽ ዓሌት ምርኣይ ድማ እቲ ኣብ ቀረባ ክልሕልሕ ጀሚሩ ዝነበረ ዕጽዋ መሊሱ ከይተርር ተሰጊኡ ኣሎ።

ገለ ግዝኣታት እታ ሃገር ሳላ ብበዝሒ ክታበት ምስፍፋሕ መልከፍቲ ናብ ዜሮ ኣውሪደንኦ ምንባረን እዩ ዝዝረብ ነይሩ።

እንተኾነ ዘይተኸትቡ ገያሾ ደቂ እታ ሃገር፡ ን14 መዓልቲ ክውሸቡ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።