ብውልቁ ኣብ ምርጫ ከተማ ቦሎኛ ዝተዓወተ ትውልደ ኤርትራዊ ዒድ ነጋሽ መን’ዩ?

ስዒድ ነጋሽ

ምንጪ ስእሊ, Siid

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ምርጫ፡ ስዒድ ነጋሽ ዝተባህለ ትውልደ ኤርትራዊ ንፈለማ እዋን ናብ ባይቶ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝተመረጸ ጸሊም ኮይኑ'ሎ።

ንሱ፡ ብወልቁ ተወዳዲሩ'ዩ ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ ክዕወት ክኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓያሎ ትውልደ ኤርትራውያን ኣብ ሃገራውን ዞባዊን ምርጫታት ካልኦት ሃገራት ምዕዋቶም ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝሰሓበ ኮይኑ ጸኒሑ'ሎ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተገብረ ባይቶኣዊ ምርጫ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት ዓወት ተስፋየሱስ ንዞባ ሄሰን ወኪላ ናብ ፓርላማ ኣትያ።

ቅድሚኣ'ውን ኣብ ኒውዝላንድን ኣመሪካን ናብ ሃገራዊ ባይቶ ዝተመርጹ ኣለዉ።

ብዘይካ'ዚ ካልኦት ሓያሎ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳራት ይኹን ከተማታት ዝተመርጹ'ውን ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኦም ድማ እዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብታ ንኤርትራውያን ታሪኻዊት ዝኾነት ከተማ ቦሎኛ ዝተመርጸ ኣቶ ስዒድ ነጋሽ'ዩ።

ብኸመይ ኣብ ፖለቲካ ኢጣልያ ክሳተፍ ኪኢሉ?

ኣብ ፖለቲካ ኢጣልያ ንልዕሊ 15 ዓመት ክሳተፍ ዝጸንሐ ስዒድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ንጥፈታት ክዋስእ ምጽንሑ'ዩ ዝዛረብ።

ንፈለማ እዋን ኣብ ባይቶ እታ ከተማ ዝተመርጸ ቀዳማይ ጸሊም ምዃኑ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ገሊጹ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጉዳያት ናይታ ከተማ ንጡፍ ተገዳስነት የርኢ ምንባሩ ይሕብር።

"ንኣስታት 15 ዓመት ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ ጸኒሐ" ድማ ይብል።

ኣብ ሓደ ንስደተኛታት ንምድጋፍ ብምምሕዳር እታ ከተማ ዝቖመ ትካል ይሰርሕ ምንባሩ ዝገልጽ ስዒድ፡ እዚ ማሕበራዊ መርበባት ክምስርትን ተፈላጥነት ከጥርን ከም ዝሓገዞ ይዛረብ።

ስዒድ ነጋሽ

ምንጪ ስእሊ, Siid

ኣብቲ ምርጫ ኣብ ክንዲ ብመንገዲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ብውልቁ ክሳተፍ ዘገደዶ ነገር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ፕረዚደንት ናይ ሓደ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ብምዃኑ'ዩ።

"ነታ ዝመርሓ ዘለኹ ማሕበር ምስ ሓደ [ፖለቲካዊ] ወገን ከጸግዓ ኣይደለኹን" ከኣ ይብል።

እቲ ባይቶ ናይታ ከተማ 36 መናብር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ሓንሳብ ምስ ተመርጹ ን5 ዓመት የገልግሉ።

ቀንዲ ኣጀንዳኡ ንመሰላት ስደተኛታት ኣብታ ከተማ ምርግጋጽ ኮይኑ፡ ከም ኣባይቲ ዝበሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ካብቶም ዘገድስዎ ጉዳያት ምዃኖም'ዩ ስዒድ ይገልጽ።

ንሱ፡ ስደተኛታት ኣብቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብን ከባቢታትን ንጡፍ ተሳታፍነት ክገብሩ ኣለዎም ባሃሊ'ዩ።

"ንሳቶም መጺኦም ክደልዩና ኣይንጸበ፡ እንታይድኣ፡ ንሕና ኬድና ነቲ ቦታ ንሓዞ" ብምባል ድማ ንካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት የተባብዕ።

"መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ስደተኛታት ተሓቢኦም ስለ ዝነብሩ" ኣንጻር ረብሓታቶም ውሳነታት ከም ዝተገብሩ ክጣበቑ ይጅምሩ ብምባል፡ ቅድሚ ከምኡ ምዃኑ እንተዝሳተፉ ግን ድምጾም ክስማዕ ይኽእል'ዩ ይብል።

እቲ ዘካየዶ ጎስጓስ ምስ ብጾቱ ከም ዘካየዶ ብምግላጽ፡ ድኻም ከም ዝነበሮ ይጠቅስ።

እኹል ድምጺ ንምርካብ ድማ እቶም ውዱባትን ዓቕሚ ዘለዎም ሰልፍታት ዘይከድዎ ከባቢታት ኣቶኲሩ ከም ዝጎስጎሰን፡ ብዙሕ ሰብ ክረክብ ከም ዝኸኣለን ይዛረብ።

ከተማ ቦለኛ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ፡ ዓመታዊ ፌስቲቫል ዝካየደላ ዝነበረ ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ዝነበሩ፡ ዓቢ ቦታ ዘለዋ እያ።

ስዒድ ነጋሽ

ምንጪ ስእሊ, Siied/Facebook

ስዒድ ነጋሽ መን'ዩ?

ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ስዒድ ኣብ 1999 እዩ ካብ ኤርትራ ብምውጻእ ናብ ስደት ኣምሪሑ።

ኣብ ኤርትራ እንከሎ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጥልያን ድሕሪ ምውድኡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣትዩ።

ኣብ ዩኒቨርሰቲ ቦሎኛ ተመዝጊቡ፡ ብማሕደረ ትምህርቲ ድማ ቪዛ ተዋሂብዎ ብ"ሕጋዊ መንገዲ" ካብ ሃገሩ ወጺኡ ናብ ኢጣልያ ኣትዩ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ንምድረበዳ ሳሃራ ብምሕላፍ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም'ዮም ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ።

ወዲ 20 ዓመትን እንከሎ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምታዉ፡ ሃገር ንኣስታት 20 ዓመት ከኣ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ኣብ ኢጣልያ ምስ ኣተወ፡ ሓደ ካብቶም ዘጋጠምዎ ብድሆታት፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምንባሩ ዝሕብር ስዒድ፡ እንተኾነ ግን "ከም ካልኣይ ዜጋ፡ ኣብ ኩርናዕ ኮይነ ተጸባዪ ክኸውን ኣይደለኹን" ብምባል ነቲ ኣሉታዊ ኩነታት ብተሳታፍነቱ ክቕይሮ ከም ዝኽእል ኣሚኑ ከንቀሳቐስ ጀሚሩ።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ብከተማታት ኢጣልያ'ዮም ዝሓልፉ።

እንተኾነ ናብተን ካልኦት ሃገራት ክሰግሩ ዘይክኣሉ ብዙሓት ኣብታ ሃገር ከምዝነብሩ ይፍለጥ።