ቅልውላው ትግራይ፡ "ሓገዝ ብቕልጡፍ እንተዘይተረኺቡ ናብቲ ናይ '77 ኵነታት ከጋጥም'ዩ" ዶ/ር ሓጎስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው በጺሑ፤ ትካላት ጥዕና ድማ ንሓደጋ ተቓሊዐን።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ንኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ካብ ዝቆጻጸሩ ጀሚሩ ኩሎም መገዲ መራኸቢታት ተዓጽዮም ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ብሰንኪ ጥሜት ሞት ይስዕብ ከ ምዘሎ ድማ ገለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ቢቢሲ፡ ምስዝን ተዛመድቲ ጉዳያት ጥዕናን ብዝተኣሳሰር ንሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ምስ ዶክተር ሓጎስ ጐደፋይ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዑ ኣብ ዘለዎሉ እዋን፡ እቲ ብ1977 ኣጋጢሙ ዝነበረ ከቢድ ጥሜት ክድገም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።
ነዚ ስዒቡ ኸኣ ኣብ ትግራይ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉ ብሰንኪ'ቲ ጥምየት ድማ ሰባት ቈጽሊ ይበልዑ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይወፁ ኣለዉ። እቶም ብጥምየት ሰባት ዝሞትሉ ዘለዉ ከባቢታት ትፈልጥዎ ዲኹም? ክሳብ ሕዚ'ኸ መዓልታዊ ክንደይ ዝኣክል ሰብ'ዩ ሞይቱ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ኣነ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ንኽዕዘብ ወጺአ ቀንየ። ኣብ ገጠራት፣ ማእከላይ ዞባ፣ ናብ ከባቢ ራያ፡ ከምኡ'ውን ከባቢ ተምቤን ዘሎ ኵነታት ንክዕዘብ ፈቲነ። እቲ ኵነታት ጥሜት እናኸፍአ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕጻውንቲ ኰነ ኣጥበውትን ጥኑሳትን ኣዴታት ዝረኣኽዎ ፀገም ዓበይ'ዩ።
እቲ ዘሎ ኵነታት ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን እናዛየደ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ብናይ ዓለም-ለኸ መዐቐኒ (global malnutrition) ምስ እንርእዮ ድማ ናብ 25 ሚእታዊት እዩ በፂሑ ኣሎ።
ሓንቲ ሃገር ብጥምየት ልዕሊ 15% እንተድኣ በፂሓ፡ ኣብ ሓደጋ ከም ዘላን፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናይ እኽሊ ሓገዝ ክዕደል መደብ ይወጽእ ማለት'ዩ። ኣባና ግን እቲ መጠን ድሮ ኣብ 25ሚእታዊት'ዩ በፂሑ ዘሎ። እዚ ሕዚ ተኸሲቱ ዘሎ ጥምየት ምስ'ቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ምስ እነናፃፅሮ ድማ ወሲኹ ንረኽቦ።
እቲ ጥምየት ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ ስለ ዝፈላለ ማእከላይ ቍጽሪ'የ ዝህበኪ ዘለኹ። ኣብ ገሊአን ወረዳታት ልዕሊ 30% በፂሑ ኣሎ። ሕዚ ሓገዝ ብቕልጡፍ እንተድኣ ዘይተረኺቡ ናብቲ ናይ 1977 ዓ.ም ኵነታት ክንሰግር ማለት'ዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ ንስኻትኩም ዝበፃሕኩምዎ ብጭቡጥ ብጥምየት ዝሞቱ'ዶ ኣለዉ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ኣብ ትግራይ ብጥሜት ዝሞተ ህዝቢ ቍፅሩ ብዙሕ'ዩ። ናይ ርክባት ፀገማት ስለ ዘሎ ኩሉ ሪፖርት ኣይልእኽን'ዩ። እቶም ዝበፅሑና ፀብፃባት እንተድኣ ርኢና ኣብ መዓልቲ፡ በብሆስፒታሉ ማለት'ዩ፡ 3-4 ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ኣለዉ።
እዚ ኣብ ማእከላይ ዞባ ከባቢ ተምቤን፣ ዓድዋን ኣኽሱምን፣ ዛና - ሰሜን-ምዕራብ ዘሎ ከባቢ፡ ኣብ ራያ ዀነ እንዳ ሞዀኒ፣ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ... ብመጠን ድኣ'ዩ ዝፈላለ'ምበር ብርክት ዝበላ ወረዳታት ኣብ ሓደጋ'የን ዝርከባ። እዚኣተን እተን ብነቝጣ-ጥምየት (hotspots) ዝፍለጣ'የን።
ብመለክዒ ኣይ-ፒ-ሲ እንተርእዮ(IPC 4 and 5) (ምደባ ጥምየት ... 4 ልዕሉ፡ 5 ዝለዓለ) ዝበፅሓሉ ወረዳታት ኣለዉ።
ቢቢሲ፡ ብሓፈሻኡ ዛጊድ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ሞይቶም ትብሉ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ብቍፅሪ ንምግላፁ ኣፀጋሚ ዝዀነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ እተን ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዘለዋ ክንበጽሐን ዘይንኽእል ቦታታት፡ ናይ ሕክምና ትካል ዘይተኸፍተለን ቦታታት፡ ኣብ ትካላት ጥዕና ዘይኸዳን ዘይበጽሓን ዘለዋ ኣዴታት ይዅና ሓረስቶት ኣብ ቍፅሪ ይኣትው ከም ዘየለው ምፍላጥ የድሊ።
እቶም ኣብ ፀብፃባት ዘይኣትዉ ዘለዉ ምስ'ቶም እንረኽቦ ፀብፃብ ምስ እንድምሮም እቲ ኣሃዝ ዕፅፊ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ኣየፀግምን። ኣብ ትግራይ ዓቢ ናይ መጐዓዓዝያ ሽግር ከም ዘሎ ምርዳእ የድሊ። እተን ኣብ ፈቐድኡ ዘለዋ ናይ ጥዕና ትካላት'ውን ኣይክፈታን፣ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝዀና ተገይሩ'ዩ።
ስለዚ ኣብ ገዛ ተዓዅሊሉ ዝመውት ዘሎ ሰብ ብዙሕ'ዩ።
ቢቢሲ፡ ዩኒሰፍ፡ ልዕሊ 100,000 ቈልዑ ትግራይ እኹል ምግብን ክንክንን ይረኽቡ ከምዘይለዉ መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ። ብዙሓት ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ኣብ ሆስፒታላት ከም ዝተዓቝቡ፡ ዕሸላት ዉልዳት'ውን ይሞቱ ከም ዘሎዉ ይዝረብ እዩ።
ኣብዚ ዘሎኩም መረዳእታኸ ከመይ ይመስል? ኵነታት ናይ'ቶም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዘሎዉኸ ከመይ'ዩ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ኣብዚ ክርአ ዘለዎ እቶም ኣሃዛት ይውስኹ ኣለው፤ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ እንተድኣ ወሲድና ልዕሊ 200 ሺሕ፣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ ሓደ ሚልዮን'ዩ።
ስለዚ 60-70% ኣብ ናይ ጥምየት ሓደጋ ከም ዘለዉ ... ሕዚ ኣብ ሆስፒታላትና ዝዕቘቡ ዘለዉ መብዝሕትኦም ምስ ጥምየት ዝተኣሳሰር ፀገማት ዘለዎም'ዮም። ናይ ጥዕና መደበራት ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ክህባ ኢኻ ትፅቢት ትገብረለን፣ ንዝጠመዩ ከዐንግላ ግን ይፅገማ'የን።
በዚ ምኽንያት ኩሉ ናብ ሆስፒታላት ገፁ ይውሕዝ ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ፀገም ኣብ ሆስፒታላት እኹል መግቢ የለን። ነቶም ኣብ ዓራት ዝደቀሱ'ውን እኹል ምግቢ ምሃብ ፀገም ኣሎ።
ቢበሲ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ 70% ካብ 11,000 ነፍሰ-ፆርን ኣጥበውትን ንልዑል ሕፅረት ምግቢ ተቓሊዐን ከም ዘሎዋ ይሕብር። ብኵነታተን እንታይ ሓበሬታ ኣለኩም?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ነብሰ-ፆርን ኣጥበውቲ ኣዴታትን ኣብ ዓብይ ሓደጋ'የን ዝርከባ። እኹል መግቢ ኣይረኽባን፤ እቲ ዝረኽብኦ ድማ ብቀዳምነት ንደቀንን ስድርአን'የን ዝህብኦም።
ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኵነታት ነብሰ-ፆርን ኣጥበውቲ ኣዴታትን 78% ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣለዋ። 70% ዘይኰነስ 78% ... 70% ቅድሚ ክልተ ሰሙን'ዩ ነይሩ። ስለዚ ብቀፃሊ እቲ ኣሃዝ ይዓቢ'ሎ።
ቢቢሲ፡ ፆታዊ ዓመፅ ካብ'ቶም ዝኸፍኡ በሰላታት ኵናት ትግራይ'ዩ። ብዛዕብኡ ኣምነስቲ-ኢንተርናሽናል ሰፊሕ ፀብፃብ ኣውፂኡ ነይሩ። ብወገንኩም ዝበፅሓኩምዎ ኣሃዛዊ መረዳእታታት እንታይ ኣሎ? ግድያት ዓመፅ'ከ ኣብ ከመይ ዓይነት ኵነታት ይርከባ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ እቲ ኣብ ኣሓትናን ኣዴታትናን ዝወደቐ ግፍዒ ዓብይ'ዩ፣ ንዓኣተን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሕብረተሰብና ስነ-ኣእሙሮኣዊ በሰላ ዝሓደገ'ዩ። ኣብያተ ጥዕና ክንከፍት ምስ ጀመርና ብብዝሒ፡ እሞ ኸኣ ብኣሽሓት'የን ክመጻ ጀሚረን። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ኵለን ክመፃ ጐስጓሳት እናካየድና ኢና።
እቲ ጕዳይ ብባህልና ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ኣይጠፍኣክን'ዩ። እቲ ቤተ-ሰብ ኰነ እቲ መቕርበን ነዚ ጕዳይ ክቕበሎ ስለ ዘፀግሞ ዓብይ ፀገም ምዃኑ ይርድኣና። ናብ ዝምልከቶ ትካል ከይደን ክንክን ክረኽባ'ውን ፍቓደኛታት ኣይኰናን።
ስለዚ ቀስ ኢልና ኣብ ከባቢአን ዝርከባ ናይ ስነ-ክንክን ደቂ ኣንስትዮ እናኸድና ሓገዝ ክረኽባሉ ዘኽእለን ፃዕርታት እናኣካየድና ኢና። ቅድም ናይታ ግዳይ ጥዕና ኢና ንርኢ፣ ብድሕሪኡ እቲ ዝድለ ክንክንን ሓገዝን ብከመይ ይሰላሰል ንርኢ፣ ኣብ ጥንሲ ዝበፅሓ'ውን ኣሎዋ'የን።ከቢድ ነገር'ዩ።
ኣብ ልዕሊኡ ናይ ቍጠባ ፀገም ኣለወን። ምናዳ ኣብ ገጠራትና ቍጠባ ስድራቤት ኣብቲ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዝተሓጽረ ንሳተን ክንደይ ፀገም የሕልፋ ከም ዘለዋ ኣይጠፍኣናን።
እዚ ናይ ዓመፅ ፀገም ምስ ተኸሰተ ገሊኦም ገገዲፎመን ከም ዝኸዱ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ተወሳኺ ሓደጋ ይወድቃ ኣለዋ። ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ገለ ማሕበራት እናተማኸርና ናብርአን ኣብ ስሩዕ ክመልሳሉ ዘኽእለን ኣገባባት ኣብ ምንዳይ ንርከብ።
ዝዓሞቘ መፅናዕትታት ንምክያድ'ውን ምድላዋት ንገብር ኣለና። ፀላኢ ኣብ ክልልና ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ኣዴታት ኣብ ገዛ ተዓፅየን ግደ ሕማምን ፅምዋን ኰይነን ዝነበራ ሕዚ ቀስ ኢለን ብምውፃእ ኣብ ትካላትና ክመፃ ጀሚረን ኣለዋ።
ቢቢሲ፡ ስለዚ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ናታተን ጥዕና ብምትኳር፡ ክሳብ ክንደይ ግዳያት ዓመፅ ከም ዝዀና ዝተሰነደ ብዝሕን መጠንን የለን ማለት ድዩ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ዝሓዝናዮ ገምጋማትን ኣሃዛትን ኣለና፣ ንሚድያ ዝኸውን ነገር ኣይኰነን። እቲ ሓበሬታ ምሉእ ንክኸውን ብቐፃሊ ኣብ ምእካብን ምፅፃይን ኢና ንርከብ።
ቢቢሲ፡ ትካል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም (MSF) ብዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ፀብፃብ፡ በቲ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝተኻየዱ ስርቅን ዕንወትን ከምዝተፈፀመን፡ ካብ'ተን ዝነበራ 13% ጥራይ ኣብ ስራሕ ከም ዘለዋ ገሊፁ ነይሩ። ሕዚ እቲ ኩነታት ከመይ ኣሎ?

ዶ/ር ሓጎስ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበራ መደበራት ጥዕና 90% ካብ ስራሕ ወፃኢ ኰይነን'የን። ዳርጋ 22,000 ናይ ጥዕና ሞያተኛታት ተበቲኑ'ዩ። 37 ዝዀኑ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት እናሃቡ ተቐቲሎም'ዮም፣ 78 ዝዀኑ ድማ ሰንኪሎም። እዚ ናይ ምዕራብ ትግራይ'ዩ።
ብዙሓት ማእከላት ኣገልግሎት ጥዕና ጥርሐን ተሪፈን'የ - ዝነበረ መሳርሒ፡ መድሓኒት፡ ቍሳቝስ ተሰሪቑን ዓንዩን። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ገሊአን መደበራት ኣቃፂሎመን'ዮም።
ንገሊአን'ውን ብመዳፍዕ ኣፍሪሶመን'ዮም። ነቲ ተሰኪሞም ክወስድዎ ዘይከኣሉ ኣባልሽዮሞ ከይዶም። ስለዚ ነተን መደበራት ጥዕና ምፍራስን ምድሃኽን ኣካል ናይቲ ዝተኻየደ ውግኣ ገይሮም'ዮም ወሲዶሞ ማለት'ዩ።
ህዝቢ ትግራይ ብኲናት ጥራይ ዘይኰነስ ብጥምየት፡ ብሕማም ክፀንት፣ ተስፋ ቆሪፁ ክበታተንን ክጠፍእን'ዩ ነይሩ ዕላምኦም። ኣብ ገጠራት ዘይረ ዝረኣኽዎ ነገራት ብሓቂ ዘገርምን ዘሕዝንን'ዩ።
ቢቢሲ፡ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ቦትኡ ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ እቶም ዓንዮም ዝነበሩ ትካላት ጥዓና ስርሖም ጀሚሮም'ዶ? ንስኻትኩም እንታይ ትገብሩ ኣለኹም?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ብመጀመርያ እቲ ዝወረደ ዕንወት ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ንምርዳእ ጕጅለታት ኣጣይሽና - ናይ ዩኒቨርሲቲ ሰባትን ምሁራትን - ናይ ገዛ-ዕዮ ብምሃብ ፀብፃባት ኣቕርቡልና ኢልናዮም። ንኹሉ ብቪድዮ ሰኒድናዮ።
ንኹሉ ናይ ጥዕና ሞያተኛ - ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ - ፃውዒት ገርና ነናብ ቦትኡ ክምልሰሉ ኣገባባት እናፈጠርና ኣብ ምእካቦም ተዋፊርና። ክሳብ ሕዚ ሰብ-ሞያ ናብ ቦትኦም ተመሊሶም ኣለዉ።
ይዅን'ምበር ናብ ቦትኡ ተመሊሱ መሳርሒ ስለ ዘይብሉ፡ ዓቢ ሽግር ኣለዎም፣ ብዝተኻእሎ መጠን ግን ካብ ዝተሓተ ጀሚሩ ህርድግ ይብል ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ገባር ኣብ ዘሎዎ ቦታ እናኸደ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።
ሰብ ብዝተኻእሎ እጃሙ የወፊ ኣሎ። ድሌት ሃልዩ መሳርሕን መድሓኒትን ዘይብልካ ክትሰርሕ ፀገም'ዩ። ዕቑር መድሓኒት ካብ ፈቐድኡ እናኣከብና፡ ብዝከኣሎ እቲ በዓልሞያ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ናብ ንቡር ንክንመልሶ ግን ገና ኢና ዘለና።
ቢቢሲ፡ ኣብ ትግራይ መሓውራት ጥዕና ካብ ዓነዉ ክሳብ ክንደይ መጠነ ኣፋውስ ኣሎ? ወይስ ምሉእ-ብምሉእ ፈውሲ የለን?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ኣብ ትግራይ መድሓኒት የለን። እቶም ሕዱር ሕማም ዘሎዎም - ከም እኒ ሕማም ልቢ፣ ኤች-ኣይ-ቪ፣ ሕማም ሾኮር ዝኣመሰሉ - ንምእላይ ትካላትና ናይ ሰለስተ ወርሒ ኣፋውስ ኣብ መኽዘን ክህሉ ይግባእ።
ነቶም ቀፃሊ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሕሙማን ዝኸውን ኣፋውስ ስለ ዘይብልና እዞም ሰባት'ዚኦም ንሞት ከም ዝተፈርዱ ጌርኪ ክትርእይዮም ትኽእሊ። ካብኡ ሓሊፉ ጥምየት፡ ተመሓላላፊ ናይ ዓሶ ሕማም ... ብብዙሕ ሕማም ሰብ ይጥቃዕ ኣሎ። እቲ ዝነበረ ዕቑር ተወዲኡ ሕዚ ኣብ ዓዘቕቲ ኣለና።
ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙርያ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከም ዘጋጠመ ይንገር። እቲ ብ'ደልታ' ዝፍለጥ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ ተራእዩ ኣሎ። እዚ ለበዳ ኣብቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ሳዕቤን ንከይወርድ ትሰርሕሉ ኣለኹም'ዶ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ኵሉ ዓንዩ። ሕዚ ግን ምስ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ኮይንና እቲ ዝነበረ ስርሓት ደጊምና ንክንሃንፆ ኣብ ምስራሕ ንርከብ። ዘድሊ ናውቲ ኣይንርከብ'ምበር፡ ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ካብ ምሃብ ኣይተቘጠብናን።
ቢቢሲ፡ ካብ ኣስተምህሮ ሰጊርኩም ህዝቢ ክግልገለሎም ዝኽእል ካልእ መስርሓት እንታይ ኣሎ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ የለን። ካብ ባዶ ንምጅማር ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ኣለና።
ቢቢሲ፡ ሕዚ ነቲ ኣብ ፈቐድኡ ዘሎ ህዝቢ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዘሎ ህዝቢ ብመዳይ ጥዕና ይዅን ካልኦት ኣገልግሎታት ብኸመይ ኢኹም ትበፅሕዎ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ርግፅ'ዩ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ገንዘብ የብሉን። ሕጽረት ኣገልግሎት ጥዕና'ውን ምስ ገንዘብ ዘይምህላው ይተኣሳሰር'ዩ። እንተ ንሕና ብናጻ ኣገልግሎት ኣብ እንህበሉ ኣገባባት ብዝተኻእለና መጠን ንሰርሕ ኣሎና። ኣብ እዋን ቅልውላው፡ መንግስቲ'ዩ ሓላፍነት ዝወስድ።
እንሆ ኸኣ ዝከኣለና ንገብር። እቲ ኣገልግሎት እኹል ድዩ እንተ ድኣ ኢልና ግን እቲ መልሲ፡ ኣይፋልን'ዩ።
ቢቢሲ፡ትግራይ ኣብ ወግዓዊ ዘይኰነ ዕግታን ሰብ-ዝሰርሖ ጥምየትን ትርከብ ክብል ሕቡራት ሃገራት ገሊፅዎ'ዩ። ንስኻትኩም ኣብቲ ዝነበርኩምዎ መዝነት ካብ ትምለሱ እንሆ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓሊፉ። ነቲ ሰብ-ሰርሖ ጥምየት ንምፍታሕ፡ ዘካየድኩምዎ ስራሕ እንታይ ኣሎ?
ዶክተር ሓጎስ፡ ምስ መዳርግትና እንሰርሖም ስራሓት ኣለዉ። ግን ድማ ክንፈትሖም ዘይንኽእል ጕዳያት ኣለዉ - ናይ ርክባት (ኮምዩኒከሽን) መስመራት ዘይምህላው፡ ጥረ ገንዘብ፡ ነዳዲ ዘይምህላው፡ ናይ ቀረብ ጕዳይ ባዕላትና ክንፈትሖም ኣይንኽእልን።
ቢቢሲ፡ ምስ ዓለም-ለኻውያን ማሕበራት ነዞም ፀገማት ንምፍታሕ እተካይድዎም ልዝባትን ምትእስሳራትን ኣለዉ'ዶ?
ዶክተር ሓጎስ፡ እወ፤ ናይ ግዳም ስርሓት እነካይደሉ ቤት ፅሕፈት ኣለና። ምስ ኣብ ግዳም ዘሎዉ ማሕበራት ምሁራን ተጋሩ ብምትእስሳር ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ጕዳይ ጥዕና ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ክትራኸቡ ፈቲንኩም ትፈልጡ'ዶ?
ዶ/ር ሓጎስ፡ ምስቲ ናይ ጥዕና ሚኒስትሪ ናይ ፈደራል መንግስቲ እንተዀይኑ ርክብ ክህልወና ኣይኽእልን። እቲ ሽግር ብፈዴራል እናመፀ፡ ንሳቶም ንፀገምና ከግድዱ'ምበር ክፈትሑ ኣይኽእሉን።
ቢቢሲ፡ 'መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ'ዩ' ክትብሉ ትስምዑ ኢኹም እሞ፡ ከም ምምሕዳር፡ ነዚ ጊዜ ዘይህብ ጥሜት ንምፍታሕ ኣጀንዳ ኣውፂእኩም ኣይሰራሕክምሉን ዘስምዕ ቅረታታት ይቐርብ'ዩ።
ዶክተር ሓጎስ፡ ሰሪሕኩም/ኣይሰራሕኩምን ዝበሃል ነገር ኣብ ምንታይ'ዩ ንዝብል ምርዳእ የድሊ። ብዓብይኡ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ብፀላኢ ተታሒዙ ዝነበረ መሬቱ ሓራ ኣውፂኡ ህዝቢ ብሰላምን ድሕንነትን ይነብር ስለ ዘሎ እዚ ከም ዓቢ ነገር ክውሰድ ይከኣል። ህዝቢ ንኸይጠሚ ናይ ጥዕና ምንቅስቓሳት ከውፍር ይርአ ኣሎ ...
[ስልኪ ተቛሪጹ]

እቲ ምስ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝተኻየደ ቃለ-መሕተትስልኪ ስለ ዝተቛረጸ ኣይተኸምበተን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







