ዕርቃነን ከምዝወጻ ዝተገብራ ኣውስትራልያውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ማዕርፎ ነፈርቲ ቐጠር ክሲ መስሪተን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰከተማ ዶሃ፡ ዕርቃነን ወጺአን ክፍተሻን ክምርመራን ዝተገብራ ኣውስትራልያውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ቐጠር ክሲ መስሪተን።
እተን ደቂ-ኣንስትዩ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ካብታ ዝተሰቐልኣ ነፋሪት ክወርዳ ድሕሪ ምግዳደን፡ ቆልዓ ዝወለዳ ምዃነንን ዘይምዃነንን ንምፍላጥ ክምርመራ ተገዲደን።
ኣብቲ እዋን ሓደ ናጽላ ህጻን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሓማድ ኣብ ዝርከብ እንዳጎሓፍ ድሕሪ ምርካቡ፡ ነታ ኣደ ንምርካብ'ዮም ሰብመዚ ነቲ ኣካላዊ ዶብ ዝጠሓሰ መርመራ ኣካይዶም።
እቲ ብመንግስቲ ዝተደገፈ መጥቃቲት'ዩ ክብላ ዝገለጽኦ ፍጻመ፡ ሰፊሕ ቁጠዐ ዝፈጠረ'ዩ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ፡ ሃገረ ቐጠር ይቕሬታ ብምሕታት፡ ሓደ ብዓልስልጣን'ውን ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓዝ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ማእሰርቲ ተበዪንሉ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ጉዳየን ዕሽሽ ከምዝተባህለ'የን እተን ደቂ-ኣንስትዩ ዝገልጻ።
ካብታ ተሰቒለንኣ ዝነበራ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቐጠር ብዕጡቓት ኣባላት ጸጥታ ከምዝወርዳ ምስተገብራ፡ ናብተን ኣብቲ ማዕርፎ ዝነበራ ኣምቡላንሳት ተወሲደን፡ ብተሓጋገዝቲ ሓካይም (ነርሳት) ድማ ተመርሚረን።
እቲ መርመራ ክግበረለን ፍቓደን ከምዘይሃባን፡ ብዛዕባ'ቲ ዝግበረለን መርመራ ዝተዋህበን መብርሂ ከምዘይነበረን ድማ ይዛረባ።
ስማ ክጥቀስ ዘይደለየት ሓንቲ ካብአን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "እቲ ዝኸፍአ ክብሪ ዝግህስ ኣካላዊ መርመራ" ከምዝተኻየደለን ጠቒሳ።
"ወይ ኣነ ወይ ድማ ብዓልቤተይ በቶም ብዙሓት ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ክንቅተል ኢና ዝብል ግምት'ዩ ነይሩኒ" ክትብል ብመንገዲ ጠበቓኣ ገሊጻ።
ድሕሪ'ቲ ዝተገብረለን 5 ደቒቕ ዝወሰደ መርመራ ናብታ ክትበርር ትዳሎ ዝነበረት ነፋሪተን ተወሲደን።
ሓያሎ ካብተን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኣውስትራልያ ምስኣተዋ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባረን፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ቁጠዐን ኩነኔን ኣስዒቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ካሊድ ቢን ኻሊፋ ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣል-ታኒ "በቲ ነዘን ተጓዓዝቲ ዘጋጠመን ዘይቅቡል ኣተሓሕዛ ንሓዝን…እቲ ዘጋጠመ ንሕግን ክብርን ቐጠርን ዝውክል ኣይኮነን" ብምባል ኣብ ትዊተር ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ።
ድሕሪ ዝተገብረ ገበናዊ መርመራ ድማ ሓደ በቲ ጉዳይ ተሓታቲ ዝኾነ ብዓልመዚ ናይቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ማእሰርቲ ተቐቢሉ።
ጠበቓ ናይ ሓያሎ ካብአን ዝኾነ ዳሚያን ስታርዛከር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ምስ ሰብመዚ ክራኸባ ኣብ ዝፈተናሉ እዋናት "ድምጺ ኣልቦ መንደቕ'ዩ ኣጋጢሙወን" ኢሉ።
እተን ደቂ-ኣንስትዮ ቐጠር ወግዓዊ ይቕሬታ ክትሓትትን፡ እቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ድማ እቲ ጉዳይ ካልኣይ ግዜ ከየጋጥም ኣሰራርሓኡ ክቕይርን እየን ዝጠልባ ዘለዋ።
ብዘይካ'ዚ፡ ነቲ ብመንግስቲ ቐጠር፡ ብዓልመዚ ሲቪል ኣቬሽን ቐጠርን መንገዲ ኣየር ቐጠርን ኣብ ልዕሊአን ዝተኻየደ ንክብረን ዝግህስ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዝገልጽኦ መርመራ ካሕሳ ክወሃበንን እየን ክሲ መስሪተን ዘለዋ።
ክሳብ ሎሚ በቲ ፍጻመ ከምእትስንብድ ዝገለጸት ሓንቲ ካብኣተን ከምዝበለቶ፡ ሰብመዚ ቐጠር ንጠለባተን ዕሽሽ ስለዝበልዎ ነቲ ስጉምቲ ክወስዳ ተገዲደን።
"ከምቲ ንዓና ዘጋጠመና ዓይነት ሞራልካ ዝሰብር ዘስካሕክሕ ኣተሓሕዛ ንዝኾነት ጓል-ኣንስተይቲ ከየጋጥማ ንምርግጋጽ ኢና ዓው ኢልና ንዛረብ ዘለና" ኢላ።
እታ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2022 ከተአንግድ ትሸባሸብ ዘላ ቐጠር፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ በጻሕቲ ክትቅበል ትጽቢት ይግበረላ።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







