ቁመት ንሓደጋ መንሽሮ ከቃልዕ ይኽእል'ዶ?

ነዊሕ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰባት ነዊሕ ቁመት፡ ብሕማም መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ልዑል'ዩ ይብል ሓድሽ ዝወጽአ መጽናዕቲ።

ሕሉፍ ጸብጻባት ኣብ ኣብ ተመሳሳሊ መደምደምታ በጺሖም'ዮም፡ ግና ነዋሕቲ ሰባት ክፈርሑ ኣለዎም ድዩ ዋላስ ካብ ዓቕሙ ዝተመጠጠ ዛንታ'ዩ?

ሰብ ሞያ፡ ምስ ከም ምትካኽ ሽጋራ ዝኣመሰሉ ምኽንያት ሕማም መንሽሮ እንትነጻጸር፡ ነዊሕ ቑመት ብቑሩብ ዝዛየደ ሓደጋ ኣለዎ በሃልቲ'ዮም።

ከምኡ'ውን ቀንዲ ነቲ ርክብ ዝደረኸ ጠንቂ ንጹር ኣይኮነን። ነዋሕቲ ሰባት ናብ መንሽሮ ክቕየሩ ዝኽእሉ ዋህዮታት ኣለዎም ዝብል ክልሰ ሓሳብ ኣሎ።

ኾይኑ ግና ብርኪ ሆርሞናት፣ ካልኦት ሕማማትን ከምኡ'ውን ኣብ ቁልዕነት ዝህሉ ድኽነትን ሃብትን፡ ኣብ ቁመትን ሓደጋ ካንሰርን ናይ ባዕሎም ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል'ዩ።

እቲ ነቲ ጸብጻብ ዝጸሓፈ ዶክተር ሌናርዶ ነነይ ከም ዝብሎ፡ ሓደ ሰብ ንመንሽሮ ዝህልዎ ተቓላዕነት፡ ኣብ ቁመቱ'ዩ ዝምርኮስ ይብል።

"ብማእኸላይ ገምጋም 50/500 ቑመት ዘለዎን ደቂ ኣንስትዮ ሕማም መንሽሮ እንተድኣ ሃልዩወን፡ 60/600 ቆማታት (178 ሴንቲ ሜትሮ) ደቂ-ኣንስትዮ ብመንሽሮ ናይ ምትሓዝ ተኽእሎ ኣለወን። ነዋሕ ጓል-ኣንስተይቲ እንተወሲድና፡ ንበል 188 ሴንቲ ሜትሮ፡ 67/500 ይኸውን ማለት'ዩ" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ሳዕቤን ምትካኽ ሽጋራ ልዑል'ዩ። ሓደ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ዘትክኽ ሰብ፡ ብመንሽሮ ሳንባ ናይ ምትሓዝ ዕድሉ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ይዓቢ። እዚ ማለት 50/500 ዝነበረ 300/500 ይከውን ማለት'ዩ" ይብል ዶክተር ሌናርዶ።

እዚ ብሮያል ሶሳይቲ ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ሓደ 178 ሴንቲ ሜትሮ ቑመቱ ሰብ (ወዲ ተባዕታይ) 160 ሴንቲ ሜትሮ (ጓል ኣንስተይቲ)፡ ካብ ዘለዎ ብ10 ሴንቲ ሜትሮ እንተዓብዩ፡ እዞም ሰባት ብሕማም መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ልዕሊ 10 ሚኢታዊት'ዩ።

እዚ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ዘካተተ ኾይኑ፡ 23 ዓይነታት መንሽሮ መሰረት ገይሩ ኣብ ሃገራት ብሪጣንያ፣ ኣሜሪካ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኦስትሪያ፣ ኖርወይን ስዊድንን'ዩ ተኻይዱ።

ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ፡ ጾታ 10 ሽሕ ዓይነታት መንሽሮ ንነፍሲ ወከፍ ጾታ ዘካተተ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ክልቲኡ ጾታ ዝተገበረ መርመራ 18 ዓይነታት መንሽሮ፡ ኣብ ናይ ኣፍ፣ ኣፍንጫን ከብድን ዘጋጥም መንሽሮ፡ ምስ ምውሳኽ ቑመት ዘራኽብ ምኽንያት ከምዘይብሉ ኣረጋጊጹ'ዩ።

ሰብ ሞያ እንታይ ይሓስቡ?

ቑመት፡ ንሓደጋ መንሽሮ ካብ ዘቃልዑ ብዙሓት ረቛሒታት ሓደ'ዩ። ግና ሓደግኡ ዓቢ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ከም በዓል ርጉዲ ዝበሉ ካልኦት ናይቲ ሓደጋ ረቛሕቲ ብምምሕያሽ ኣነባብራ ከተጉድሎም ዝካኣል'ዩ፡ ቑመት ግን ክዕረ ኣይካልን'ዩ።

ጆርጂና ሂል፡ ካብ ማእኸል መጽናዕሪ መንሽሮ ብሪጣኒያ፡ "ቑመት ኣብ መንሽሮ ዘለዎ ሓደጋ ብዙሕ ዝጋነን ኣይኮነን፡ እዚ ሕማም ንምክልኻል ክንገብሮም ዝግብኡ ብዙሓት ነገራት ኣለው፡ ከም ጥዕና ዘለዎ ሚዛን ሰብነት ክህልወካ ምግባርን ሽጋራ ዘይምትካኽን" ትብል።

መራሒ ጉጅለ ናይቲ መጽናዕቲ ዶክተር ጆን ኒል፡ "ብዙሕ ሴላት እንተድኣ ሃሊዩካ፡ ብመንሽሮ ናይ ምጥቃዕ ዕድልካ ሰፊሕ'ዩ። ነዋሕቲ ቑመቶም ዝኾኑ ሰባት፡ ብዝሒ ዘለዎ ናይ ሰብነት ክፍሊ ስለዝህልዎም፡ ሜታኖይስ'ውን ስለዝበዝሖም፡ ሜላኖማ ብዝተብሃለ ዓይነት መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድል ኣለዎም" ኢሉ።

ረብሓ ቑመትከ?

ፕሮፌሰር ሜዲካል ስታስቲክስ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ቲም ኮሌ ብወገኑ፡ ብውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ክትርበሹ የብልኩምን ኢሉ።

"ነዊሕ ምዃን ብዙሕ ረብሓታት'ዩ ዘለዎ። ስለዝኾነ፡ እዛ ሓንቲ ኣሉታዊት ረቛሒት ክሳብ ክንድቲ ሓደገኛ ኣይገብራን'ዩ። ብዙሕ ገንዘብን ሹመትን ዝረኽቡ ሰባት ነዋሕቲ'ዮም" ኢሉ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን፡ ጀስቲን ትሩዱን ካብቶም ነዋሕቲ ዝበሃሉ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰባት'ከ እንታይ በሉ?

ዳይሬክተር ክለብ ነዋሕቲ ብሪጣኒያ፡ ስቷርት ሎጋን፡ ግን እቲ መጽናዕቲ ምስቲ ቅድም ኢሎም ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ዘይሳነ ግጉይ'ዩ ይብል።

"ብማእኸላይ፡ ንውሒ ቑመት ደቂ ተባዕትዮ 190 ወይ 193 ሴንቲ ሜትር፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 177 ወይ ድማ 180 ከምዝኾነ ኣለሊና ኢና። ስለዝኾነ ድማ፤ መጽናዕቲ ዘካይዱ ሙሁራት፡ ከምዚኦም ዝበሉ ዝተፈላለዩ መግለጺታት ከተኣናግዱ ይግባእ" ኢሉ።

"ከምዚኦም ዝበሉ ጸብጻባት ብመረዳእታ ዝተሓገዙ ስለዘይኮኑ ድማ ሓገዝቲ ኣይኮኑን" እውን ኢሉ።