ቅልውላው ዶብ ፖላንድ፡ ሃገራት ሓተትቲ ዕቑባ ክመልሳ ይኽእላ ድየን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሽሓት ስደተኛታት ኤውሮጳ ምስ ቤላሩስ ብዘዳውቡ ምብራቓዊ ዶባት ገይሮም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ክፍትኑ ጸኒሖም።
እዚ ቕልውላው ግን ሓለውቲ ዶባት ፖላንድን ሉታኒያን ሕቶ እቶም ስደተኛታት ከይገምገሙን ከየጻረዩን "ምድፋእ" [pushback] ብዝብል ዝፍለጥ ኣሰራርሓ መሰረት ገይሮም ብኣስገዳድ ናብ ቤላሩስ ክምለሱ ገይሮም።
እዞም ብሓይሊ ክምለሱ ዝግብር ዘሎ ስደተኛታት እንታይ የጋጥሞም? ወይ ክኣ ከምዚኦም ዝበሉ ገለ ኣሰራርሓታት ሕጋዊ ድዮም?
ኣገዲድካ ምምላስ ይውስኽ'ዶ ኣሎ?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ካውንስል ኤውሮጳ ዱንጃ ሚጃቶቪኽ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ "ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ" ብኣስገዳድ ስደተኛታት ምምላስ ክቃወማ ሓቲቱ ነይሩ።
እንተኾነ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ባይቶ ፖላንድ ሓለውቲ ዶባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ሰጊሮም ዝመጽኡ ስደተኛታት ብቐጥታ ክሰጉዎም ዘፍቅድ ምምሕያሽ መመርሒ ክገብር እንከሎ እዚ ሕጊ ኮይኑ ክጸድቕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይግለጽ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ሉታኒያ'ውን ተመሳሳሊ ሕጊ ኣጽዲቓ'ያ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሉታኒያ ከይኣትው ተኸልኪሎም ናብ ቤላሩስ ተመሊሶም'ዮም።
ሓለውቲ ዶብ ፖላንድ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 314 ስደተኛታት ከም ዝመለሱ ገሊጾም።
ስደተኛታት ምምላስ ዘይሕጋዊ ድዩ?
ስምምዕ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ዝኾነ ሓለዋ ዝደሊ ስደተኛ [ዋላ'ውን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣተወ] ዕቑባ ዝረኽበሉ መስርሕ ንክጅምር ክፍቀዶ ኣለዎ ዝብል ሕጋዊ ፍቓድ ይህብ።
ሉታኒያ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል ሕብረት ኤውሮጳ "ሰብ መዚ ሉታኒያ ሕጊ እቲ ሕብረት መሰረት ዝገበረ ናይ ምምላስ መስርሕ ምፍጻምን ግቡእ ዕቑባ ዘድልዮ ከመምዩን ሓላፍነት ኣለዎም" ኢሉ።
እዚ "መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር፣ ዕቑባ ዝረኽብሉ መስርሕ ምርግጋጽን መትከላት ስደተኛታት ብኣስገዳድ ዘይምምላስን" ዘካተተ ክኸውን ከም ዝግባር ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ሕብረት ካብ ዘቕመጦም ቑልፊ ዓለምለኻዊ መትከላት ሕጊ ስደተኛ - 'Non-refoulement' ዝብል ይርከቦ።
እዚ ማለት፡ ዝኾነት ሃገር ሓተትቲ ዕቑባ ናብቲ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክገጥሞም ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝግመት ግዝኣት ወይ ቦታ ከይትሰድድ ዝኽልክል እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን መብዛሕትኦም ካብ ዒራቕ ዝኾኑ ኣብ ቤላሩስ ዝጸንሑ [ካብቲ ስርዓት ዝሃድሙ ዘለው ግን ኣይኮኑን] ዶባት ፖላንድን ሉታኒያን ክሰግሩ ፈቲኖም'ዮም።
ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ግን ቤላሩስ ነዞም ስደተኛታት ውሕስቲ ኣይኮነትን ይብል።
"ሕብረት ኤውሮጳ ብሰናይ ፍቓዱ እቲ ዝኸውን ዘሎ ብዓይኒ ዕሙተይ ይሓልፎ ኣሎ" ይብል ዳይሬክተር ስደተኛታት እቲ ትካል ቢል ፍሬሊክ።
ፖላንድን ሉታኒያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶባተን ዝሰገሩ ስደተኛታት ይመልሳ ምህላወን ኣይሓብኣን።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ሰብ መዚ ሉታኒያ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስልጣን ከም ዘለዎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም'ዮም።
ሓላዊ ዶብ እታ ሃገር ቪቱታስ ኩዲስ "ዘይሕጋዊ ዶብ ሰጊርኩም ኣይትኣትውን፤ ተመሊስኩም ናብ ቤላሩስ ኪዱ ንብሎም ኢና" ኢሉ።
ይኹን'ምበር "ኣብ መወዳእታ እቶም ስደተኛታት ዕቑባ ዝደልዩ ወይ ዘይደልዩ ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ ሕትኦም ክምርመር ኣለዎ" ይብል።
እቲ ንስደተኛታት ዝገጥሞም ዘሎ ሓቂ እንታይ'ዩ?
ሶርያዊ ስደተኛ ኣሕመድ ዳንዳሺ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ጀርመን ከም ዝተሰደደ ይዛረብ።
እንተኾነ፡ ናብታ ሃገር ቅድሚ ምእታው ፖሊስ ፖላንድ ሽዱሽተ ግዜ ናብ ቤላሩስ ከም ዝመለስዎ ገሊጹ።
"ናብ ጫካ'ዮም ዝመልሱኻ። ወትሩ ንሓቶም ኢና - ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውኒ'የ ዝብሎም። ኣብ ፖላንድ ዕቑባ ክሓትት ኣፍቅዱለይ ይብሎም። ሕጋዊ'ዩ፤ ግን ኣይሰምዑን" ይብል።
ሓደ ግዜ ምስ ሰገረ፡ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካል ፖላንድ ንኣሕመድ ረኺቡዎ ናብ ሆስፒታል ወሲዱዎ።
ንመዓልታት ኣብ ጫካ ብዘይ ማይን መግብን ብምጽንሑ'ዩ ሓሚሙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ሰለስተ ሰዓት ግን ፖሊስ መጺኦም ናብቲ ዶብ ኣብጺሖምዎ።
"ኣብቲ ሆስፒታል ፍጹም ትዕግስቲ ኣይነበሮምን፤ ስቕ ኢሎም ኣብ ልዕለይ ጫውጫው ይብሉ። በጃኹም ናብ ቤላሩስ ኣይትስደዱኒ ግን ኢለዮም" ይብል።
ታሪኽ ኣሕመድ፡ ታሪኽ መብዛሕትኦም ኣብ ቀረባ ሳምንታት ብኣስገዳድ ናብ ቤላሩስ ዝምለሱ ዘለው ስደተኛታት እዩ።
እቲ ኣብ ዶብ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ፖላንድ ዝኾነ ግሩፓ ግራኒካ እቶም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ካብ ፖላንድ ናብ ቤላሩስ ብሓይሊ ከም ዝተመለሱ ይገልጽ።
ኣሕመድ ድማ "ብኽልቲኡ ወገን እንንገላታዕ ኩዕሶ ኢና ኾይንና ዘለና" ኢሉ።
እዚ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዘጋጥም ዘሎ ድዩ?
ዋላ'ውን ዓለምለኻዊ ሕግታት እንተሃለው፡ ፖላንድን ሉታኒያን ጥራሕ ኣይኮነን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ዘውጽኣ ዘለዋ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ቢቢሲ ብዛዕባ 40 ግዜ ካብ ቦስኒያ ናብ ክሮሺያ ዝሰገረ ኣፍጋናዊ ስድራ ቤት ጸብጺቡ ነይሩ።
እዚ ስድራቤትን ወትሩ ናብ ዝመጽኦ ክምለስ እዩ ተገይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ግሪክ ባሕሪ ኤጊን ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ከጋፍዑዎም ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ ነይሩ።
"እዚኦም ቀንዲ መትከላት ኤውሮጳ ዝጥሕሱ'ዮም" ክብል ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብሬእ ኤውሮጳ ይልቫ ጆንሰን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብ2021፡ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ጥልጣን መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ዝኾኑ ብሜድትራንያን ኣቋሪጾም ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቑባ ኩነታቶም ከየጻረየት ብኣስገዳድ ብምምላስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺማ ምባሉ ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







