ኣብ ኣሜሪካ ቀዳማይ ዙር ክታበት ኮሮናቫይረስ ምሃብ ክጅመር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA/BIONTECH
ኣብ ፈላማይ ዙር ዝተመረጹ ኣሜሪካውያን እንተተኻኢሉ ካብ 11 ታሕሳስ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ዝወሃቦም ፕሮራግራም ክታበት ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
መራሒ እቲ ፕሮግራም ሞንሰፍ ስሎዊ ንሲኤንኤን ከም ዝሓበሮ፡ "እቲ ክታበት ምሉእ መረጋገጺ እንተተዋሂቡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ ማእከላት ሕክምና ንምጉዕዓዝ" ትልሚ ተታሒዙ ጸኒሑ'ዩ።
ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዛጊድ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክተሓዙ ከለዉ፡ 255 ሽሕ ሞት ተመዝጊቡ'ሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ካብ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ዝምዝገብ ዘሎ ኣዝዩ ብዝለዓለ መጠን ሓድሽ መልከፍቲ የጋጥማ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ኣሜሪካዊ ኩባንያ ኣፋውስ ፋይዘር ምስ ባዮንቴክ ዝተበሃለ ካልእ ኩባንያ ዝመሃዝዎ ክታበት ብቕልጡፍ መረጋገጺ ፍቓድ ንኽወሃቦ ብዓርቢ ሕቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
እቲ ዝመሃዝዎ ክትባት 95 ሚኢታዊት ዕውት ከም ዝኾነ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ክሳብ መዛዘሚ 2020 ኣስታት 50 ሚልዮን ክታበት ንምፍራይ ትልሚ ከም ዘለዎም ፋይዘር ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ኣሜሪካ ብመጠን ብዝሒ ህዝቢ እናተረኣየ ናብ ኩለን ግዝኣታት ክዝርጋሕ ክግበር'ዩ።
መን ብቐዳምነት ነቲ ክታበት ክረክብ ኣለዎ ኣብ ዝብል ግን እተን ግዝኣታት ዝውስንኦ ከም ዝኸውን ዶክተር ስሎዊ ሓቢሩ።
እንተኾነ ከም ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣረጋውያንን ዝበሉ ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣካላት ቀዳምነት ክወሃብ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ'ዩ።
ሞደሬና ዝተበሃለ ካልእ ኩባንያ ብወገኑ፡ ኣስታት 95 ሚኢታዊት ዕውት ኮይኑ ዝበሎ ክታበት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ድማ መረጋገጺ ክረክብ ትጽቢት ይግበር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







