ወርሒ ምዕባይ ግንዛበ መንሽሮ ጡብ፡ 'ኣብ ዝኾነ ዕድመ ዘጋጥም ምዃኑ ኣነ ምስክር'የ'

ምንጪ ስእሊ, Lucy Lepe
ሉሲ መጀመርታ ኣብ ጡባ ሕበጥ ክትረክብ እንከላ፡ ፈጺሙ መንሽሮ [ካንሰር] ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን።
ጡባ ናይ ምፍታሽ ልምዲ ስለ ዘይነበራ "ሃንደበት" እያ ኣብቲ ከባቢ ሕበጥ ምህላው ፈሊጣ።
"ጓል 50 ዓመት ምስ ኮንኩ ምፍታሽ ክጅምር'የ ኢለ ይሓስብ ነይረ" ዝበለት ሉሲ መርመራ ምስ ገበረት ኣብ 26 ዕድሚኣ መንሽሮ ጡብ ከም ዘለዋ ፈሊጣ።
ኣብዚ ወርሒ ኢንግሊዛዊት ድምጻዊት ሳራ ሃረዲንግ ብሰንኪ መንሽሮ ጡብ ከም ዝሞተት ይፍለጥ።
በዚ ምኽንያት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ብኣጋ ኣጥባተን ሕበጥ ከይህሉ ክፍትሻን መርመራ ክገብራን ይምዓድ።
ብዙሓት መናእሰይ እቲ ሕማም ከጥቅዐን ከም ዝኽእል ግንዛበን የብለንን፤ እንተኾነ መንሽሮ ካብ 25 ክሳብ 49 ዕድመ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ከጋጥም ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ዶክተር ትም ኢሉ'
ሉሲ፡ ሃንደበት ካብ ስራሕ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲዳ ናብ ሕክምና ከይዳ።
"እዚ ኩል ግዜ'የ ዝሓስቦ፤ ሽዑ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ምውሳደይ ዕድለኛ እየ። ሳልኡ'የ ሕጂ ኣብዚ ዘለኹ እምበር ካልእ ነገር ክፍጠር ይኽእል ነይሩ" ትብል።
ሉሲ፡ መጀመርታ ሓኪም ናብ ናይ ጡብ ሕክምና ኪዲ ክብላ እንከሎ ሕጂ'ውን ኣይጠርጠረትን።
ሓፍታ በጃኺ ኣልትራሳውንድ ግበሪ ኢላ ክትጭቕጭቓ ከላ ግን ገለ ሕማቕ ነገር ኣሎ ኢላ ክትሓስብ ጀሚራ።
"እቲ ሓኪም ትም ኢሉ" ዝበለት ሉሲ ድሕሪ ሰሙን መንሽሮ ከም ዝኾነ ተነጊሩዋ። ድሮ ክኣ ናብ መትንታታ ክዝርጋሕ ጀሚሩ።
ስለዚ ብቕልጡፍ ኬሞቴራፒ፣ ጸርገ ምፍዋስን [ራዲዮቴራፒ] መጥባሕትን ክትገብር ግድን ኮይኑ።
"ክበልዕ ኮነ ክድቅስ ዘይኽኣልኩሉ ግዜ ነይሩ። ኣብ መዓልቲ ን20 ሰዓታት ከይደቀስኩ . . . ካብቲ ዝተጋደምኩሉ ዓራት ከይተሳእኹ ይሓልፍ። ተዳኺመ፣ ቆርበተይ ሓሚቑ፣ ሽፋሽቲ ዓይነይ ከይተረፈ ኩሉ ጸጉሪ ርእሰይ ረጊፉ" ትብል።
ሉሲ፡ መጥባሕቲ ምስ ተገብረላን ራዲዮቴራፒ ምስ ወሰደትን ጽቡቕ ብስራት ትሰምዕ፤ ዋላ ሓደ መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት ከም ዘይተረፉ ተነጊሩዋ።

ምንጪ ስእሊ, Lucy Lepe
ሕጂ ናይ ሆርሞን ሕክምና እናወሰደት ኣብ ለንደን CoppaFeel! ተባሂሉ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ምዕባይ ግንዛበ መንሽሮ ዝነጥፍ ገባሪ ሰናይ ትካል ትሰርሕ ኣላ።
"ኣየጋጥመንን ኢልክን ኣይትሕሰባ። ክፉእ ምሕሳብ ዘይኮነስ ናይ ግንዛበ ጉዳይ'ዩ" ክትብል ትምዕድ።
ብኻልእ ወገን "ኣብ ዙርያ ሕማም ዝስዕብ ኢንታ ስለ ዘሎ ኣግሂድና ብዛዕባ ሕማማት ከነውግዕ ኣይንደልን፤ ክንዛረብ'ዩ ዝግባእ። ኣብቶም ብዛዕባ መንሽሮ ዝስርሑ መወዓውዒታት'ውን ጸለምቲ ሰባት ኣይርእን . . . ጸለምቲ ብዛዕባ መንሽሮ ክዛረባ ኣይርእን። ዘጋጥመና ኣይመስልን" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Fran Whitfield
ፍራን'ውን መንሽሮ ጡብ ከጋጥመኒ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን፤ እንተኾነ ጓል 14 ዓመት እናሃለወት ኣብ ጡባ ሕበጥ ምህላው ኣለልያ።
መጀመርታ ዶኳትር "ናይ ሆርሞን" ሕበጥ'ዩ ኢሎም መሊሶምዋ።
ድሕሪ 18 ኣዋርሕ ግን ካልእ ሕበጥ ምስ ረኸበት ዳግም ተመሊሳ ብምኻድ መርመራ ገይራ።
ብተደጋጋሚ ድሕሪ ዝተገብረላ መርመራ ድማ ደረጃ ኣርባዕተ መንሽሮ ጡብን ናይ ርእሲ ሕበጥን ከም ዘለዋ ፈሊጣ።
ንኽልተ ዓመት ጥራይ ብህወይት ክትጸንሕ ከም እትኽእል ሓካይም ነጊሮምዋ።
"ጓል 25 ዓመት ነይረ፤ ጽቡቕ ተኽለ ሰብነት ዝነበረኒ ሰብ እየ። ግን ድማ እዚ ንኹሉ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ከጋጥም ዝኽእል ምዃኑ ህያው ምስክር'የ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Fran Whitfield
"ተኸታታሊ ናይ ኬሞቴራፒ" ሕክምና እናገበረት ስለ ዝመጽአት ሕጂ እቲ መንሽሮ ዝግ ኢሉ ኣሎ።
"መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ መንሽሮ ጡብ ክገጥመን ይኽእል'ዩ" ዝብል ግንዛበ ንምዕባይ ድማ ታሪኻ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ተካፍል ኣላ።
"ኩሉ ዝሓለፍኩዎ ሰኒደዮ'የ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ'ውን ብግልጺ ኣውጊዐሉ። እዚ ጉዳይ ናይ ዓበይቲ ጥራሕ ዝመስሎ ኣሎ። ኣነ'ውን ቅድሚ ሓደ ዓመት ክሳብ ዝዓቢ ክጭነቐሉ የብለይን ኢለ ይሓስብ ነይረ" ትብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







