ዘይቲ መሲልዋ መላገቢ ኮላ ኣብ ርእሳ ብምግባር ክትሳቐ ዝጸንሐት ሰበይቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, Instagram/im_d_ollady
ጋናዊ-ኣሜሪካዊ ሓኪም፡ ኣብ ርእሳ፡ ዘይቲ ክትገብር ክትብል ጎሪላ ዝተባህለ መላገቢ ኮላ ብምግባር ንሓደ ወርሒ ክትሳቐ ንዝጸንሐት ሰበይቲ ገላጊልዋ።
ዶክተር ሚካኤል ኦቤንግ፡ ነቲ ኮላ ካብ ርእሲ እታ 'ተሲካ ብራውን' ዝተባህለት ሰበይቲ ንምእላይ ኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ከም ዝወሰደሉ ተገሊጹ።
ንሱ፡ እታ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ኣብ ቲክ-ቶክ ዝዘርግሐቶ ቪድዮ ምስ ረኣየ፡ ነቲ 12,500 ዶላር ዝውድእ ሕክምና ብነጻ ክገብረላ ምዃኑ ሓቢርዋ።
ተሲካ፡ ነቲ ማቶኔላ ኣብ መንደቕ ንምልጣፍ ዘገልግል ኮላ ካብ ርእሳ ንምእላይ ዝገበረቶ ኩሉ ፈተነ ብዘይምዕዋቱ፡ እቲ ጠልጠል ኢሉ ዝነበረ ዝደረቐ ጸጉራ ክትቆርጾ ተገዲዳ እያ።
ድሕሪ እቲ ሕክምናዊ መስርሕ፡ ተሲካ ተቐላጢፋ ጸጉራ ክትተናክፍ እንከላ እንታይ ከም ዝተሰምዓ ምስ ተሓተት፡ ጸጉራ ብምቁራጻ ከም እተጣዕሰት ተዛሪባ።
ናይ ስነቀመም ድሕረባይታ ዘለዎ ዶክተር ኦበንግ፡ ነቲ ካብ ፖሊዩረታን ዝስራሕ ኮላ ጉሪላ ንምብላል ዝተፈላለየ ባእታታት ከም እተጠቀመ ምስ ቲኤምዚ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ተዛሪቡ።
ንሱ ድሕሪ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ዕረ፡ ዘይቲ ኣውሊዕን ኣቸቶነን ተጠቂሙ ዕውት መበለሊ ኮላ ክሰርሕን ከማዕብልን ክኢሉ።
ነቲ ዘማዕበሎ መበለሊ ኮላ ኣብ ባምቡላ ብምፍታን ውጽኢታውነቱ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ’ውን ተዛሪቡ።
“ኣብ ርእሳ ቁስሊ ዘይምጽንሑ ዕድለኛ እያ፤ እቲ ፈተና ቀሊል ኣይነበረን” ብምባል እቲ ኮላ ነቲ ጠልጠል ኢሉ ዝነበረ ጸጉራ ከም ዕንጨይቲ ኣድሪቕዎ ምንባሩ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሰባት ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምጥቃሞም፡ ኣንቢቦም ብምስትውዓል ክገብሩ ተላብዩ።
ዶክተር ኦበንግ፡ ኣብ ስነጽባቐኣዊ መጥባሕቲ ዝነጥፍ ኮይኑ፡ መስራቲ ናይ ሓደ ሕክምናዊ ናይ ግብረሰናይ ማሕበር ምዃኑ፡ እቲ መርበብ ሓበሬትኡ ይነግር።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







