ኦሚክሮን፡ በዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክንሻቐል'ዶ ይግባእ?

ቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕጂ'ውን ናብቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ዘጨንቕን እዋን ዝተመለስና ይመስል።

እቲ ሓድሽን ውድብ ጥዕና ዓለም "ዘተሓሳስብ" ዝበሎን ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተመራመርቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝርኣዩዎ እቲ ሓደገኛ ምዃኑ ክገልጹ ጀሚሮም ኣለው።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ እኳ እንተተራእየ ናብ ካልኦት ከባቢታት'ውን ተላቢዑ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ምንጪታት ኣለው።

ነዚ ስዒቡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ናይ ምልባዕ ተኽእልኡ ክሳብ ክንደይ'ዩ? ክታበት ናይ ምስዓር ዓቕሚ ኣለዎ'ዶ? እንታይ ክግበር ይኽእል? ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ካብዝን ካብትን ክለዓሉ ጀሚሮም።

ብዙሓት ግምታት ኣለው፤ እቶም ንጹራት መልሲታት ግን ውሑዳት'ዮም።

ስለዚ እንታይ ኢና ንፈልጥ?

ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ኢሉዎ ኣሎ።

ኣዝዩ ተቐያያራይ'ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዳይሬክተር ማእከል ምህዞን ምላሽ ለበዳን ፕሮፈተሰር ቱሊዮ ዲ ኦሊቬራ "ዘይተለመደ ናይ ምቅይያር ባህርያትን" ካብ ካልኦት ዓሌታት "ፍሉይን" እዩ ክብል ይገልጾ።

"እዚ ዓሌት ኣግሪሙልና'ዩ፤ ኣብ ፍልቀት ዓብዪ ዝላ ነይሩ፤ ካብ ትጽቢትና ወጻእ ዝኾኑ ብዙሓት ምቅይያራት'ውን ነይሮም" ይብል።

እቲ ፕሮፌሰር ብሚዲያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብጠቕላላ 50 ምቅይያራትን ቀንዲ ሽቶ ክታበታት ዝኾነን እቲ ቫይረስ ዋህዮታት ሰብነትና ንምኽፋት ዝጥቀመሉን ቁልፊ ወሰኽ ልዕሊ 30 ፕሮቲንን ከም ዝተራእየ ሓቢሩ።

ብዙሕ ምቅይያር ማለት ግን ሕማቕ ኣይኮነን፤ የግዳስ እቶም ምቅይያራት ዲኤንኤ እንታይ ይገብሩ ምፍላጥ'ዩ እቲ ዘገድስ።

እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዝገብሮ፡ እዚ ቫይረስ ካብቲ ኣብ ውሃን ቻይና ዝተረኽበ ናይ መጀመርታ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ዝተፈለየ ምዃ'ዩ።

እዚ ማለት እቶም ነዚ መሰረት ገይሮም ዝተዳለው ክታበታት እዚ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ምስዓር ውጽኢታዊ ዘይክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ክዋዙሉ-ናታል [ደቡበ ኣፍሪቃ] ሪቻርድ ሌሴል "እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሙ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ከምኡ'ውን ሕማማት ናብ ዝከላኸሉ ገለ ክፋላት ሰብነትና ናይ ምእታው ዓቕሙ እዩ ዘስግእ ዝገብሮ" ይብል።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ቤታ ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ንብዙሓት ሰባት ኣሻቒሉ ነይሩ።

እዚ ዓይነት ቫይረስ ነቲ ናይ ሰብነትና ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምህዳም ፍሉይ ዓቕሚ ዘለዎ እዩ።

ይኹን'ምበር ዴልታ ዝተባህለ ቐልጢፉ ዝመሓላለፍ ዓሌት መጺኡ ንቤታ ክርሳዕ ገይሩዎ።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ራቪ ጉፕታ "ቤታ ካብ ስርዓት ምክልኻል ሕማም ሰብነትና ጥራሕ'ዩ ዝሃድም፣ ዴልታ ልዑል ዓቕሚ መልከፍትን ማእከላይ መጠን ምህዳም ስርዓት ምክልኻል ሕማም ሰብነትናን ነይሩዎ። እዚ ሓድሽ ዓሌት ግን ምባልባት ብዝለዓለ ዲግሪ ክልቲኡ ክህልዎ ይኽእል" ኢሉ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ ሳይንሳዊ መጽናዕታት ግልጺ ምስሊ ክሳብ ዝህቡ ግን መደምደምታ ምሃብ ኣዝዩ ከጸግም'ዩ።

ክሳብ ሕጂ ብዝተራእየ ምዕባለ ግን ዘጨንቑ ጉዳያት ኣለው'ዮም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምምሕዳር ጉተንግ ጥራይ 77 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም ኣለው።

ኣብ ቦትስዋናን ሆንግ ኮንግን [ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ'ዮም] ከምኡ'ውን እስራኤልን ቤልጅምን'ውን ድሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ምህላዎም ተገሊጹ ኣሎ።

ይኹን'ምበር እዚ ቫይረስ ካብዚ ንላዕሊ ተላቢዑ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝእንፍቱ ነገራት ኣለው።

90 ሚኢታዊት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ መልከፍቲ ካብዚ ቫይረስ ዝምንጪ'ዩ፤ እዚ ግን እቲ ቫይረስ ካብ ዴልታ ንላዕሊ ቐልጢፉ ዝዝርጋሕ ድዩ ዝብል ኣየርእየናን።

ብተወሳኺ ዝበዝሕ ህዝበን ኣብ ዝተኸትበ ሃገራት ናይ ምትሕልላፍ ዘለዎ ተኽእሎ'ውን ኣይሕብርን።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዋላ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ እንተመዝገበት ክሳብ ሕጂ 24 ሚኢታዊት ህዝባ ጥራይ'ዩ ሙሉእ ንሙሉእ ተኸቲቡ።

ስለዚ ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ምዕባለ፡ እቲ ቫይረስ ጥንቃቐ ዘድልዮ'ዩ ምባል ጥራይ እዩ ዝክኣል።

ኣብ ግዜ ለበዳ ግን ኩሎም መልሲታት ክሳብ እትረክብ ክትጽበ ከም ዘይብልኻ ክሳብ ሕጂ ዝመጻእናዮም ዓመታት ኣርእዮምና'ዮም።