ፊልም፡ ወታ ዲጂታል ዝተባህለ መስራሒ ‘ቪዝዋል ኢፌክት’ ብ1.6 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብተዓዋቲ ኦስካር ኣላዪ ፍልም ሰር ፔተር ጃክሰን ዝተመሰርተ፡ ኣብ ኒውዝላነድ ዝመደበሩ ወታ ዲጂታል ዝተባህለ መስራሒ 'ቪዥዋል ኢፌክት' ብ1.6 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ።
ወታ ዲጂታል፡ ፊልምታት ሎርድ ኦፍ ዘሪንግ ከምኡ'ውን ኣብ ኣቫተር ዝርከበን ፊልምታት 'ቪዝዋል ኢፈክት' ዝተሰርሖ ትካል ኮይኑ ብሓደ ዩኒቲ ቴክኖሎጂ ዝተባህለ ትካል ቪድዮ ጌም እዩ ተዓዲጉ።
ሰር ፒተር ጃክሰን ንመሸጣ ወታ ዲጂታል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ምስ ዩኒቲ ብሓባር ብምዃን ወታ ዲጂታል ኣደነቕቲ ዝኾኑ ፍርያት ከፍሪ እዩ" ኢሉ።
ኣፍራዩ ቪድዩ ጌማት ዩኒቱ ቴክኖሎጂ ከም በዓል Pokémon Go and Call of Duty: Mobile ዝኣመሰሉ ናይ ቪድዮ ጌማት ዘፍረየን ዝውንን ትካል'ዩ።
ኣብ 1993 ኣብ ኒውዝላንድ ብሰር ፒተር ጃክሰን ዝተመስረተ ወታ ዲጂታል ንገጸ ባህርያት ኣቫተር ንነይሪቲ፣ ጎሉም -ሎርድ ኦፍ ዘሪንግስ ከምኡ'ውን ሴዛር - ፕላኔት ኦፍ ዘ ኤፕስ ዝሰርሐ ትካል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, 20th Century Fox
ኣብ ሲድኒ ዝመደበሩ ሃያሲ ፊልምታት ጀምስ ፍሌቸር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ነዞም ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ንርከብ [ወታ ዲጂታል ኣብ ኒውዝላንድ ስለ ዝርከብ] ወታ ሆሊዉድና እዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "ሰር ፒተር ጃክሶን ዓቢ ራኢ ዘለዎ ኣፍራዪ ፊልም'ዩ። ፊልም ንኽሰርሕ ነቲ ኣብ ኣእምርኡ ዝቀረጾ ገጸ ባህሪ ኣብ ባይታ ዘተግብር ተክኖሎጂ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ክኢላታት ጠርኒፉ ንወታ ዲጂታል መስሪትዎ" ኢሉ።
ብመስረት ኣብ ሞንጎ ትካላት ወታ ዲጂታልን ዩኒቲ ቴክኖሎጅን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ወታ ዲጂታል ኣብ ክልተ እዩ ክምቀል።
እቲ ቴክኖሎጂካዊ ኣካሉ ድማ ንዩኒቲ ቴክኖሎጂ ክወሃቦ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







