ተመራመርቲ፡ ሕንዚ ንህቢ ንዋሕዮታት መንሽሮ ጡብ ከምዝቐትል ኣረጋጊጾም

ሕንዚዝ ንህቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣውስትራልያውያን ተመራመርቲ ሕንዚ ንህቢ ንዋህዮታት መንሽሮ ጡብ ከምዝቀትል ኣረጋጊጽና ኢሎም።

እቶም ተመራመርቲ፡ ኣብ ቤተ ፈተነ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ እቲ ሕንዚ መሊቲን ዝብሃል ባእታ ከምዘለዎን ነቶም ንኽሓውዩ ኣዝዮም ከበድቲ ዝኾኑ ትሪፕል ነጋቲቭን ኤችኢኣር2 ዝተብሃሉን ዓይነታት መንሽሮ [ሕማም ካንሰር] ከሕውዮም ከምዝከኣለ ገሊጾም።

እቲ ውጽኢት ኣተባባዒ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እዞም ተመራመርቲ ተወሳኺ ምርምራት ከምዘድልዩ ግን ኣይሓብኡን።

ናይ ጡብ መንሽሮ ሓደ ካብ ዓይነታት መንሽሮ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዘጥቅዕ ዘሎ ሕማም እዩ።

ኣብ ቤተ ፈተነ ነቶም መንሽሮ ዘስዕቡ ዋህዮታት ዘጥቅዑ ብዙሓት ከሚካላት ከምዝተስርሑ ብምሕባር እንተኾነ እቶም ውሑዳት ጥራይ ኣብ ሰብ ተፈቲኖም ነቲ መንሽሮ ኣብ ምሕዋይ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

ሕንዚ ንህቢ፡ ጸረ ዋህዮታት መንሽሮ ከምዘለዎ ኣቐዲሙ ዝተገበረ ምጽናዕቲ እኳ ኣረጋጊጽዎ እንተነበረ ኣብ ማላኖማ ዝብሃል መንሽሮ እምበር ኣብ ትሪፕል ነጋቲቭን ኤችኢኣር2 ዝተብሃሉን ዓይነታት መንሽሮ ውጽኢት ከምጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረን።

እዚ ኣብ ኣውትራልያ ዝርከብ ሃሪ ኦርኪንስ ዝተብሃለ ትካል ምርምር ዝገበሮ መጽናዕቲ ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ተቐባልነቱ ንከውሕስ ኣብ ናቹራል ፐሪሲሽን ኦንኮሎጂ ዝተብሃለ መጽሄት ኣሕቲምዎ ኣሎ።

እቲ ምርምር እንታይ’ዩ ሓዲሽ ርኽበት እዩ ኣመዝጊቡ?

እቲ ሕንዚ ካብ 300 ኣናህብ እዩ ተዋህሊሉ። ሓንቲ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ብምሪሕነት ዘካየደቶ ጓል 25 ዓመት ዶክትር ሲያራ ዱፊ ኮይና እቲ ውጽኢት ሕማም መንሽቶ ጡብ ንኽፍውስ “ኣዝዩ ዓቢ ዓቕሚ ዘለዎ’ዩ” ኢላ።

ዶክትር ሲያራ ዱፊ “እቲ ሕንዚ ናይቲ ንህቢ፡ ንኻልኦት ዋህዩታት ናይቲ ሕሙም ሃስያ ከየውረደ ነቶም ዋህዮታት መንሽሮ ጡብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ናይ ምቕታል ዓቕሚ ዘለዎ’ዩ” ኢላ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ሕንዚ ንህቢ ዝርከብ መሊቲን ዝባህል ባእታ እቶም ዋህዮታት ናይ ጡብ ካንሰር ከይራብሑ ዝኽልክል ኮይኑ ከምዝረኸብዎ’ውን እታ ዶክተር ገሊጻ።

እቲ ኣብ ሕንዚ ንህቢ ዝርከብ መሊቲን ዝተብሃለ ባእታ ኣብ ቤተ ፈተነ ክስራሕ ስለዝኽእል ከኣ ዝያዳ እፎይታ ዝፈጥር እዩ ይብል እቲ መግለጺ።

እቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ካብ ሕሙማት መንሽሮ ጡብ ዝሓመኦ ትሪፕል ነጋቲቭ ዝተሰመየ መንሽሮ ጡብ ሓደ ካብ ሓደገኛታት መንሽሮታት ጡብ ኮይኑ ንምፍዋሱ ብመጥባሕቲ፡ ራድኦትራፕን ኬሞትራፕን እዩ ክፍተን ጸኒሑ።