ውድብ ጥዕና ዓለም ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ኣፍሪቃ ዝኣትወሉ መገዲ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክልተ ዓይነታት ከታበት ኮሮናቫይረስ ፍርያት ኣክስፎርድ-ኣስትራዘኒካ፡ ንሓደጋ ኣብ ልዕሊ ዝተቓልዑ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ኣጽዲቑ።
እዚ ውሳነ፡ እቲ ክታበት ብመደብ ኮቫክስ ኣቢሉ ናብ ኣፍሪቃ ዝግዕዘሉ ኩነታት ዘመቻችእ እዩ ተባሂሉ።
ኮቫክስ [Covax] ዓለማዊ ተበግሶ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ፍትሓዊ ክፍፍል እቲ ክታበት ንምፍጣር ሃገራት ብሓባር ዝተኸለኦ እዩ።
"ዛጊት ክታበት ምኽታብ ዘይጀመራ ሃገራት፡ እንተወሓደ ንሰብ ሞያ ጥዕነኣን ነቲ ዝተቓለዐ ማሕበረሰበንን ቀዳምነት ሂበን ምኽታብ ክጅምራ እየን" ክትብል ተሓጋጋዚ ዳይሬክተር ጀነራል ማርያንጌላ ሲማኦ ተዛሪባ።
እቲ ክታበት 63.09 ካብ ሚእቲ ውጸኢታዊ ከምዝኾነን፡ ንኣገባብ ኣከዛዝንኡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንድኻታትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት ምቹእ እዩ ይብል እቲ ትካል።
ገለ ሰብ ሞያ፡ በቲ ትካል ዝተወደበ ጉጅለ፡ እቲ ክታበት ንልዕሊ 18 ዕድሚኦም ዝወሃብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቶም ክታበታት፡ ኣብ ደቡብ ኮርያን ህንድን ብዝርከቡ ክልተ ማእከላት ዝፈረዩ እዮም።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኦክስፎርድ -ኣስትራዘኒካ ዝተብሃሉ ክታበታት ነቲ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኣይከላኸልን'ዩ ብዝብል ምኽታብ ጠጠው ኣቢላ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ሰብ ሞያ ግን፡ እቲ ክታበት እቲ ዝሓየለ ዝበሃል ዓሌት እቲ ቫይረስ ክከላኸል ከምዝኽእል እዮም ዝዛረቡ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዛጊድ፡ ኣብ ኣፍሪቃ 3.7 ሚልዮን ሰባት ክለክፍ እንከሎ ልዕሊ 98 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ሞይቶም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







