ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ብዘሎ ናህሪ ኮቪድ-19 ተሻቒሉ

ኣብ ኤውⶂጳ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣውሮጳ ብዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዝተሻቐለ ብምሕባር ሰባት ኣብ ኩሉ ምንቅስቓስን ምትሕውዋስን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን [ማስክ] እንተኣዘውቲሮም ነቲ ዝርገሐ ንምግታእ ከም ዝሕግዝ ሓቢሩ።

ዞባዊ ዳይሬክተር ዶክተር ሃንስ ክሉግ፡ ካብ ሕጂ ጀሚርካ ኣብ ምክልኻል ህጹጽ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ፡ ኣብ ዝመጽእ መጋቢት፡ 500,000 ሰባት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣጠንቂቑ።

እዚ መጠንቀቕታ'ዚ፡ ሓያሎ ሃገራት ልዑል መጠን መልከፍቲ ከም ዘለወን ብምሕባር ምሉእን ከፊላውን ዕጽዋ ኣብ ዝጀመራሉ እዋን እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ዶክተር ክሉግ፡ ንኹሉ ዝኸውን እኹል ክታበት ዘይምህላው ከምኡ'ውን እቲ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ዘጋጥም ሰዓል ነቲ ዝያዳ ዝላባዕ ዘሎ ልዑል ናይ ምዝርጋሕ ክእለት ዘለዎ ደልታ ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብ ዘጋድድ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ገሊጹ።

ነቲ ዝርግሐ ንምግታእ፡ ቁጽሪ ክታበታት ክውስኽ፣ መሰረታዊ ናይ ጥዕና ስጉምታትን ሓድሽ ሕክምናዊ ፍወሳን ክተኣታቶ ጸዊዑ ።

ንሱ ወሲኹ እቲ ብግዴታ ዝወሃብ ክታበት ከም "ናይ መወዳእታ ኣማራጺ" እዩ ክርአ ዘለዎ ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ "ሕጋውን ሕብረተሰባውን ክትዕ" ክካየድ እዋናዊ ምዃኑ ገሊጹ።

"ኮቪድ-19 ኣብ ዞባና ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኰይኑ ኣሎ፤ ነቲ ቫይረስ ንምቅላስ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ግን ንፈልጥ ኢና" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ቅድሚ ሕጂ እውን ከም ኮቪድ ኣብ ዝኣመሰለ ክታበት ዘይምቕባል ነይሩ እዩ" ዝበለ ዶክተር ክሉግ እዚ ማለት ግን " [ግዱድ ክታበት ምውሳድ ማለት] ምግዳብ ሓርነት ማለት ኣይኮነን፤ ብኣንጻሩ ውልቃዊ ሓርነትና ንኽንዕቅብ ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ" ኢሉ ።

ብዓርቢ፡ ኦስትርያ ክታበት ኮቪድ-19 ሕጋዊ ግዴታ ምዃኑ ዝሓበረት ናይ መጀመርታ ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይና ኣላ።

እቲ ሓዲሽ ሕጊ ኣብ ወርሒ ለካቲት ግብራዊ ከም ዝኸውን ንዝርዝር ኣተገባብራ ዝምልከት ከኣ ጸኒሑ ክንገር ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

እቲ ምልክታ ሓድሽ ሃገራዊ ዕጽዋ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ድሩት ክታበት ዘጋጥም ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ንምግታእ እዩ ተወሲኑ።

ቻንስለር ኦስትሪያ ኣሌክሳንደር ሻለንበርግ ኣብ ሓርነት ሕብረተሰብ ምእታው ከቢድ ውሳነ'ኳ እንተ ኾነ፡ ክታበት "ነዚ ሕሱም ዓንኬል ለበዳ ክንሰብሮ ዝሕግዘና እንኮ ቲኬት'ዩ" ኢሉ።

ሻለንበርግ ብተወሳኺ "እቶም ዝኽተቡ ሰባት፡ በቶም ክታበት ብምንጻጎም ሓሚሞም ዓራት ሆስፒታል ዘጻብቡ ስለ ዝዕገቱ ፡ እቲ ክታበት ዘይምውሳድ ንመላእ ሕብረተሰብ ጸገም እዩ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ትማሊ ቀዳም፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ቬና ዝተወስደ ሓድሽ ስጕምቲ ብምቅዋም "ኣይፋል ንክታበት" ከምኡ'ውን "ይእከል [ብሓይሊ ኣይተገድዱና]" ዝብል ጭርሖታት የቃልሑ ነይሮም።

ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እውን፡ ኵነታት ለበዳ ኮቪድ እናኸፍአ ይኸይድ ስለ ዘሎ ሓድሽ ስጕምቲ ይወስዳ ኣለዋ ።

ከም ቼክ ሪፖብሊክን ስሎቫክያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዘይተኸትቡ ሰባት መጠን ረኽሲ ኮቪድ ስለ ዝበዝሐ ሓድሽ ቀይድታት ከም ዝገበራ ኣፍሊጠን ኣለዋ ።

ኣብ ኔዘርላንድስ ከተማ ሮተርዳም፡ ብሰንኪ ኮቪድ ብዝተኣወጀ ዕጽዋ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰልፈኛታት ቁጠዐኦም ክገልጹ ተኣኪቦም።

ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን ጀንስ ስፓን፡ ነቲ ኵነታት ከም "ሃገራዊ ህጹጽ ኵነታት" ገሊጽዎ።

ይኹን እምበር ካልእ ሃገራዊ ዕጽዋ ክግበር ኣይተሰማምዐን።

ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ዓርቢ 44,242 ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ መዝጊባ።

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ዕጽዋ መደብ እኳ እንተዘይብሉ ንትካል ጥዕና እታ ሃገር ንምክልኻል ግን ኣድላይ ዘበለ ጥንቃቐን ስጉምትን ከተኣታቱ ከም ዝኽእል ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ድማ ኣብ ዕጹው ኣዳራሻት ግዴታዊ ኮቪድ ፓስፖርት ክህሉ፡ ኣፍን ኣፍንጫን ዝሽፍን ማስክ ክዝውተር ከምኡ እውን ካብ ገዛ ምስራሕ ዝኣመሰለ ምኽርን ሓበሬታን የጠቓልል።