ሩት ነጋ ዝተዋስአትሉ ጸላም ከም ጻዕዳ እትሓልፈሉ ፊልም 'ፓሲንግ'

ሩት ነጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ምዝንጋዕ ኢንዳስትሪ ፊልም ኔትፍሊክስ ኣብ ቀረባ 'ፓሲንግ' ዝተሰምየ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሩት ነጋ ዝተሳተፈትሉ ፊልም ክዝርግሕ'ዩ።

እዚ ፊልም ኢትዮጵያዊት ፈላሲት ተጻዋቲት ፒያኖ ጽጌ ማርያም ገብሩ ዝሰርሕኦ ሙዚቃ መዐጀቢ ኮይኑ ቐሪቡ ኣሎ።

ፓሲንግ [PASSING] ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ብ1929 ዓ.ም ብኔላ ላርሰን ዝተጽሓፈ መጽሓፍ'ዩ።

እዚ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣብ 1920ታት ካብ ቁልዕነተን ኣትሒዘን መሓዙት ዝኾና ክሌር ኬንድሪን ኣይረን ሬድፊልድን ዝተባህላ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ የዘንቱ።

ሓንቲ ካብአን ዝኾነት ክሌር ኬንድሪ በዓል ቤታ ጻዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ጸላም ምዃና ከይፈልጠ እትሓልፎ ህይወት ኣለዋ።

እዚ ቀሊል ኣይኮነን፤ ዘሕዝኑ ፍጻሜታት እቲ ታሪኽ ድማ በቲ ጆን ብሊው ዝተባህለ በዓል ቤታ ዝተኣልሙ'ዮም።

ኣብዚ መጽሓፍ ዝተሞዝርኮሰት ፊልም ፓሲንግ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኣብ ኔትፍሊክስ ክትዝርሕ'ያ።

ኣብዚ ፊልም ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኣየርላንዳዊት ሩት ነጋ ታሪኽ ክሌር ተላቢሳ ተዋሲኣ ኣላ።

"ክሌር፡ ሕብረሰተሰብ ብዘቐመጦም ቀየድትን ዘገድዱን ነገራት ኣይትግዛእን። እዚ ኽኣ ኣብቲ ግዜ ገበን'ዩ ነይሩ" ብምባል እዚ ዓሌታዊ ወጽዓ ንዓኣ መሰንበዲ ምዃኑ ገሊጻ።

ብምስዓብ፡ ኣብዚ ፊልም "ነቲ ዘይምዕሩይ እምቢተኝነት ክሌር ፈቲየዮ እየ፤ ንሳ ስሩዕ ህይወት ክህልዋን ንባዕላ ክትመስልን እምበር ሰውራዊት ክትኸውን ድልየት ኣይነበራን" ክትብል ነታ ዝተላበሰታ ገጸ ባህርይ ትገልጻ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኣመሪካ ጸለምትን ጸዓዱን ኣይተሓዋወሱን ዝነበሩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ኣውቶቡስ ኣብ ዝጓዓዝሉ'ውን እቲ ናይ ቅድሚት መናብር ንጸዓዱ'ዩ ዝሕዛእ ነይሩ።

ጸለምቲ ድማ፡ ብናይ ድሕሪት ማዕጾ ኣትዮም ኣብቲ ናይ ድሕሪት መናብር እዮም ኮፍ ዝብሉ።

እቲ ናይ ጸዓዱ መናብር እንተመሊኡ'ሞ፡ ጻዕዳ ተሳፋሪ እንተኣትዩ፡ እቲ ዘዋሪ መኪና ነቶም ጸለምቲ ሓፍ ኣቢሉ፡ ንጻዕዳ ኮፍ ከብለሉ ልሙድ ነይሩ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ጸለምትን ጸዓዱን ዘሎ ዓሌታዊ ኣፈላላይ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ክሳብ ሕጂ ንማዕርነቶም ይቃለሱ ኣለው። ነዚ ዝሓልፉዎ ህይወት ከኣ'ዩ፡ 'ፓሲንግ' [PASSING] ዝብሃል ዘሎ።

ኣላዪት ፊልም 'ፓሲንግ' ሬቤካ ሆል ድማ እቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ታሪኻዊ ዕምቆት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘጋጥሞም ዓሌታዊ ኣፈላላይ ብዝሓሸ መልክዑ ክትርዳእ ከም ዝሓገዛ ትዛረብ።

"ምስቲ መጽሓፍ ብፍሉይ ዓሚቕ ምትእስሳር ነይሩኒ፤ መጀመርታ ምስ ኣንበብኩዎ ናይ ባዕለይ ስድራቤት ዝሓለፉዎ ህይወት ክሓስብ ጀሚረ፤ ኣቦ ሓጎይ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ'ዩ ነይሩ፡ ግን ዝበዝሕ ህይወቱ ከም ጻዕዳ ኮይኑ'ዩ ሓሊፉዎ። እቲ መጽሓፍ ክኣ ነቲ ኩነታት ዝርድኣሉ ጽፍሒ ሂቡኒ" ትብል።

ሩት ነጋ፡ ካብ ኣየርላንዳዊት ነርስ ኣደን ኢትዮጵያዊ ኣቦን ብ1982 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ፤ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኮነት ግን ካብታ ሃገር ወጺኣ ኣብ ኣየርላንድ እያ ዓብያ።

ኣብ ብርክት ዝበሉ ፊልምታትን ናይ ቴሌቪዥን ድራማታትን ዝተዋስአት ሩት፡ ብ2020 ኣይሪሽ ታይምስ ኣብ ዝሓረዮም ብሉጻት ተዋሳእቲ ኣየርላንድ መበል 10ይ ሰሪዑዋ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ 17 ፊልምን 10 ናይ ቴሌቪዥን ድራማታትን ሰሪሓ ኣላ።

ሕጂ ድማ ሼክስፒር ዝጽሓፎ ማክቤዝ ምስቲ ጄምስ ቦንድ ኮይኑ ብምውሳእ ዓለማዊ ዝና ዝረኸበ ኢንግሊዛዊ ተዋሳኢ ዳኒኤል ሮግተን እመቤት ማክቤዝ ኮይና ክትሰርሕ እያ።

ሩት፡ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ጆርጂያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 24 ፌስቲቫል ፊልም ሳቫና [SCAD] ተሸላሚት ነይራ።