ብእምነት ሰመረ፡ "በደይ ጸውዑኒ!" ብእትብል ግጥሙ ተዓዊቱ

ብእምነት ሰመረ
መግለጺ ስእሊ, ብእምነት ሰመረ

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝዓደሞ ናይ ግጥሚ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ ኣስታት 200 ገጠምቲ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ብእምነት ሰመረ " በደይ ጸውዑኒ!" ብእትብል ግጥሙ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

"ጭር'ዶ ገና" ን "ጓል ብምዃነይ!"ን ዝብላ ግጥምታት ከኣ ካልአይትን ሳልሰይትን ኮይነን ተዓዊተን ኣለዋ።

ወዲ 41 ዓመት ብእምነት ነቲ ደያኑ ዝሰርዑዎ ዕምቆት ቴማን መልእኽትን፡ ጽባቐ ቃላትን ዋሕዝን፡ ስጥመት ናዕታን ረምታን መምዘኒ ረቓሒታት ካብ መወዳድርቱ ገጠምቲ ጸብለል ኢሉ ስለዝተረኸበ እዩ ተዓዊቱ።

ድሕሪ ጥንሰን ብመጻምድተን ዝተኸድዓ ነብሰ-ጾራት ኣብ እዋን ሕርሰን ዝስመዐን ቃንዛ ብምንጽብራቕ፡ እቲ ዝውለድ ዕሸል'ከ እንታይ ኮን ምበለ ብዝብል ሓሳብ "በደይ ጸውዑኒ!" ንእትብል ዕውትቲ ግጥሙ ክጽሕፍ ተደፋፊኡ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንነባራትን ሓደስትን ገጠምቲ ክልቲአን ሃገራት (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ንምትብባዕን ንምብርባርን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ስነ-ጥበብ ንምምዕባል ብምሕላን'ዩ ካብ 30 ሓምለ ክሳብ 26 ነሓሰ ዝጸንሐ ናይ ግጥሚ ውድድር ዓዲሙ።

ካልኣይ ኮይኑ ዝተዓወተ ስልጣን ሃይላይ (ጸጋም)፤ ሳልሳይ ኮይኑ ዝተዓወተ ሰሎሞን ገብረክርስቶስ (የማን)
መግለጺ ስእሊ, ካልኣይ ኮይኑ ዝተዓወተ ስልጣን ሃይላይ (ጸጋም)፤ ሳልሳይ ኮይኑ ዝተዓወተ ሰሎሞን ገብረክርስቶስ (የማን)

ካብቲ ኣስታት 200 ግጥምታት ከኣ

  • ቀዳማይ፡ ብእምነት ሰመረ " በደይ ጸውዑኒ!"
  • ካልኣይ፡ ስልጣን ሃይላይ " ጭር'ዶ ገና
  • ሳልሳይ፡ ሰሎሞን ሃይለስላሴ "ጓል ብምዃነይ" ብዝብላ ኣርእስታት ተዓዊቶም ኣለዉ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ቢቢሲ ትግርኛ ነንደረጃ ዓወቶም ዘዳለወሎም ሽልማት ክወስዱ እዮም። ግጥምታቶም ከኣ ኣብ ሬድዮን መርበባት ሓበሬታን ፈይስቡክን ቢቢሲ ትግርኛ ክዝርጋሕ እዩ።