ታንዛንያዊ ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ስነ ጽሑፍ 2021 ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ታንዛንያዊ ጸሓፊ ዓብዱልራዛቕ ጉርናህ ሽልማት ኖቤል ስነ ጽሑፍ 2021 ከምዝወሰደ ኣካደሚ ሽልማት ኖቤል ገሊጹ፡፡
ኣካዳሚ ሽልማት ኖቤል፡ እቲ ጸሓፊ ጸቕጢታት ባዕዳዊ መግዛእትን ዕጫ ስደተኛታት ኣብ ባህልን ኣህጉርን ኣመልኪቱ ንዝሰረሖም ስራሕቲ ንኢዱ፡፡
ዓብዱልራዛቕ በዚ ሽልማት 10 ሚልዮን ክሩነር ወይ 1.14 ሚልዮን ዶላር ካብቲ ስዊዲናዊ ኣካዳሚ ክወስድ እዩ፡፡
ብ 1948 ኣብ ዛንዚባር ዝተወለደ እቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ስነ ጽሑፍ፡ ኣብ መወዳእታ 1960ታት እዩ ስደተኛ ኮይኑ ናብ እንግሊዝ ኣትዩ፡፡
ዛጊድ 10 ነዋሕቲ ልብወለዳዊ ዛንታታትን ብዙሓት ሓጸርቲ ዛንታታትን ጽሒፉ እዩ፡፡
ኣብ ቀረባ ብጥሮታ ክሳብ ዝሰናበት ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬንት ፕሮፌሰር ቋንቋን ስነ ጽሑፍ ድሕረ ባዕዳዊ መግዛእትን ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡
ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 1994 ዝተሓተመ 'ፓራዳይዝ' ዝብል፡ ብዛዕባ ኣብ መፈለምታ 20 ክፍለ ዘበን ኣብ ታንዛንያ ዝዓበየ ሓደ ወዲ ዝገልጽ መጽሓፉ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ቡከር ብምዃን ከምጸሓፋይ መንገዲ ዓወት ዝጸረገሉ እዩ፡፡
''ዓብዱልራዛቕ ንሓቂ ዘለዎ ውፉይነትን ንርዝነት ዝህቦ ዋጋን ፍሉያት እዮም'' ክብል እቲ ኮሚተ ኖቤል ስነጽሑፍ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ዛንታታት እቲ ጸሓፊ ብዙሓት ዘይፈልጥዎ ብዙሕ ባህሊ ዘለዎ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክንፈልጥ ኣኽኢሉና እዩ ኢሉ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይጀርያዊ ጸሓፊ ወሌ ሾይንካ ኣብ 1986 ሽልማት ኖቤል ስነጽሑፍ ካብ ዝወስድ ንዳሓር፡ ወዲ 73 ዓመት ዓብዱልራዛቕ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ እዚ ሽልማት እዩ፡፡
ኣብ 1901 ሽልማት ምሃብ ዝጀመረ ሽልማት ኖቤል፡ ኣብ ዓውዲታት ስነ ጽሑፍ፣ ሳይንስ፣ ሰላምን ስነ ቑጠባን ዘበን ተሳጋሪ ስራሕቲ ንዝሰርሑ ሰባትን ትካላትን ይሽልም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ዩናይትድ ኪንግደም ዝነበረ ዊንስተን ቸርችል ብተዘክሮኣዊ ጽሑፍ፣ በርትራንድ ሩሰል ብፍልስፍናን ቦብ ዳይላን ብግጥሚታት ደርፍን ሽልማት ኖቤል ካብ ዝተዓወቱ ሰባት ዝጥቀሱ እዮም፡፡
ተዓዋቲ ሽልማት ስነጽሑፍ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካዊ ገጣሚ ሎዊዝ ግላክ እዩ ነይሩ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







