ጾታኣ ንምርግጋጽ ዕርቃና ወጺኣ ብልዕታ ክተርኢ ትግደድ ዝነበረት ጓል-ኣንስተይቲ

ጾታኣ ንምርግጋጽ ዕርቃና ወጺኣ ብልዕታ ብምርኣይ መንነታ ከተረጋግጽ ትግደድ ዝነበረት ጓል-ኣንስተይቲ

ዩጋንዳ ንፈለማ እዋን፡ ጾተኦም ንዝቐየሩ (ትራንስጀንደር) ሰባት ኣፍልጦ ዝህብ ወግዓዊ ሰነድ ኣውጺኣ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ድርብ-ጾታ ብምህላዋ ብድሆታት ከጋጥማ ዝጸንሐ ሓንቲ ክሊዮፓትራ ካምቡጉ ዝተባህለት ዜጋ ሓድሽ ፓስፖርትን ካርድ መንነትን ተቐቢላ።

ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ጉዳይ ፍሉይ ነገር ምዃኑ ተሪፉ፡ ንቡር ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

ነቲ ሰነድ ምርካባ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ መሰል ዝተዋህበን ስምዒት ከምዝፈጠረላ ትዛረብ።

ናይ ቀደም ፓስፖርታ፡ ንጾታ ብዝምልከት "ተባዕታይ" ("M") ዝብል ስለዝነበሮ፡ ንጾታኣ ንምርግግጋጽ ሓያሎ እዋናት ዕርቃና ክትወጽእ ትግደድ ምንባራ'ያ ክሊዮፓትራ ትገልጽ።

ብፍላይ ብዛዕባ ሓደ እዋን ዘጋጠማ ከተዘንቱ እንከላ፡ "ርእይ ኣቢሉ፡ 'ወዲ ዲኺ ጓል?' ኢሉ ሓቲቱኒ. . .ኣዝዩ ዘሕፍር'ዩ . . . መን ምዃኖም ንምርግጋጽ ብልዕቶም ምርኣይ ኣየድልን'ዩ" ትብል።

"ኣብ መእተዊ ኣፍደገታት ናይ ባዮሜትሪክ ስርዓት [ንመንነት ዘረጋግጽ መሳርሒ] ኣለና። ነቲ ዝሓተተኒ ናይ ኢሚግሬሽን ብዓልመዚ፡ መንነተይ ንምርግጋጽ ነቲ ናተይ ባዮሜትሪክ ክጥቀም ሓቲተዮ። ምኽንያቱ፡ ስለምንታይ ብብልዕተይ መንነተይ ክረጋገጽ ተደልዩ ናይ ብሓቂ ኣይፈልጥን" ብምባል ንተመክሮኣ ተካፍል።

ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ "ተባዕታይ" ወይ "ጓል-ኣንስተይቲ" ወጻኢ ኣብ ፓስፖርትን ሰነዳት መንነትን ዝሰፍር ካልእ ጾታ ብዘይምህላዉ፡ ንክውንነት ናይቶም ከምዚ ናይ ክሊዮፓትራ ዝመሳሰል ዘይልሙድ ጾታ ዘለዎም ዜጋታት ጸገማት ከምዘጋጥሞም ይግለጽ።