ንህጻናት ዝኸውን ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምፍራይ ፈተነ ክጅመር’ዩ

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዘኒካ ኣብ ህጻዉንቲ ክሳብ ክንደየናይ ዝኣክል ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ሓድሽ ናይ ክታበት ፈተነ ከምዝጀመረ ተገሊጹ። ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ህጻዉንቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ዝጅመር ኮይኑ 3 ምኢቲ ወለንታውያን ዕሸላት ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ፈተነ ካብ 6 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድምኦም ህጻናት ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዘኒካ ከቲብካ ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ክሳብ ክንደየናይ’ዩ ዝብል ንምፍላጥ ሓጋዛይ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ሓቢሮም። እዚ ክታበት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሕማም ኮነ ሞት ንምትራፍ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ይፍለጥ።

ኣብቲ ናይ ህጻናት ፈተነ 240 ሰባት ክታበት ኦክስፎርድ ዝኽተቡ ኮይኖም እቶም ዝተረፉ ድማ ናይ ኣንቅጺ መድሓኒት ተመጢኑ ክወሃቦም’ዩ። ክኽተቡ ድልየት ዘለዎም ወለንታውያን ፈተነ ኣብ ዝግበረሎም ኣርባዕተ ማእኸላት ማለት’ውን ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ፣ ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ሴንት ጆርጅ ሎንደን፣ ዩኒቨርስቲ ሆስፒታል ሳውዝ ሃምፕተንን ብሪስቶል ናይ ህጻዉንቲ ሆስፒታል ከይዶም ክምዝገቡ ጻዊዒት ቀሪብሎም’ሎ።

እቶም ክኽተቡ ወለንታውያን ዝኾኑ ህጻዉንቲ ቅድሚ እቲ ፈተነ ምጅማሩ ኣብ መወሸቢ ማእኸላት ክጸንሑ ከምዝግበር ተገሊጹ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዘኒካ ንህጻናት ንምኽታብ ዝተብሃለ ነገር ከምዘየሎን ዛጊድ ልዕሊ 28 ዓመት ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ጥራይ ይኽተቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ክታበት ፋይዘር ባዮንቴክ ግን ካብ 16 ዓመት ንላዕሊ ንዝዕድሚኦም ሰባት ክወሃብ ተፈቒዱ’ዩ።

ብመሰረት መስርሕ ኣወሃህባ ክታበት ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ብጽኑዕ ዋላ’ውን እንተዝሓሙ እቲ ክታበት ክወሃቦም ኣይፍቀድን። ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ካብ 6 ክሳብ 17 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰገናት ክታበት ኮሮናቫይረስ ምውሃብ ዝህልዎ ኣወንታውን ኣሉታውን ባህርያት ንምፍላጥ የኽእል’ዩ ዝበሎ ፈተነ ቀዳማይ ዙርያ ድኣ ይጀምር እምበር ካልኦት ተወሰኸቲ ፈተነታት ክገብር ምዃኑ ተሓቢሩ።