ኮሮናቫይረስ- ኣመሪካ ንኣውሮጳዊ ሕብረት ብምስዓብ ካብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ገያሾ ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝተኸሰተ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት 7 ሃገራት እቲ ዞባን ዝግበር በረራ ነፈርቲ ከምእትግእድ ኣፍሊጣ።
ካብ ዝቕጽል ሰኑይ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ዜጋታትን ነበርትን ኣመሪካ ጥራይ’ዮም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፍቅደሎም።
ኣመሪካ ንኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ስዒባ እያ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈት። ካናዳ’ውን እንተኾነ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ተተኣታቱ ከምዘላ ተፈሊጡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ኦሚክሮን ኢሉ ዝሰመዮ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዘሻቕል ከምዝኾነ ገሊጹ’ዩ።
ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቦትስዋና፣ ዝምባብዌ፣ ናሚብያ፣ ሌሴቶ፣ ኤስዋቲኒ፣ ሞዛምቢክን ማላውን ዝግበሩ ናይ ነፈርቲ በረራታት ክእገድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።
እቲ ውሳነ ካብ ድሕሪ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳብ ዝርከብ ዝተወሰደ ናይ ቅድመ መጠንቀቕታ ስጉምቲ’ዩ ኢልዎ።
ካናዳ’ውን ብተወሳኺ ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናሚብያ፣ ሌሴቶ፣ ቦትስዋና፣ ኤስዋትኒን ዝምባብዌን ንዝገሹ ወጻእተኛታት ማዕጾኣ ትዓጹ ከምዘላ ተፈሊጡ።
እቲ ኦሚክሮን ዝተብሃለ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 24 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝተርኣየ ውድብ ጥዕና ዓለም ዕላዊ ዝገበረ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ’ውን ከምዝተኸሰተ ተሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ቅልጡፍ ዝበሎ ናይ ጉዕዞ ክልከለታት ነቒፍዎ። ተመራመርቲ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተወሳኺ ኣፍልጦ ከምዘድልዮም ዝገለጹ ኮይኖም ውድብ ጥዕና ዓለም ብግድኡ ክሳብ ክንደየናይ ተመሓላላፋይን ጸላውን ከምዝኾነ ንምርዳእ ሰሙናት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







