ንባዕሉ ካብ ኤችኣይቪ ዘድሕን ሰብነት ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣርጀንቲና ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይ ዝኾነ መድሓኒትን ሕክምናዊ ክንክንን ካብ ኤችኣይቪ ነጻ ኮይና ተረኺባ፤ እዚ ኣጋጣሚ ንኻልኣይ እዋን ዝተመዝገበ ክስተት እዩ፡፡
ዶኳትር፡ ናይቲ ተሓካሚ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ባዕሉ፡ ነቲ ቫይረስ ከምዘጥፈኦ እዮም ዝኣምኑ።
ኣብ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዝኾኑ ዋህዮታት ሰብነታ ብዝተገበረ ምርመራ፡ እዚ ዝበሃል መልከፍቲ ቫይረስ ከምዘይተረኸባ እዩ ሕክምናዊ ውጽኢታ ዘመላኽት፡፡
እዚ ከይዲ ክፍለጥ እንድሕር ዳኣ ተኻኢሉ ኤችቫይቪ ንምጥፋእ ወይ ብዘተኣማምን ኩነታት ንምሕካም መገዲ ክፈጥር ከምዝኽል ሰብሞያ ዝገልጹ።
ምጥፋእ ኤችኣይቪ
እዚ ክስተት፡ ውሑዳት ሰባት ነቲ ቫይረስ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዘለዎም ዘርእይ ተወሳኺ መረዳእታ እዩ፡፡
ገለ ሰባት ረኽሲ ዝከላኸል ሰረት ዘርኢ (ጂን) ኣለዎም፡፡
ካልኦት ከምዛ ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ኣርጀንቲናዊት ዝበሉ ሰባት ድማ እቲ ቫይረስ ይሕዞም እሞ ግን ከኣ ይጠፍእ፡፡
መብዛሕተኦም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ግና ብህይወት ንምቕጻል ዕድሚኦም ሙሉእ ዝወስድዎ ‘ኣንታይሪትሮቫይራል ቴራፒ’ (ኤኣርቲ) የድልዮም፡፡
ነቲ መድሓኒት ምውሳድ እንተቋሪጾም ድማ፡ እቲዝደኸመ ቫይረስ ተመሊሱ ጸገም ክፈጥረሎም ይኽእል፡፡
ካብ ቀረባ እዋናት ግና ብዛዕባ ‘‘ ዘይፍለጡ’’ ግን ድማ ብዘይ ዝኾነ ሕክምና ኤችኣይቪ ኣብ ሰብነት ወዲሰብ ክዳኸም ብዛዕባ ዝገብሩ ነገራት ዝገልጹ ጸብጻባት ይወጹ ኣለዉ፡፡
ኣዳም ካስቲለጆ ንካንሰር ንምሕካም ተባሂሉ ድሕሪ ዝተገበረሉ ናይ ዋህዮ ስግግር፡ መዓልታዊ ዝወስዶ ናይ ኤችኣይቪ መድሃኒት ደው ኣቢሉ እዩ፡፡
ኣብ ከይዲ እቲ ሕክምና ብኤችኣይቪ ተጠቒዖም ዝነበሩ ዋህዮታቱ ብሓደሽቲ ዋህዮታት ተተኪኦም፡፡
ከም ኣጋጣሚ እቲ ዋህዮታት ዝለገሰሉ ውልቀ ሰብ፡ ካብቶም ኣስታት 1 ምኢታዊት በዝሒ ህዝቢ ዓለምና ዝኾኑ ኤችኣይቪ ከይሕዞምን ከየጥቀዖምን ዝከላኸል ሰረት ዘርኢ ዘለዎም ሰባት እዩ፡፡
እንተኾነ እቲ ለንደነታይ ካስቲለጆ ዝረኸቦ ዕድል ንኽንደይ ዝኣክል እዋን ከምዝጸንሕ ዝፍለጥ ነገር የለን፡፡
እቲ ቫይረስ ክመክን ምግባር
እታ ኣርጀንቲናዊት ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ብዝተገበረላ ምርመራታት ዝረአ ቫይረስ ኣይተረኸባን፡፡
ተቐማጢት ሳን ፍንሲስኮ ዝኾነት ሎሪን ዊለንበርግ እውን ብናይ ባዕላ ተፈጥሮኣዊ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ኮይና እያ፡፡
እዚ ከኣ እቲ ቫይረስ ክመክን ብምግባር ዝድሕኑሉ መገዲ ክፍጠር ከምዝኽእል ብዙሓት ተሓከምቲ ተስፋ ይገብሩ፡፡
ሰብሞያ ሕክምና እውን ኣብዚ ኣተኲሮም መጽናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ እዮም ዝሕብሩ፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝሰርሕ ፐሮፌሰር ጆን ፍራተር፡ ሰብነት እቶም ሕሙማት ብትኽክል ንባዕሉ ኣድሒኑ ድዩ ወይስ እቲ ናብ ሰብነቶም ዝኣተወ ቫይረስ ገና ከይተስፋሕፈሐ ጠፊኡ? ዝብል ሕቶ የልዕል፡፡
"እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ተጠቒዑ ምንባሩ የርእይ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ቫይረስ ከምዝነበራ ሕቶ የብሉን፡፡ እንተኾነ ኣብቲ መድሓኒት ኤችኣይቪ ንምርካብ ክንመሃረሎም እንኽእል ተመሳሰልቲ ሰባት ይህልዉ እዮም" ኢሉ፡፡
ኣብ ካርዲፍ ዩኒቨርሲቲ ዝሰርሕ ዶ/ር ኣንድሪው ፍሪድማን ግና፡ ኣብዚ እዋን ዝወሃቡ ዘለዉ ጸረ ኤችቭኣይቪ መድሓኒታት ውጽኢታዊ ስለዝኾኑ ጎና ጎኒ እቶም መጽናዕቲታት፡ መድሓኒታት ናብ ሙሉእ ዓለም ተበጻሕቲ ዝኾኑሉ መንገዲታት ምድላይ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ይገልጽ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







