ዘይተኸተቡ ሰባት ኣብ ዕጽዋ ክጸንሑ ትገብር ዘላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካሪና ኣብ ኦስትርያ - ከተማ ቪየና እትነብር መምህር ዮጋ እያ። ጸረ-ኮሮናቫይረስ ክታበት ዘይወሰደት ኮይና ንመጻኢ’ውን ናይ ምኽታብ ውጥን የብላን።
በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ዕጽዋ ክትጸንሕ ተገዲዳ’ላ። ንሳ ጥራሕ ዘይኮነትስ ካልኦት ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት’ውን ነቲ ክታበት ብዘይምውሳዶም ኣብ ዕጽዋ ክጽንሑ ተገዲዶም ኣለዉ።
ንሳ ከም ስራሕ ወይ መግቢ ንምዕዳግ ዝበሉ ኣገደስቲ ምኽንያታት እንተዘይኮይኑ ገዝኣ ክትወጽእ ኣይፍቀደላን። ናብ ካፌታትን ሬስቱራንትን ክትኣትው ኣይፍቀደላን።
ረብሓ ናይቲ ዕጽዋ ክትግንዘቦ ከምዘይከኣለት እትዛረብ ካሪና ከምዘሕርቓ’ውን ትገልጽ።
“ሎሚ ንጉሆ ብጥቓ ካፍቴሪያታት እሓልፍ ነይረ፤ ናብ ውሽጢ ርእየ ክእትው ዘይምኽኣለይ ዝተፈለየ ነገር መሲሉ ይስምዓኒ። ክትንጸል ከምዝተገበርካን ካብ ማሕበረሰብ ክትርሕቕን ዝተገበር ኮይኑ ይስምዓካ” ክትብል ንዘላትሉ ኩነታት ትገልጾ።
በዚ ኩነታት ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ብምሕባር “ሰባት ክሓሙ ኣይድልን። ጥንቑቕቲ እየ። ተመርሚረ’ውን እየ። ሓደገኛ [ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ] ኣይኮንኩን። እዚ ውሳነይ ድማ ውልቃዊ ከምዝኾነ እኣምን” ትብል።
ነዚ ዕጽዋ ዝቃወሙ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ክካየዱ ተራእዮም’ዮም።
ፖሊስ፡ ብሃንደበት ክሓትት ከምዝኽእልን ነቶም ናይ ዝተኸተቡሉ ወረቐት ምስክር ወይ ተታሒዞም ከምዝሓወዩ ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና መረዳእታ ከቕርቡ ዘይከኣሉ ሰባት ከምዝቐጽዕ ወግዓዊ ካብ ዝገብር ጸኒሑ’ሎ።
ኣብ ኦስትርያ እቲ 65 ሚኢታዊት ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ዝተኸተበ ኮይኑ፤ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ምስ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ ኣብ ሞንጎ እተን ብዝተሓተ መጠን ዘኽተባ እያ ትስራዕ።
እታ ሃገር ሓንቲ ካብ ሞንጎ እተን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ጀሚሩ ዝለዓለ ለብዒ ዝረኣየለን ሃገራት’ያ።
ቻንስለር ኣሌክሳንደር ሻለንበርግ ከምዝብሎ ድማ መንግስቲ ናብ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ግዱድ ክታበት ክኣትው ዝኸኣለ ብምኽንያት እቲ ሰፊሕ ለብዒ እዩ።
መጠን ዝተኸተቡ “ብዘሐፍር ኩነታት” ዝተሓተ እዩ፤ እዚ ድማ “ካብ ሓደ ዕጽዋ ናብ ካልእ ዕጽዋ ኣብ ዕንክሊል ከጽንሓና’ዩ” ክብል የረድእ።
እቲ ሕጊ እናጠበቐ ብምምጽኡ ብዙሓት ኣወስትራልያውያን ዝተኸተቡ ኮይኖም፤ ብዙሓት ድማ ናብቶም ክታበት ዝወሃበሎም ቦታታት ክኸዱ ይረኣዩ።
ሓላፊ ቻምበር ሕክምና ኦስትርያ ዶክተር ቶማስ ዜክረስ እቲ መጠን ዝተኸተቡ ሰባት 80 ሚኢታዊት ወይ ልዕሊኡ ከምዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ይገልጽ።
“መጠን ረኽሲ ንኽንክይ ዝሕግዝ እንኮ ኣማራጺ ክታበት ከምዝኾነ ኢና ንፈልጥ። ነዚ ክንግንዘብ ዝኸኣልና ድማ ካብ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት’ዩ” ዝብል ዶክተር ቶማስ፡ ዕጽዋን ክታበትን ኣብ ምንካይ እቲ ለብዒ ዓብዪ ብጽሒት ከምዝህልዎም እምነቱ ይገልጽ። ግን ከኣ ተወሰኽቲ መገድታት ምድላይ’ውን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይሕብር።
ዝበዝሑ ዜጋታት ክታባት ብስፍሓት ክካየድ ዝድግፉ ኮይኖም፤ እቲ ንዘይተኸተቡ ሰባት ኣብ ዕጽዋ ክጸንሑ ምግባር ግን ሕጋውነት ከምዘይብሉ ዝገልጹ ኣይተስኣኑን።
ኣብ ንግዲ ዝነጥፍ ካርል ዌለር ረብሓ እቲ ክታበት ኣብ ሕቶ ዝኣትው ከምዘይኮነ ብምግላጽ “ኣብ ሞንጎ ዝተኸተቡን ዘይተኸተቡን ኣፈላላይ ምግባር ግን መቕዘፍቲ መሲሉ ይስምዓኒ። ሰባት ኣዝዮም ቁጡዓት ክኸኑን ክፈርሑን ጀሚሮም ኣለዉ” ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ።
ዶሪስ ዝተበሃለት ካልእ ነባሪት ቪየና ብወገና፤ በቶም “ኣይንኽተብን” ዝበሉ ሰባት ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ትገልጽ።
“እቲ እንኮ ኣማራጺ ኩላትና ክንኽተብ ምኽኣልና እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸገም ክንጸንሕ ኢና። ነዚ [ኮሮናቫይረስ] ናይ ግድን ክንኣልዮ ኣለና” ትብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







