ቅልውላው ትግራይ፡ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ሞት ኣብ ዘሰንብድ ደረጃ ከምዝርከብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ኣንቶኒዮ ጉተሬስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ እቲ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ኣብ ዘስግእ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ንባይቶ ጸጥታ እቲ ውድብ ገሊጹ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ትማሊ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣኼባ ንዘካየደ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ: ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ጥምየት ዘጋጥም ዘሎ ሞት ብዝምልከት ዝወጽኡ ዘለዉ ዘሰንብዱ መረዳእታታት ይውስኹ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

መድሕን ህይወት ዝኾኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ክልል ከይበጽሑ ይሰናኸሉ ምህላዎም ድማ ነቲ ባይቶ ኣረዲኡ።

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 7 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤትን ካልኦት ሰብኣዊ ሓገዛትን ከም ዝኾኑ ብምሕባር “ልዕሊ 5.2 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ክኸኑ ከለዉ ኣስታት 400 ሽሕ ድማ ዓጸቦ ኣብ ዝመስል ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ። ሰብኣዊ ረድኤት በቲ ዝድለ መጠን ክበጽሕ ኣይከኣለን” ኢሉ።

እታ እንኮ ናብ ትግራይ ረድኤት ዘቕርባ መኻይን ዝሓልፋላ መገዲ ዓፋር እውን ብሰበስልጣንን መፈተሺ ናቑጣታትን ትግታእ ምህላዋ ወሲኹ ገሊጹ።

“ትካላት ረድኤት ጥረ-ገንዘብ ሒዘን ክኣትዋ ስለ ዘይተፈቐደለን ንሰራሕተኛታተን መሃያ ክኸፍላ ኣይከኣለን” ዝበለ እቲ ዋና ጸሓፊ ከም ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮም፣ ትካላት ሕክምናን ዝበሉ ኣገልግሎታት ክሳብ ሎሚ ተቛሪጾም ምህላዎም ኣዘኻኺሩ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተገደበ ምንቅስቓስ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ቀረባት ረድኤት ከፍቅድ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ደጊሙ ጸዊዑ’ሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሸውዓተ ሓለፍትን ተወከልትን ትካላት ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ምስጓጓ ከኣ "ኣዝኡ ዝርብሽን ቅድሚ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥን” ክብል ገሊጹዎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢዶም መሊሶም ኢሉ እዩ ዝኸሶም።

አንቶኒዮ ጉቴሬዝ፡ ኢትዮጵያ እቶም ሰራሕተኛታት ውድብ ሕብረት ሃገራት ናይ ምብራር መሰል ከምዘይብላ ብምግላጽ፤ "ብኻሊእ ኣበሃህላ፤ ቅኑዕ፣ ስሩዕ ኣሰራርሓን ከይድን ኣይተኸተለን" ኢሉ።

ኩሎም ወገናት ኲናት ደው ኣቢሎም ናብ ሰላማዊ ዝርርብ ክመጽኡ እንኮ ኣማራጺ ሰላም ከም ዝኾነ ድማ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ።

ወኪል ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተሳቲፎም ዝበለቶም ሸውዓተ ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰጎገት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዕጽው ምዝርራቡ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወካሊ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ፡ ሃገሩ ንሓላፍትን ተወከልትን ትካላት ረድኤት ምስጓጓ ስዒቡ ትማሊ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ቅርትኡ ብምግላጽ ጀሚሩ።

ሃገራት ብተመሳሳሊ ውሳነ ንተወከልቲ ትካላት ረድኤት ዝሰጎጓሎም ኣጋጣምታት ከም ዝነበሩ ብምሕባር ድማ “እንተኾነ ከምዚ ዝበለ ኣኼባ ተጸዊዑ ኣይፈልጥን” ኢሉ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰኖ ውሳነ መብርሂ ከቕርብ ዝግደደሉ ኩነታት የለን” ዝበለ እቲ ኣምባሳደር እቶም ዝተሰጎጉ ሓላፍትን ተወከልትን ፈጺሞምዎ ዝበለ ተግባራት ኣቕሪቡ።

ኣብ ትግራይ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ኣለዉ ብዝብል ስኑዕ ሓበሬታታት ብምቕራብን ናብ ህወሓት ዝውግኑ ተግባራት ብምፍጻምን ከኣ ከሲስዎም።

ነዚ ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ጽሒፉ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ኣምባሳደር ታየ ንገለ ካብቶም ዝተሰጎጉ ተወከልቲ ትካላት ረድኤት ጸዊዑ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

እቲ ዝበሃል ዘሎ ደብዳበ ፈጺሙ ከም ዘይበጽሖ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኑ መዓዝን እንታይ ዝብልን ደብዳበ ከም ዝተጽሓፈ ብመረዳእታ ከቕርበሉ ነቲ ኣምባሳደር ሓቲቱ።

ኣምባሳደር ታየ ድማ “ነዚ ብዝምልከት ካብ ዝምልከቶም ሰበስልጣንን መንግስቲን ኢትዮጵያ ሓበሬታ ሓቲተ ከቕርበሎም እየ” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ቅርታ ዘይሻራዊነት ብዝምልከት ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መረዳእታ ከይተረፈ መብርሂ ሓቲቱ፡ ምላሽ ከምዘይረኸበ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

"ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ሕጊ ትጥሕስ ኣላ ኢልና ኢና ንኣምን። ሸውዓቲኦም ሰራሕተናታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ምብራር መሰል የብላን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ገለ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንጎኛ ኣይኮኑን ወይ ከኣ መትከላት ሰብኣዊ ረድኤት ጥሒሶም ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ፤ ምስ መንግስቲ ሓቢርና ክንሪኦ ድልዋት ኢና" ክብል ኣብሪሁ።

ባይቶ ጸጥታ ክእከብ ዝጸወዐት ኣመሪካ ብወገና እቲ ስጉምቲ ግቡእ ከምዘይኮነ ብትሪ ኮኒና።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ዝወሰዶ ስጉምቲ 'ጥንቃቐ ዝጎደሎ' ብማለት ዝኾነ ርትዓውነት ከምዘይብሉ ተዛሪባ።

'እዚ ሓደገኛ መዘዝ ከስዕብ ዝኽእል' ዝበለቶ ዓጸቦ ጠጠው ንምባል እቶም ዝተባረሩ ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ናብ ስረሖም ክምለሱ ድማ ሓቲታ።

ወኪል ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣጽቀ ስላሴ ግን፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክንዲ እቶም 'ዘይሻራዊ' ዝበሎም ዝተባረሩ ሓለፍቲ ካልኦት መተካእታ ክልእኽን ስርሑ ክቅጽልን ሓቲቱ።