ቅልውላው ትግራይ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ን10ይ ጊዜ ክዝቲ እዩ

ባይቶ ፀጥታ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ባይቶ ፀጥታ

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ሎሚ ን10ይ ግዜ ክዝቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትሕቲ ሰላምን ድሕነትን ኣብ ኣፍሪቃ ዝብል ዓብይ ኣጀንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ጉዳያት ኩነታት ከም ዝዝቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ተወካሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክርከበሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ክፉት ኣኼባ ኣብ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ እዩ ኣጀንዳ እቲ ቤት ምኽሪ ዝኸውን ዘሎ።

እቲ ዘተ ክካየድ ዝሓተታ ኣሜሪካ፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ኖርዌይ፣ ኢስቶኒያ፣ ፈረንሳይን ኣየርላንድን ኮይነን፡ ብዛዕባ ኣብቲ ክልል ኣንጸላልዩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝምልከት ዘረባ ከስምዑ እዮም ተባሂሉ።

ከምኡ'ውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ክወጽኡ ዝተገደዱ ላዕለዎት ሓለፍቲን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክዛረቡ ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኲናት ክኾኑ ዝኽእሉ ተግባራትን ከም ዝተፈጸሙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ባይቶ ኣብቲ ጉዳይ ክዝቲ ሎሚ ንዓስራይ ግዜ ኮይኑ ብፍላይ ቻይና፣ ህንድን ሩሰያን እቲ ጉዳይ ኣጀንዳ ባይቶ ጸጥታ ከይኸውንን ኣንጻር ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ሓሳብ ከቕርባ ይስትውዓል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጉዳይ ከም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ኣእታውነት ገይሩ እዩ ዝቖጽሮ።

እንተኾነ፡ ኣንፈት እቲ ኲናት ድሕሪ ምቕያሩ ንልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ትግራይ ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ስዒቡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሃገራት ገሊጹ እዩ።

ኣብ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ዝዝ ዘሎ ኲናት ትግራይ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተሳቲፎም ዝበለቶም ሸውዓተ ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣባረረት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዕጽው ምዝርራቡ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ካብ ኣየርላንድ ዝቀረበ ሓሳብ እኩል ድጋፍ ስለ ዘይረኸበ ዕላዊ ከይኮነ ከም ዝተረፈ እዩ ዝዝረብ።

እቲ ኣየርላንድ ዘዳለወቶ መግለጺ ምስጓግ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ክንቀፍ ኢትዮጵያ ምስ'ቲ ሕብረት ክትተሓባበር ክትግደድ ከምኡ'ውን ረድኤት ብዘይኮነ መገዲ ከይተዓናቕፍ ዝሓትት ከም ዝነበረ ካብቲ ባይቶ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

እንተኾነ A3+1 ብዝብል ዝፍለጡ ሃገራት ኣፍሪቃ [ኬንያ፣ ኒጀር፣ ቱኒዝያ፣ ሴንት ቪንሰንትን ዘ ግሪኒናዲስን] ከምኡ'ውን ቻይናን ሩሰያን 'እቲ መግለጺ ሓጋዚ ኣይኮነን' ብዝብል ተቓዊሞምዎ።

እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ሸውዓተ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሃገር ክወጽኡ ዝወሰነቶ ውሳነ ኣግባብ ዘይምዃኑን መሊሳ ክትክልስን፡ ምክትል ሓላፊ ወሃቢ ቃል እቲ ዋና ጸሓፊ ፋርሀን ሐቅ ተዛሪቡ እዩ።

ሓንቲ ሃገር ካብ ሃገራ ብህጹጽ ናይ ምስጓግ መሰል (ፐርሶና ነን ግራታ) ምስ ሃገራት ኣብ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ርክባት እምበር ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይሰርሕ፡ እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ኣፍሊጡ እዩ።

እዚ ብዝምልከት፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝዘተየ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ሓደጋ ንዝርከብ ህዝቢ ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕሪ ዘተኣጓጉል እዩ።

"ሰብኣዊ ረድኤት ጉዳይ ፖለቲካ ምግባር ሕቡራት ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ናይ ምድጋፍ ጻዕርታት ዘሰናኽል እዩ" ኢሉዎ።

ተወካሊ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ታዬ ዓጽቀሥላሴ ከም ዝበሎ ድማ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ንህወሓት ኣሕሊፎም ካብ ምሃቦም ብተወሳኺ ዝተጋገየ ሓበሬታ ኣቃሊሖም ኢሉ ከሲሱ።

ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክሲታት ይነጽግዎ፤ ሓላፍቱን ሰራሕተኛታቱን ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝጸረዩን፡ ዘይሻራዊ ዝኾነ ስነ-ምግባር ዝኽተሉን ክብል ምላሽ ሂብሉ።

ምክትል ወሃቢ ቃል እቲ ዋና ጸሓፊ ጉቴሬዝ፡ ፋርሀን ሃቅ እታ ሃገር ኣብ ክንዲ እቶም ዝተባረሩ መተካእታ ክለኣኹ ዘቕረበቶ ሕቶ ብዝምልከት "ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኾም ሰራሕተኛታት ነቲ ስራሕ ዝምጥን ዓቅሚ ዘለዎም ንሳቶም እዮም። ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ስርሖም ክቅጽሉ ኣለዎም" ዝብል ምላሽ ሂብሉ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ዩናይትድ ኪንግደም፡ ሳይመን ማንሊ ን40 ሃገራት ወኪሉ እቶም ሸውዓተ ሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ስረሖም ክቕጽሉ ክፍቀደሎም ሓቲቱ።

ባይቶ ጸጥታ እንታይ ኢሉ ነይሩ?

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ እኳ ክእከብ እንተጸንሐ ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕን ከም ዘይጸንሐ ይዝከር።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 22 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ'ውን ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘተሓሰሰቦ ንፈለማ እዋን ብወግዒ ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቅራብን፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽቀርብን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድማ ኣመስጊኑ ነይሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ክልል ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት እኹል ሰብኣዊ ሓገዛት ክቐርብ ኣለዎ'ውን ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኮይኖም ምጽራይ ገበናት ከካይዱ ዝቐረበ ሓሳብ'ውን ደጊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ዓለምለኻውያን ሕጋጋት ክኽበሩ ከም ዘለዎም ተላብዩ ከም ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ውድባት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝወስድኦ ተበግሶ ደገፉ ከም ዘበርክት ገሊጹ'ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ግን በዘይ ስምምዕ ከም ዝተበተነ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር ነይሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ልኡላዊነት ናይ ኢትዮጵያ ብዘረጋግጽ መንገዲ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክግብርን ዝብል ዝርከቦ መግለጺ ከውጽእ ኣብ ዝፈተነሉ ብናይ ቻይናን ሩስያን ተቓውሞ እቲ መግልጺ ክወጽእ ኣይከኣለን።

ሩስያን ቻይናን እቲ መግለጺ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ምትእትታው'ዩ" ብምባል እየን ተቓዊመንኦ።