ደቡብ ኣፍሪቃ ዓጽያቶም ዝነበረት ዶባት ክትከፍት ምዃና ኣፍሊጣ

ደቡብ ኣኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ጎረባብታ ዘዳቡዋ 20 መገድታት ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚራ ከምእትኸፍት ኣፍሊጣ።

እቶም መገድታት ቅድሚ ሓደ ወርሒ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ተባሂሉ ተዓጽዮም ከምዝነበሩ ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ዶባት ናይ ምኽፋት ውሳነ ትማሊ ቀዳም ብኣባላት ካቢኔ እታ ሃገር ምጽዳቑ ተገሊጹ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ካብተን ብካልኣይ ምዕራፍ ለበዳ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣመና ዝተሃስያ ሃገራት ሓንቲ እያ።

እታ ሃገር፡ 1.5 ሚልዮን መልከፍትን 47 ሽሕ ሞትን ዘመዝገበት ኮይና ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበዝሐ ከምዝኾነ ይግለጽ።

ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሕጂ 108 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም 2.3 ሚልዮን ድማ ከምዝሞቱ መረዳእታ ዩኒቨርስቲ ጆን ሆፕኪንስ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ እንታይ በለ?

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመሰረት እቲ ትማሊ ዕላዊ ዝገበሮ ውሳነ፡ ዶባት ዝምባብዊ፣ ቦትስዋና፣ ሞዛምቢክ፣ ናሚብያ፣ ሌሴቶን ኢስዋንትን ክኽፈት’ዩ።

“ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዶባት እታ ሃገር ንቑሕን ዝተማእኸለን ናይ ደቂ ሰባት ምሕደራ ጠቓሚ’ዩ” ክብል ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ኣሮን ሞሳለዲ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ተጓዓዝቲ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዝሕብር ኣብ ቀረባ እዋን ዝተውሃቦም ናይ ምርመራ ሰነድ ክሕዙ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እቲ ሚኒስትር ባዕሉ ናብ እተን ሰባት ብበዝሒ ዝዘዋወሩለን ኣርባዕተ ጣብያታት ከይዲ እቲ መስርሕ ክዕዘብ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ምስኣረጋገጸት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘራኽብዋ መገድታት ዝዓጸወት ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዕለት 11 ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ካብቲ ዕለት ጀመሩ ሰባት ካብን ናብን ደቡብ ኣፍሪቃ ከይንቀሳቐሱ ተኸልኪሎም ጸኒሖም።