ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ብዙሕ ዘይፍለጥ ጸሓፊ ተሸላሚ ኖቤል

ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዛንዚባር ተወሊዱ፤ ኣብዚ ዓመት ብስነ ጽሑፍ ሽልማት ኖቤል ምስ ወሰደ ዓለም ክኣ ብዛዕብኡ ብዙሕ ኣውጊዓ።

ኣብ ታንዛኒያ ግን ብዙሕ ኣይፍለጥን፤ ጸሓፊ ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ።

እዚ ወዲ 72 ዓመት ጸሓፊ፡ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ ዓብዪ እጃም እኳ እንተሃለዎ ኣብ መደብራት መጽሓፍ ሃገሩ ግን መጽሓፍቱ ኣይርከቡን።

"ስእሉ እንተኣርኢኻዮም ሰባት ንመጀመርታ ግዜ'የ ዝርእዮ ዘለኹ ይብሉኻ" ትብል ጸሓፊትን ገጣሚትን ኣሊ ሳልሕ።

ወሲኻ "ኣብ ታንዛኒያ ውሑዳት ሰባት'ዮም ብዛዕባ ስራሕቱ ዝፈልጡ" ኢላ።

መጽሓፍቲ እዚ ደራሲ ኣብቲ ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ዝተቐመጠሉ ዓዲ ኢንግሊዝ ግን ዓብዪ ዕዳጋ ኣለዎም።

ዓሰርተ መጽሓፍቲ ከበርክት እንከሎ፡ ኣብዚኦም ንዛንዚባራውያን ቐረባ ዝኾኑ ጉዳያት ኣልዒሉ'ዩ ዝዝቲ።

ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘሕደሮ ጽልዋን ስደተኛታት ዘሕልፉዎ ህይወትን ብስፍሓት ይድህስስ።

ጉርናህ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ 1964 ብውሑዳት ሙሁራት ዓረብ ዛንዚባር ዝምራሕ ስርዓት ዛንዚባር ንምዕላው ዝተላዕለ ናዕቢ ወዲ 18 ዓመት እንከሎ ተሰዲዱ።

ድሕሪኡ ዛንዚባር ምስ ታንዛኒያ ተጸምቢራ። እቲ ጸሓፊ ድማ ምስታ መቦቆሉ ዝኾነት ዓዲ ብዙሕ ዝኽርን ምትእስሳርን ኣለዎ።

ዳይሬክተር ምኩኪ ና ንዮታ ዝተባህለ ኣሕታሚ ታንዛኒያ ምኩኪ ብጎያ "ታንዛኒያውያን መጽሓፍቲ ዓብዱልራዛቕ ከንብቡ ጠቓሚ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣፍሪቃውያን ዓለም ብዓይኒ ካልኦት ሰባት ኢና ንርእያ፤ ንሱ ግን ብናትና ዓይኒ እዩ ዝጥምታ" ይብል።

መምሃራን ተሰዲዶም

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ጉርናህ ሽልማት ኖቤል ከም ዝተዓወተ ምስ ተገልጸ፡ ገለ ታንዛናውያን ከምዚ ዝበለ ሰብ ብኸመይ ኣብ ዓዲ ዘይፍለጥ ኢሎም ተገሪሞም።

ብሱሩ'ውን ብዛዕባ እቲ እናደኸመ ዝመጽእ ዘሎ ባህሊ ምንባብ እታ ሃገር ዓበይቲ ክትዓት ኣልዒሉ።

ድሕሪ ሰውራ ዛንዚባር፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ስርዓተ ትምህርቲ ክቕይሮ እንከሎ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትሑት ትኹረት እዩ ገይሩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዛንዚባር ካብ ዘለዋ ሰለስተ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ [ዩኒቨርሲቲ] ዋላ ሓንቲ ስነ ጽሑፍ ኣይትምህርን።

"ድሕሪ እቲ ሰውራ መንግስቲ ብዙሓት ናይ ንባብ ክበባትን ኣብያተ መጽሓፍትን ዓጺዩ'ዩ። ብዙሓት ንፉዓት መምሃራን ክኣ ወጺኦም" ይብል ተቓዋሚ ዛንዚባር ኢስማዒል ጁሳ።

"ትምህርቲ ጥረ ትርጉም ተዋሂቡዎ፣ መዐቀኒታት ትምህርቲ ወዲቐም፤ በዚ ኣቢሉ ባህሊ ንባብ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተሃሰዩ ሓደ ኮይኑ" ኢሉ።

ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ ኣብታ ሕጂ ኣካል ታንዛኒያ ዝኾነት ዛንዚባር ዓብዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ ኣብታ ሕጂ ኣካል ታንዛኒያ ዝኾነት ዛንዚባር ዓብዩ

ኣብ ታንዛኒያ ውጽኢት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ከም ዝነከየ'ውን ይርኣይ።

ኣብዚ ዓመት፡ ኣብያተ ንባብ ታንዛኒያ፣ ኣብያተ ትምህርቲን መደብር መጽሓፍትን ቐረባት ስራሕቲ ስነ ጽሑፍ ገዲበን ኣብ መጽሓፍቲ መምሃሪ ሓገዝን ናይ ትምህርቲ መጽሓፍትን እየን ትኹረት ገይረን።

ብዙሓት ልበ ወለድ መጽሓፍትን ጋዜጣን ዘንብቡ'ኳ እንተኾኑ፡ ምስ ምምዕባል ቴክኖሎጂ ግን እቲ መንእሰይ ኣቓልብኡ ኣብ ዲጂታላዊ ሚዲያ ይኸውን ኣሎ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኢንዳስትሪ ሕትመት ታንዛኒያ መጽሓፍቲ ክሸይጥ ይቃለስ ኣሎ።

መጽሓፍቲ - ክቡራት'ዮም

መደብር መጽሓፍቲ ቲፒኤች፡ ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ዝርከብ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣብታ ሃገር መጽሓፍቲ ጉርናህ ዝሕዙ መደብር መጽሓፍቲ እዩ።

"ኢንዳስትሪ ሕትመት ታንዛኒያ ኣብ መምሃሪ መጽሓፍቲ ትኹረት ዝገበረ ስለ ዝኾነ ዓብዪ ክፍተት ኣሎ። ነዚ ንምፍታሕ ናይ ልበ ወለድ መጽሓፍቲ፣ መጻሕፍቱ ግጥሚ - ብቐንዱ ብታንዛናውያን ዝተጽሓፉ- ክንሕትምን ክንሸይጥን ጀሚርና" ይብል ብጎያ።

"ናይ ጉርናህ መጽሓፍቲ ግን ንክሽየጡ ነዊሕ እዋን ስለ ዝወስዱ መሊስና ኣየምጻእናዮምን" ኢሉ።

ውሑድ ዓሚል ስለ ዘሎ፡ ዋጋ መጽሓፍቲ ክቡር'ዩ፤ ንገሊኦም ድማ ዘይብጻሕ ይኾኖም።

"እቲ ዕዳጋ ንኡሽቶ ስለ ዝኾነ ብዙሓት መጽሓፍቲ ክሕዝ ኣይክእልን። ክቡር ስለ ዝኾነ ክኣ ንገሊኡ መጽሓፍ መጋየጺ ኣቕሓ ይኸውን" ይብል።

ታንዛኒያ፡ ዋላ'ውን ስዋሂሊን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ጽሓፍትን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሃገራ ክወሃብ እንተገበረት ስራሕቲ ጉርናህ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓዲኦም ኣብያተ ትምህርቲ ክኣትው ኣይተገብረን።

"ካብ 1967 ጀሚሩ ካብታ ሃገር ስለ ዝወጽአ ካብ ዛንዚባር ወጻእ ፍሉጥ ኮይኑ'ዩ። ስለዚ ኣብዚ ብዛንዚባራውያን ዝተጽሓፉ ስራሕቲ ብዘንብቡ ውሑዳት ሰባት ጥራይ'ዩ ዝፍለጥ" ይብል ብጎያ።

ምኩኪ ብጎያን ጉርናህን

ምንጪ ስእሊ, Mkuki Bgoya

መግለጺ ስእሊ, ምኩኪ ብጎያን ጉርናህን

መጽሓፍቲ ጉርናህ ብኢንግሊዘኛ ዝተጽሓፉ ምዃኖም ሓደ ብብዝሒ ንከይፍለጥ ዝገበረ ምኽንያት እዩ።

መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር ስዋሂሊ'ዮም ዝዛረቡ። ኣብ ቀረባ እዋናት መጽሓፍቱ ናብ ቋንቋ ስዋሂሉ ክትርጎሙ ጻውዒት ክቐርብ ጀሚሩ ኣሎ፟።

ኣብ ለንደን መምህር ስዋሂሊ ቤት ትምህርቲ ኤስኦኤስ ዶክተር ኢዳ ሃደጂቫያኒስ ጉርናህ ሽልማት ኖቤል ቅድሚ ምውሳዱ ኣብ ምትርጓም መጽሓፍቱ ክትነጥፍ ጀሚራ ነይራ።

ሕጂ 'ፓራዳይዝ' ዝተሰምየ መጽሓፉ ተርጒማ ወዲኣ ኣላ፤ ኣብ ዝቕጽል ዓመት [2022] ድማ ናብ ሕትመት ክበቅዕ እዩ።

ፓራዳይዝ፡ ብ1994 ዝተሓትመ መጽሓፍ ኮይኑ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ታንዛኒያ ብዛዕባ ዝዓበየ ቖልዓ የዘንቱ።

እዚ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ሽልማታት ዝወሰደ መጽሓፍ ኮይኑ፡ ዶክተር ኢዳ ብቋንቋ ስዋሂላ ተርጒማ ምቕራባ ካልኦት መጽሓፍቲ ጉርናህ ኣንበብቲ ክረኽቡ ክሕግዝ ተስፋ ተገይሩሉ ኣሎ።

"መጽሓፍቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክንበቡ እንተኽኢሎም ጽልዋ ክፈጥሩ'ዮም" ትብል።

ከም ቲፒኤች ዝበሉ ኣሕተምቲ ድማ እቶም መጽሓፍቲ ንክፍለጡ ጽልዋ ክፈጥሩ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ግምት ኣሎ።