ጋዜጠኛታት ማሪያ ሬሳን ዲመትሪ ሙራቶቭን ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኮይኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፊሊፒናዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠኛ ማሪያ ሬሳን ሩስያዊ ጋዜጠኛ ዲመትሪ ሙራቶቭን ናይዚ ዓመት ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ዘፈር ሰላም ኮይኖም።
ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ክልቲኦም ጋዜጠኛታት መሰል ሓሳብኻ ብናጽነት ምግላጽ ንምሕላው ንዝገበሩዎ ኣበርክቶ ከም ዝሸለሞም ኣፍሊጡ።
እቶም ጋዜጠኛታት ካብ ሞንጎ 239 ሕጹያት’ዮም ተዓወትቲ ኮይኖም።
እዚ ዓብዪ ኣፍልጦ ዘለዎ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝተዓወቱ ጋዜጠኛታት ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ኖርወጂያን ኖቤል ተረኺቦም 1.1 ሚሊዮን ዶላር ኣመሪካ ክቕበሉ’ዮም።
ተሓላቒት ስነ ኸባቢ ግሬታ ተንበርግ፣ ተሓላቒ መሰላት መራኸቢ ብዙሃን ዝኾነ ትካል ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ከምኡ'ውን ትካል ጥዕና ዓለምን ኣብዚ ዓመት፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክዕወቱ’ዮም ተባሂሎም ትጽቢት ተገይሩሎም ነይሩ።
ፊሊፒናዊት ኣመሪካዊት ጋዜጠኛን ጸሓፊትን ማሪያ ሬሳ ንልዕሊ 20 ዓመታት ጋዜጠኛ መርመራዊ ጸብጻባት ኮይና ኣብ ሲኤንኤን ሰሪሓ።
ብ2020፡ ማሪያ ሕጊ ሳይበር ፊሊፒንስ ተመሓላሊፋ ብዝብል መንግስቲ ፊሊፒንስ ከሲሱዋ ነይሩ።
ነቐፍቲ ግን እታ ጋዜጠኛ ስርሓ ጠጠው ንክተብል ጸቕጢ ንምግባር እምበር ዝጥሓሰቶ ሕጊ የለን ክብሉ ተኻቲዖም።
ሩሲያዊ ጋዜጠኛ ዲመትሪ ሙራቶቭ ብወገኑ ምስ ካልኦት ናይ ሞያ መሓዙቱ ኮይኑ ኣብ ዝመስረቶ ጋዜጣ ‘ቮቫጃ’ ኣብ ሩሲያ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ዘይሻራዊ ሓሳባት ብናጽነት ዕድል ንክረኽቡ ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ ክብል ትካል ሽልማት ኖቤል ገሊጹ።
ንሱ ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ኤዲተር እታ ጋዜጣ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
“ናጻ፣ ዘይሻራውን ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮዘን ጋዜጠኝነት ስልጣን ብዘይኣግባብ ምጥቃም፣ ሓሶትን ፕሮፖጋንዳን ንምክልኻል ይሕግዝ” ይብል መግለጺ እቲ ኮሚቴ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጥምየት ኣብ ምቅላስን ንሰላምን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ምዃኑ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







