ፊልም፡ ወታ ዲጂታል ዝተባህለ መስራሒ ‘ቪዝዋል ኢፌክት’ ብ1.6 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ

ጎሉም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፊልም ሎርድ ኦፍ ዘ ሪንግ ጎሉም ዝተብሃለ ገጸ ባህሪ ኣብ ወታ ዲጂታል'ዩ ተሰሪሑ።

ብተዓዋቲ ኦስካር ኣላዪ ፍልም ሰር ፔተር ጃክሰን ዝተመሰርተ፡ ኣብ ኒውዝላነድ ዝመደበሩ ወታ ዲጂታል ዝተባህለ መስራሒ 'ቪዥዋል ኢፌክት' ብ1.6 ቢልዮን ዶላር ተሸይጡ።

ወታ ዲጂታል፡ ፊልምታት ሎርድ ኦፍ ዘሪንግ ከምኡ'ውን ኣብ ኣቫተር ዝርከበን ፊልምታት 'ቪዝዋል ኢፈክት' ዝተሰርሖ ትካል ኮይኑ ብሓደ ዩኒቲ ቴክኖሎጂ ዝተባህለ ትካል ቪድዮ ጌም እዩ ተዓዲጉ።

ሰር ፒተር ጃክሰን ንመሸጣ ወታ ዲጂታል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ምስ ዩኒቲ ብሓባር ብምዃን ወታ ዲጂታል ኣደነቕቲ ዝኾኑ ፍርያት ከፍሪ እዩ" ኢሉ።

ኣፍራዩ ቪድዩ ጌማት ዩኒቱ ቴክኖሎጂ ከም በዓል Pokémon Go and Call of Duty: Mobile ዝኣመሰሉ ናይ ቪድዮ ጌማት ዘፍረየን ዝውንን ትካል'ዩ።

ኣብ 1993 ኣብ ኒውዝላንድ ብሰር ፒተር ጃክሰን ዝተመስረተ ወታ ዲጂታል ንገጸ ባህርያት ኣቫተር ንነይሪቲ፣ ጎሉም -ሎርድ ኦፍ ዘሪንግስ ከምኡ'ውን ሴዛር - ፕላኔት ኦፍ ዘ ኤፕስ ዝሰርሐ ትካል እዩ።

ፊልም ኣቫተር

ምንጪ ስእሊ, 20th Century Fox

መግለጺ ስእሊ, እዞም ኣብ ፊልም ኣቫተር ዝርከቡ ገጸ ባህርያት ኣብ ወታ ዲጂታል'ዮም ተሰሪሖም

ኣብ ሲድኒ ዝመደበሩ ሃያሲ ፊልምታት ጀምስ ፍሌቸር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ነዞም ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ንርከብ [ወታ ዲጂታል ኣብ ኒውዝላንድ ስለ ዝርከብ] ወታ ሆሊዉድና እዩ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ሰር ፒተር ጃክሶን ዓቢ ራኢ ዘለዎ ኣፍራዪ ፊልም'ዩ። ፊልም ንኽሰርሕ ነቲ ኣብ ኣእምርኡ ዝቀረጾ ገጸ ባህሪ ኣብ ባይታ ዘተግብር ተክኖሎጂ ኣብ ዘይነበረሉ፡ ክኢላታት ጠርኒፉ ንወታ ዲጂታል መስሪትዎ" ኢሉ።

ብመስረት ኣብ ሞንጎ ትካላት ወታ ዲጂታልን ዩኒቲ ቴክኖሎጅን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ወታ ዲጂታል ኣብ ክልተ እዩ ክምቀል።

እቲ ቴክኖሎጂካዊ ኣካሉ ድማ ንዩኒቲ ቴክኖሎጂ ክወሃቦ'ዩ።