ዘይቲ መሲልዋ መላገቢ ኮላ ኣብ ርእሳ ብምግባር ክትሳቐ ዝጸንሐት ሰበይቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ረኺባ

ተሲካ ብራውን

ምንጪ ስእሊ, Instagram/im_d_ollady

ጋናዊ-ኣሜሪካዊ ሓኪም፡ ኣብ ርእሳ፡ ዘይቲ ክትገብር ክትብል ጎሪላ ዝተባህለ መላገቢ ኮላ ብምግባር ንሓደ ወርሒ ክትሳቐ ንዝጸንሐት ሰበይቲ ገላጊልዋ።

ዶክተር ሚካኤል ኦቤንግ፡ ነቲ ኮላ ካብ ርእሲ እታ 'ተሲካ ብራውን' ዝተባህለት ሰበይቲ ንምእላይ ኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ከም ዝወሰደሉ ተገሊጹ።

ንሱ፡ እታ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ኣብ ቲክ-ቶክ ዝዘርግሐቶ ቪድዮ ምስ ረኣየ፡ ነቲ 12,500 ዶላር ዝውድእ ሕክምና ብነጻ ክገብረላ ምዃኑ ሓቢርዋ።

Skip Instagram post
ንትሕዝቶ Instagram ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Instagram ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Instagram ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of Instagram post

ተሲካ፡ ነቲ ማቶኔላ ኣብ መንደቕ ንምልጣፍ ዘገልግል ኮላ ካብ ርእሳ ንምእላይ ዝገበረቶ ኩሉ ፈተነ ብዘይምዕዋቱ፡ እቲ ጠልጠል ኢሉ ዝነበረ ዝደረቐ ጸጉራ ክትቆርጾ ተገዲዳ እያ።

ድሕሪ እቲ ሕክምናዊ መስርሕ፡ ተሲካ ተቐላጢፋ ጸጉራ ክትተናክፍ እንከላ እንታይ ከም ዝተሰምዓ ምስ ተሓተት፡ ጸጉራ ብምቁራጻ ከም እተጣዕሰት ተዛሪባ።

ናይ ስነቀመም ድሕረባይታ ዘለዎ ዶክተር ኦበንግ፡ ነቲ ካብ ፖሊዩረታን ዝስራሕ ኮላ ጉሪላ ንምብላል ዝተፈላለየ ባእታታት ከም እተጠቀመ ምስ ቲኤምዚ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት ተዛሪቡ።

ንሱ ድሕሪ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ዕረ፡ ዘይቲ ኣውሊዕን ኣቸቶነን ተጠቂሙ ዕውት መበለሊ ኮላ ክሰርሕን ከማዕብልን ክኢሉ።

ነቲ ዘማዕበሎ መበለሊ ኮላ ኣብ ባምቡላ ብምፍታን ውጽኢታውነቱ ከረጋግጽ ከም ዝኸኣለ’ውን ተዛሪቡ።

“ኣብ ርእሳ ቁስሊ ዘይምጽንሑ ዕድለኛ እያ፤ እቲ ፈተና ቀሊል ኣይነበረን” ብምባል እቲ ኮላ ነቲ ጠልጠል ኢሉ ዝነበረ ጸጉራ ከም ዕንጨይቲ ኣድሪቕዎ ምንባሩ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ሰባት ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምጥቃሞም፡ ኣንቢቦም ብምስትውዓል ክገብሩ ተላብዩ።

ዶክተር ኦበንግ፡ ኣብ ስነጽባቐኣዊ መጥባሕቲ ዝነጥፍ ኮይኑ፡ መስራቲ ናይ ሓደ ሕክምናዊ ናይ ግብረሰናይ ማሕበር ምዃኑ፡ እቲ መርበብ ሓበሬትኡ ይነግር።

መግለጺ ቪድዮ, ደጊመ እንተዝፍጠር ጸላም ክኸውን ምተነኹ