ኣብ ኣውሮጳ ብዕድመ ዝዓበያ ሰበይቲ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውየን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኣውሮጳ ብዕድመ ክብረወሰን ሒዘን ዝርከባ እናቴ ኣንድረ፡ መበል 117 ዕለተ ልደተን ቅድሚ ምኽባረን ካብ ኮሮናቫይረስ ምሕዋየን ተገሊጹ።
ንሰን ጥሪ 16 ኣብ ዝተገብረለን መርመራ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፋ እኳ እንተተረጋገጸ፡ ዝኾነ ምልክታት ከምዘየርአያን፤ በቲ ቫይረስ ምልካፈን'ውን ከም ዘይፈለጣን ተዛሪበን።
ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ኣብ ዝረከብ መንበሪአን፡ ካብ ካልኦት ሰባት ተገሊለን ክጸንሓ እንከለዋ፡ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ቫይረስ ሓዊየን ኣለዋ።
ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለወንን ብመንበር ዓረብያ ዝንቀሳቐሳ እናቴ ኣንድረ ሓሙስ ዕለተ ልደተን ንምጽንባል ኣብ ምድላው ይርከባ።
ኣፈኛ መንበሪ ኣረጋውያን ቅዱስ ካተሪን ዝኾነ ዴቪድ ታቬላ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እናቴ ኣንድረ “ኣዝየን ዕድለኛ’የን” ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ “ብዛዕባ ጥዕንአን ሓቲተናኒ ኣይፈልጣን እየን. . . ፍርሒ ዝበሃል የብለንን፤ ብዛዕባ ካልኦት ግና ይሻቐላ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ 11 ለካቲት 1904 ዝተወለዳ እናቴ ኣንድረ፡ ኣብ ኣውሮጳ ብዕድመ ዝዓበያ ሰበይቲ ክኾና እንከለዋ፤ ካብ ዓለም’ውን ብካልኣይ ደረጃ ከም ዝስርዓ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ንሰን ኮሮናቫይረስ ከይሓማ ስግኣት እንተነይርወን ብሓደ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ንዝቐረበለን ሕቶ ክምልሳ እንከለዋ “ኣይፈራሕኩን ምኽንያቱ ሞት ኣየፍርሓንን እዩ” ኢለን።
“ኣብዚ ምሳኻትኩም ምህላወይ ሕጉስቲ እየ፤ እንተኾነ ግና ኣብ ካልእ ስፍራ፡ ምስ ዓቢይ ሓወይ፡ ምስ ዓባየይን ኣባሓጎይን ክህሉ ምደለኹ” ክብላ መሊሰን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







