ኣብ ኤውሮጳ ሓያል ተቓውሞ ክቕጽል እንከሎ ኦስትሪያ ዕጽዋ ኣዊጃ

ናዕቢ ብራስለስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝተቐመጡ ሓደሽቲ መምርሒታት ገደብ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ክገጥሞም እንከሎ ኦስትሪያ ዕጽዋ ኣዊጃ።

ካብ ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ገዝኦም ክሰርሑ ብምእዛዝ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዘይህቡ ትካላት ንግዲ ክዕጸው ገይራ።

ኦስትሪያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርኣይ ኣትሒዙ ሎሚ ንራብዓይ ግዜ’ያ ኣዋጅ ዕጽዋ ትእውጅ ዘላ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብያተ ብልዒ፣ እንዳ መስተ፣ እንዳ ጸጉሪ፣ ቲያትርን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎት ዘይህቡ ትካላት ንግድን ክዕጸው መምርሒ ሂቦም ኣለው።

ሚኒስትሪ ጥዕና ዎልፍጋንድ ሙቸክስታይ “ከቢድ ዕጽዋ ምንቅስቓስ ብሕታዊ ኣማራጺና’ዩ” ኢሉ።

ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ እታ ሃገር ግን ኣብ ርእሰ ከተማ ቬና ዕጽዋ ቅድሚ ምእዋጁ ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ተቓውሞ ገይሮም ነይሮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝወጽኡ እገዳታት ክቃወሙ እንከለው ገሊኦም ናብ ዕግርግር ተቐይሮም’ዮም።

ዜጋታት ኔዘርላንድ፣ ቤልጅየም፣ ክሮሺያን ዴንማርክን ነዚ ስጉምታት ተቓውሞም’ዮም።

ኣብ ኤውሮጳ ቑጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብልዑል ናህሪ ይውስኽ ከም ዘሎን ከም ዘስግኦን ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ ነይሩ።

ብቐዳም ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኤውሮጳ ዶክተር ሃንስ ክሉግ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ክታበት ምውሳድን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ዝበሉ ስጉምታት ተግባራዊ እንተዘይኮይኖም፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ተወሳኺ ፍርቂ ሚሊዮን ሞት ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኦስትሪያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምውሳድ ሕጋዊ ግቡእ ምዃኑ ዝኣወጀት ፈላመይቲ ኤውሮጳዊ ሃገር ኮይና እያ።

እዚ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን እዩ።

ፖለቲከኛታት ጀርመን እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ይዝትዩ ምህላዎም ተሓቢሩ።