ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ንክታበት ኮቪድ ምጥቃም ክቕጽላ ተማሕጺኑ

ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኔካ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ንክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኔካ ደው የብላ ኣብ ዝርከባሉ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ንክታበት ኮቪድ ምጥቃም ከየቋርጻ ተማህጺኑ።

እቲ ውድብ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ክታበት ምርጋእ ናይ ደም ከም ዘስዕብ ዘርእይ መረጋገጺ ከም ዘየለ ሓቢሩ።

ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጥልያንን ስጳኛን እቲ ኩነታት ክሳዕ ዝጻረ ብምባል፡ ነተን ኣቐዲመን ነቲ ክታበት ደው ዘበላ ሃገራት ተጸምቢረን ኣለዋ።

ክኢላታት ውሕስነት ክታበታት ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ እቲ ክታበት ንምዝታይ ሰሉስ ክራኸቡ እዮም።

ትካል መድሃኒታት ኣውሮጳ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣኼባ ክገብር ምዃኑን ሓሙስ ውሳነ ክህብን ትጽቢት ይግበር።

ምጥቃም እቲ ክታበት ክቕጽል ከም ዝግባእ ግና እቲ ትካል መኺሩ ኣሎ።

ኣብ ኣውሮጳ ገለ ሰባት ነቲ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም ናይ ደም ምርጋእ ተርእዮ ከም ዘጋጠሞም ይግለጽ።

እንተኾነ ግና እቲ ተርእዮ ካብቲ ኣብ ህዝቢ ዘጋጥም ንቡር ናይ ደም ምርጋእ ኣጋጣሚ ዝዛይድ ከም ዘይኮነ ክኢላታት ይሕብሩ።

ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ብሪጣንያን ብሓፈሻ ከባቢ 17 ሚልዮን ሰባት ነቲ ክታበት ክወስዱ እንከለው፤ ክሳዕ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣስታት 40 ዝኸውን ምርጋእ ናይ ደም ተርእዮ ከም ዝተመዝገበ ኣስትራዜኔካ ሓቢሩ።

እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ተወሲዱ?

ሚኒስትሪ ጥዕና ጀርመን ንክታበት ኣስትራዜኔካ፡ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ብህጹጽ ደው ከብሎ ወሲኑ።

ነዚ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ሃገሩ፡ ትካል መድሃኒታት ኣውሮጳ መምርሒ ክሳዕ ዝህብ እቲ ክታበት ክተቋርጾ ምዃና ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጥዕና ስጳኛ ካሮሊና ዳርያስ'ውን እቲ ክታበት እንተወሓደ ንኽልተ ሰሙን ክውንዘፍ ምዃኑ ሓቢራ።

ሆላንድ ነቲ ክታበት ክሳዕ 29 መጋቢት ክተወንዝፎ እንከላ፤ እዘን ሃገራት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እየን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወስዳ ዘለዋ።

ሪፓብሊክ ኣየርላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ቡልጋርያ፡ ኣይስላንድን ስሎቬንያን'ውን ነቲ ክታበት ንግዚኡ ከወንዝፍኦ እንከለዋ፤ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኢንዶኔዥያን እቲ ክታበት ዝጅመረሉ ግዜ ኣሰጋጊረንኦ ኣለዋ።