ሽልማት ኖቤል ሰላም 2021፡ ሽዱሽተ ኣካታዕቲ ተዓወትቲ ኖቤል ሰላም

ተዓወትቲ ኖበል ሰላም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2021 ሎሚ ዓርቢ ብኣቆጻጽራ ለንደን ሰዓት 10፡00 ናይ ምሸት ክንገር እዩ።

እዚ ኣብ ዓለም ብፍሉይ ክብሪ ዝረአ ሽልማት ኖቬል ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ሽዱሽተ ሽልማታት ዓለም ኮይኑ፡ ሽወደናዊ ተመራማሪ ስነ ፍልጠት ነጋዳይን ገባር ሰናይን ኣልፍረድ ኖቤል ዝመስረቶ ሽልማት እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ብሰንኪ እቲ ፖለቲካዊ ባህሪ ልዕሊ እቲ ካልእ ሓሙሽተ ዓውድታት ሽልማት ዝያዳ ኣካታዒ እዩ።

ኣብዚ ሽልማት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝተራእየ ክትዕ ክለዓል ይኽእል'ዶ ይኸውን?

እምበኣር ካብቲ ብዙሕ ዘከራኸረን ንሓያሎ ዘግለለን ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀጺሉ እነሆ።

Short presentational grey line

ባራክ ኦባማ

ኦባማ ፕሬዝደንት ኣመሪካ እናሃለወ ብ2009 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተበርኪቱሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኦባማ ፕሬዝደንት ኣመሪካ እናሃለወ ብ2009 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተበርኪቱሉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ኣብ 2009 ሽልማት ኖበል ሰላም ምስ ተዓወተን ናይ ሰላም ሎሬት ምስ ኮነን ብዙሓት ሰባት ተደኒቖም እዮም።

ኦባማ ንባዕሉ ኣብታ ኣብ 2020 ዝጸሓፋ ናይ ተዘክሮኡ መጽሓፉ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ምዃኑ ምስ ሰምዐ፡ "እንታይ ስለ ዝገበርኩ'የ?" ዝብል ሓሳብ ከም ዝነበሮ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ኦባማ ኣብ ስልጣን ትሽዓተ ወርሒ ጥራይ እዩ ገይሩ ነይሩ።

እቶም ነቐፍቲ እውን ነቲ ውሳነ ህውኽ'ዩ ነይሩ ክብሉ ነቒፎምዎ።

ግደ ሓቂ እቲ ሕጹያት - ኖቬል ናይ ምቕራብ ደረት ግዜ ካብቲ ኦባማ ስልጣኑ ዘመረቐሉ ግዜ ድሮ 12 መዓልታት ሓሊፉ ነይሩ።

ኣብ 2015፡ ዳይረክተር ትካል ኖቤል ዝነበረ ጂር ሉንደስታድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ነቲ ሽልማት ዝወሰነ ኮሚቴ በቲ ውሳነ ከም ዝተጣዕሰ ገሊጹ።

ኣብቲ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ ክልተ እብረ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ውግእ ይሳተፉ ነይሮም።

ያሰር ዓራፋት

ያስር ዓራፋት [ጸጋም] ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ይስሃቅ ራቢንን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ እስራኤል ሺሞን ፔሬስን ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ሽልማት ኖቤል 1994

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ያስር ዓራፋት [ጸጋም] ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 1994 ኯይኑ ክምዘዝ እንከሎ ኣብቲ ተሸለምቲ ሓጽዩ ዘቅርብ ኮሚቴ ምክፍፋል ተፈጢሩ ነይሩ

ኣብ 1994 ፍልስጤማዊ መራሒ ያሲር ዓራፋት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ይስሃቅ ራቢንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ሺሞን ፔረስን ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ዘሎ ግጭት ክፈትሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ 1990ታት ኦስሎ ብዝገበሩዎ ስምምዕ ሰላም ተሸሊሞም።

ሓደ ኣብ ንጥፈታት ፓርላማ ዝሳተፍ ዝነበረ ሰብ እቲ ንያሲር ዓራፋት ዝተዋህበ ሽልማት ቅቡል ኣይኮነን ክብል ኣብ እስራኤልን ኪንኡን ተቓውሞን ነቐፌታን ኣለዓዒሉ።

ዓረፋት ንሽልማት ኖቬል ምስተሮቕሐ'ውን ኣብ ውሽጢ'ቲ ኮሚተ ሕቶታት ኣበጊሱ።

ሓደ ካብቶም ኣባላት እቲ ኮሚተ፡ ኖርወጃዊ ፖለቲከኛ ካሬ ክሪስቲያስን ነቲ ሕጸ ብምቅዋም ብገዛእ ፍቓዱ ተኣልዩ።

አንግ ሳን ሱቺ

ኣንግ ሳንሱቺ ብ1991 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንግ ሳንሱቺ ብ1991 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡዋ

ኣብ ሚያንማር፡ እታ ውርይቲ በርማዊት ፖለቲከኛ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ እታ ሃገር ብዘይምቍራጽ ብዘካየደቶ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ1991 ናይ ሰላም ሽልማት ዓቲራ።

ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ኣስታት ልዕሊ 20 ዓመት፡ አንግ ሳን ሱቺ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ሮሂንጂያ ንዝተፈጸመ ብውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከም 'ጃምላዊ ቅትለት' ዝተገልጸ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓው ኢላ ስለ ዘይተዛረበት፡ ከቢድ ነቐፌታ ከም ዝወረዳ ይፍለጥ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነቲ ዝተዋህባ ሽልማት ኖቤል ክትሕደግ ሕቶ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ እቲ ንሽዱሽተ ዓውድታት ሽልማት ኖበል ዝምልከት ጉዳይ ከምኡ ንኽግበር ስለ ዘየፍቅድ ኣይተሓድገትን።

ኣብይ ኣሕመድ

ኣብዪ ኣሕመድ ብ2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዪ ኣሕመድ ብ2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዋሂቡ

ኣብ ታሕሳስ 2018፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ብሰንኪ ዶባዊ ጉዳይ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ንምፍታሕ ብዝገበሮ ጻዕሪ ናይ ሰላም ሽልማት ተሸሊሙ።

ይኹን እምበር ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ቅኑዕ ድዩ ኔሩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶታት ኣለዓዒሉ።

ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ዝሳተፉ ሰራዊት ምውፋሩ ነቒፉዎ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኣሽሓት ሰባት ዘጥፈአ ኣዕናዊ ኵናት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ዘጉህን ዘስካሕክሕን ጥፍኣት' ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

ዋንጋሪ ማታይ

ዋንጋሪ ማታይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋንጋሪ ማታይ ኣብ መበቆል ኤችኣይቪ ብዝሃበቶ ርኢይቶ ትንቀፍ

ኬንያዊት ተጣበቒት ሰብኣዊ መሰላት ዋንጋሪ ማታይ ኣብ 2004 ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ተሸላሚት ኖበል ኮይና።

ይኹን እምበር እቲ ዝረኸበቶ ዓወት ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ. ኤይድስ ብዝሃበቶ ርእይቶ "ኣይግባኣን እዩ" ብዝብል ብዙሕ ከዘራርብ ጀሚሩ።

ዋንግሪ ማታይ፡ ቫይረስ ኤች.ኣይ.ቪ፡ "ንጸለምቲ ንምዕናው ብፍላጥ ዝተሰርሐን ዝተወጠነን ስነ-ህይወታዊ ኣጽዋር እዩ" ክትብል'ያ ርእይቶኣ ሂባ።

እንተኾነ ነቲ ዘቕረበቶ ሕቶ ዝድግፍ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖ ኣይተረኽበን።

ሄንሪ ኪሲንጀር

ሄንሪ ኪሲንገርን [የማን] ሊ ዱቸ ቱን [ኢዱ ንላዕሊ ሓፍ ዘበለ] ብ1973 ኣብ ቬትናም ምቁራጽ ተጻብኦ ብምግባሮም ተሸሊሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሄንሪ ኪሲንገርን [የማን] ሊ ዱቸ ቱን [ኢዱ ንላዕሊ ሓፍ ዘበለ] ብ1973 ብሓባር ሽልማት ኖቤል ሰላም ወሲዶም፤ እንተኾነ እቲ ቬትናማዊ ፖለቲኸኛ ነቲ ሽልማት ነጺጉዎ

ኣብ 1973፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሄንሪ ኪሲንጀር ናይ ሰላም ሽልማት ረኸበ ።

ይኹን እምበር ንከም ኣብ ካምቦድያ ዝተገብረ ምስጢራዊ ናይ ቦምባታት መጥቃዕትን ከምኡ እውን ንቐተልቲ ወተሃደራዊ መንግስታት ደቡብ ኣመሪካን ምድጋፍ ኣብ ዝኣመሰለ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ዝተሳተፈ ሰብ ምሽላም ቅቡል ኣይኮነን ብዝብል ኣዘራረቢ ኮነ።

ኪሲንጀር ምስ መራሒ ሰሜን ቬትናም ሊ ዱቸ ቱ ብሓባር ውግእ ቬትናም ተዅሲ ደው ንምባል ብምስምምዖም ሽልማት ሰላም ተቐቢሉ።

ክልተ ኣባላት ኮሚቴ ሽልማት ኖበል፡ ንሕጸ እቶም ክልተ ሰበ ስልጣን ብምቅዋም ብፍቓዶም ካብቲ ኮሚቴ ተሰናቢቶም።

ይኹን'እምበር ኒው ዮርክ ታይምስ ነቲ ተቓውሞ ሽልማት ኖበል ብምንጻግ ነቲ ዓወት ብዝያዳ ኣቃሊሑዎ።

ጥራይ ኢዱ ጋንዲ

ማህተማ ጋንዲ ምስ ደቂ ደቁ ዝኾና ኣቨን ማኡን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጋንዲ ካብቶም ፍሉጣት ኣካታዕቲ ሕጹያት ሽልማት ኖቤል ሰላም'ዩ

ሽልማት ኖበል፡ ንገለ ሰባት ብምግላፍን ምግላልን እውን ፍሉጥ እዩ ።

ኣብ ናይ ሰላም ምድብ፡ እቲ ኣዝዩ ኣደናቕን ኣዘራራብን ነገር፡ ንማህተመ ጋንዲ ካብ ናይ ሽልማት ኖቬል ምትራፉ እዩ።

እቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ምልክት ምንቅስቓስ ፓሲፊክ ዝዀነ ህንዳዊ ፖለቲከኛ ንሽልማት ኖቬል ብተደጋጋሚ እኳ እንተተሓጽየ፡ እቲ ሽልማት ግና ኣይተዋህቦን ።

ብ2006 ኖርወጃዊ ተመራማሪ ታሪኽ ዳሕራይ ናይታ ናይ ሰላም ተሸለምቲ ሕጹያት እትመርጽ ፕረዚደንት ዝኾነ ጂር ሉንደስታድ ፡ ነቲ ጋንዲ ዝዓመሞ ዓወታት ኣፍልጦ ዘይምሃብ ኣብ ታሪኽ ናይ ኖቬል ሽልማት እቲ ዝዓበየ ኣግልሎ ምዃኑ ይፍለጥ።