ቻይና ኮሮናቫይረስ ዝምልከት 'ኣድላይ' ሓበሬታ ምኽልካላ ተገሊጹ

ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቻይና ብዛዕባ ኣመዓባብላ ኮሮናቫይረስ ይምርምር ንዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣገዳሲ’ዩ ዝተብሃለ መረዳእታ ከምዝኸልከለት ሓደ ኣባል እቲ መርማሪ ጉጅለ ተዛሪቡ። ተመራማሪ ስነ ህይወት ዶመኒክ ድዋየር፡ እቲ ጉጅለ ኣብቲ ፈለማ ናይ ዝተመዝገቡ ሕሙማት መረዳእታ ክወሃቦ ከምዝሓተተን እዚ ድማ ልሙድ መስርሕ ከምዝኾነ ንሮይተርስ ገሊጹ።

እንተኾነ ግን ዝሓተትዎ እኹል መረዳእታ እንተይኮነስ ጥቕልል ዝበለ ሓበሬታ ከምዝኾነ ገሊጹ። እቶም ተመራመርቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ 174 ሰባት መረዳእታ ክወሃቦም ሕቶ ከምዘቕረቡ ሮይተረስ ንፕሮፌሰር ዶሞኒክ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ፈለማ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ፍርቆም ኣብ ውሃን ምስ ናይ ስጋ መሸጣ ዝተዛመደ ስራሕ ዝዓዩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ’ሎ። “በዚ ምኽንያት ኢና እዚ መረዳእታ ንኽወሃበና ብጥብቂ ንሓትት ዘለና።

ስለምንታይ’ዮም እቲ መረዳእታ ዘይህቡና? ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝብሎ ነገር የብለይን። ፖለቲካዊ ይኹን፣ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ ይኹን ወይ’ውን እቲ መረዳእታ ዘይተረኸበሉ ካልእ ምኽንያት ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ሱቕ ኢልካ ግምታዊ ሓሳባት ጥራይ ኢኻ ክትህብ እትኽእል” ኢሉ።

ካልእ ኣባል እታ መርማሪት ጉጅለ ዝኾነት ላዕለወይቲ በዓል ሞያ ተላበድቲ ሕማማት ቲያ ኮልሰን፡ እቲ ከይዲ ምርመራ “ጂኦ ፖለቲካል” ይኸውን ከምዘሎ ንኒዎርክ ታይምስ ገሊጻ። “ቻይና ንእቲ ምርመራ ማዕጾኣ ክፉት ክትገብር ጸቕጢ ይግበረላ ከምዘሎ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ምስ እዚ ጉዳይ ተዛሚዱ ልዑል ወቐሳ ይቐርበላ’ሎ” ኢላ።

እቲ ናይ መረዳእታ ክልከለታት ኣካል እቲ ቀጻሊ ሰሙን ዕላዊ ዝግበር ናይ መወዳእታ ጸብጻብ እታ መርማሪት ጉጅለ ከምዝኸውን ፕሮፌሰር ዶሞኒክ ሓቢሩ። ቻይና ብዛዕባ እቲ ዝቐርበላ ዘሎ ወቐሳ ዝበለቶ ነገር’ኳ እንተዘይሎ ቅድሚ ሕጂ ግን ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ተሓባቢረ ክሰርሕ’የ ኢላ ብተደጋጋሚ ምግላጻ ዝዝከር እዩ።

ኣመሪካ እቲ ለበዳ ካብ ዝተኸሰተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ቻይና እኹል መረዳእታ ክትህብ ትደፍእ ዝነበረት ኮይና ኣብ እቲ መርማሪ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ዕላዊ ክገብሮ ትጽቢት ዝተገበረሉ ሓተታ “ስግኣት ኣለኒ” ከምዝበለት ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ መርማሪ ጉጅለ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኮሮናቫይረስ ኣብ ዉሃን ካብ ዝርከብ ላብራቶሪ ሃንደበት ኣምልጡ ዝወጽአ እዩ ተባሂሉ ዝውረ ዝነበረ መካትዒ ሓሳብ “ዘይመስል ነገር’ዩ” ክብል ዘይቅቡል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ’ዩ። ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ፈለማ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘተኣናገደት ኮይና ግዝኡ ድማ ወርሒ ታሕሳስ 2019 እዩ ነይሩ።

ብመሰረት መረዳእታ ዩኒቨርስቲ ጆን ሆፕኪንስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዛጊድ 108 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ካብዚኣቶም ድማ እቶም 2.3 ሚልዮን ሞይቶም።