ኮቪድ-19፡ ኣብ ኣውሮጳ 700 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣውሮጳን ገለ ክፋላት ኤሽያን ክሳብ ወርሒ መጋቢት ተወሳኺ 700 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጠመ መጠን ሞት 1.5 ሚልዮን ከም ዝሓለፈ እቲ ትካል ይገልፅ።
እቲ ትካል፡ ቅድሚ እቲ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት 2022፡ ኣብ 49 ሃገራት፡ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ኣብ ዝሕከምሉ ክፍልታት "ዝለዓለ ወይ ድማ ሕሉፍ ውጥረት" ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ኣውሮጳ ዝምዝገብ ዘሎ ልዑል ቁፅሪ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ፡ ኦስትሪያ ዳግማይ ዕፅዋ ክትድንግግን ካልኦት ሓደሽቲ መከላኸሊ መገዲታት ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ግምት ክተእትውን ተገዲዳ'ያ።
እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ንዝወስድኦ ሓድሽ ስጉምትታት ሓያል ተቓውሞ የተኣናግዳ ኣለዋ።
ኣብ ኔዘርላንድ ብኽፋል ዝተኣወጀ ዕፅዋ ኣብታ ሃገር ንመዓልታት ዝቐፀለ ሓያል ናዕቢ ክውላዕ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኣውሮጳ ንዘጋጠመ ልዑል ሞት፡ ኮሮናቫይረስ ቀንዲ ጠንቂ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
"ሕዚ ብዘሎ ኣመተ ክሳብ እቲ ዝመፅእ ዘሎ ፅድያ መጠን ሞት ናብ ልዕሊ 2.2 ሚልዮን ክውንጨፍ ይኽእል" እዩ ኢሉ።
ኣብዚ እዋን ምስ ኮቪድ-19 ብዝዛመድ ዘጋጥም ዘሎ መጠን ሞት፡ ኣብ መዓልቲ ብዕጽፊ ወሲኹ 4200 ከም ዝበጽሐ ገሊፁ።
ኣብ ሩስያ ጥራሕ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ መዓልታዊ 1200 ሰባት ይሞቱ።
ቁፅሪ ዘይተኸተቡ ሰባት ልዑል ምዃኑን ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ዝርግሐ ዴልታ ቫይረስን፡ ኣብ ኣውሮጳ ንዘሎ ምልባዕ ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዶክተር ሃንስ ክሉዥ፡ "ኩላትና ዘየድሊ ዘሕዝን ፍፃመን ሞትን ከየጋጥም ንምክልኻል ሓላፍነት ኣለና" ብምባል ዘይተኸተቡ ሰባት ክኽተቡ ፀዊዑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







