ሰኔጋል፡ 'ሰርከስ ሕክምናይ'ዩ' - ናይ ባዕሉ ጉጅለ ሰርከስ ንምቛም ዝበቕዐ ግዳም ሓደር

እዛ ጉጅለ ሰርከስ፡ ኣብ ሰኔጋል ብሕታዊት እያ፤ ሴንክሪክ ትብሃል።

ግዳም ሓደር ኮይኑ እናለመነ ዝመሓደር ዝነበረ ሞዱ ቱሬ ከኣ ነታ ጉጅለ መስሪቱ።ንሱ፡ ብተመሳሳሊ ህይወት ዝሓልፉ ዘለው ሰባት ንምሕጋዝ እዩ ኣቚሙዋ።

ኣክሮባት

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

ቱሬ፡ ቖልዓ ሸውዓተ ዓመት እናሃለወ ናብ ሓደ ናይ ቁርዓን ቤት ትምህርቲ ስለ ዝኣተወ፡ እቲ ቅዱስ መጽሓፍ እስላም ኣብ ምምሃርን ምምላኽን ዝሕል ዝበለ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ተሳቕዩ'ዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ርእሰ ከተማ ዳካር ሃዲሙ ንዓመታት መጽለሊ እንተረኸበ እናማዓደወ ግዳም ሓደር ኮይኑ ዓብዪ።

ሓደ መዓልቲ፡ ሰርከስ ዝሰርሑ ስዊድናውያን ንቖልዑት ኣክሮባት ከሰልጥኑ ናብታ ሃገር ይመጽኡ፤ ሽዑ እዚ ምስሉ ኣብ ታሕቲ እትርእዩዎ ቱሬ ኣብ ፍቕሪ እቲ ካብ ዓይነታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ [ስፖርት] ሓደ ዝኾነ ሰርከስ ወዲቑ።

ቢጫ ጨርቂ ዝጎትት ዘሎ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

1px transparent line

ድሕሪ'ዚ፡ ንሰለስተ ሰሙናት ኣብ ስዊድን ስልጠና ወሲዱ . . . ምስ ካልኦት ክኢላታት ሰርከስ ኮይኑ ድማ ኣብ ዓለም ተዘዋዊሩ ምርኢት ኣርእዩ።

ወዲ 31 ዓመት ቱሬ "ሰርከስ ሕክምናይ'ዩ" ይብል።

ኣክሮባት

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

1px transparent line

ቱሬ፡ ብዙሕ ስነ ልቦናዊ ስብራት፣ ደፊርካ ሰባት ብሙሉእ ዓይንኻ ምርኣይ ኮነ ሰባት ክትንክፉዎ ዝፈርሕ ሰብ'ዩ ነይሩ።

ሰርከስ ግን እዞም ጸገማት ንክስዕሮም ሓጊዙዎ። ብተወሳኺ ስምዒታቱ ንክቆጻጸርን ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ሰባት ንክሕግዝን ከም ዝገበሮ ይዛረብ።

"ርእሰ ተኣማንነት ይህቦም፤ እከይ ስምዒታት ክቃለሱ ይሕግዞም" ይብል።

ዓመታዊ፡ ኣሽሓት ሴናጋላውያን ህጻናት ቑርዓን ንከጽንዑ ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ይልኣኹ'ዮም።

እንተኾነ፡ መብዛሕትኦም መግብን ገንዘብን ንምርካብ ኣብ ግዳም ለመንቲ'ዮም ዝኾኑ።

እቶም መምሃራን ዘቐመጡሎም ኮታ ከዐውቱ እንተዘይኽኢሎም ወይ'ውን ንእሽቶ ጌጋ እንተፈጺሞም ማህረምትን ብሸንሸል ምእሳርን'ዩ ዝጽበዮም።

ገሊኦም ክኣ ይሃድሙ፤ ከም ቱሬ ዕድለኛታት ዝኾኑ ድማ ኣብ መጽለሊ ኣትዮም ሓገዝ ይሓቱ።

ዝተፈላለያ ኩዕሶ ዘንጥር ዘሎ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

1px transparent line

ሓደ ካብቶም ኣብ ሰርከስ ዝነጥፉ ዘለው ንስለ ድሕነቱ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ መንእሰይ ምስ ቱሬ ዝመሳሰል ተሞኩሮ ህይወት ኣለዎ።

ኣብ ንባብ ቁርዓን ክጋገ እንከሎ ወትሩ ይህረምን ይቕጻዕን ስለ ዝነበረ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝሃደመ ይዛረብ።

እዚ ወዲ 14 ዓመት ቖልዓ፡ ኣብ ሰርከስ ዘሎ ኩሉ ከም ዝፈትዎ ይገልጽ።

"ንክመሃርን ግንዛበ ንክህልወንን ይሕግዘኒ'ዩ" ይብል።

ናብ ገዝኡ ክምለስ እንተክኢሉ፡ ኣብ ዓዱ ዘለው ህጻናት ሰርከስ ክምህሮም ከም ዝምነ ይዛረብ።

ሓደ መዓልቲ ድማ ናብ ጉጅለ ሴንክሪክ ተጸምቢሩ ብቐጻሊ ምርኢታት ዘርኢ ሰብ ክኸውን ባህጊ ኣለዎ።

ኣክሮባት

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

ኣክሮባት

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

ጉጅለ ሰርከስ ቱሬ፡ ግዳም ሓደር ቖልዑትን ደቂ ኣንስትዮን ኣገልግሎት ምዝንጋዕን ፍሉይ ክእለታት ምፍላይን ኣብ ዝህባ ማእከላት ምድሓን ህይወት ነጻ ኣገልግሎት ይህብ።

ቱሬ፡ "እዚ ድማ ካብ ናይ ግዳም ህይወት ወጺኦም ብሰርከስ ህይወቶም ክልወጥ ከም ዝኽእል የርእዮም" ይብል።

ዝስልጥኑ ዘለው ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

ሰርከስ

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

እዛ ናይ ሰርከርከስ ጉጅለ እትቕርቦም ምርኢታት፡ ተሞኩሮ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰባት የንጸባርቑ፤ እዚ ኽኣ ምስ ህይወት ዜጋታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝዛመድ ክኸውን ትገብር።

ሓደ ካብኦም፡ ሓደጋታትን ግድላትን እቲ ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ስደት ተርኢ ምጥቃስ ይክኣል።

ካልኦት ድማ ካብ ናይ ቑርዓን ትምህርቲ ምስ ሃደሙ ዘጋጥሞም ህይወት ዝጥምት የቕርቡ።

እዚኦም፡ በቲ ሓበራዊ ናይ ቓንዛ ስምዖቶም ተኣኻኺቦም ብኽእለቶም ንጸገሞም ብሓባር ንምስዓር ዝሰርዑ ብምዃኖም እዚ ኣብ ጽንዓት ዝተደረኹ ክፋል ሕብረተሰብ ይገብሮም።

ኣክሮባት

ምንጪ ስእሊ, Annika Hammerschlag

1px transparent line

መሰል ኩሎም ምስሊታት ሕልው'ዩ።