ኮቪድ19፡ኦሚክሮን ከምዝሓዘኒ ብኸመይ እየ ዝፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦሚክሮን ዝተሰመየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ይረአን ሻቕሎት ይፈጥርን ኣሎ።
ዛጊድ ኣብ 12 ሃገራት ዝተርኣየ ኾይኑ፡ መብዛሕተአን ድማ ዶበን ክዓጽዋን እገዳታት ከንብራን ይረአያ ኣለዋ።
ኦሚክሮን ብኸመይ እዩ ዝፍለጥ?
ካብ ውሽጢ ጎሮሮን ኣፍንጫን ብዝውሰድ ፈሳሲ፡ ናብ ላብራቶሪ ኣትዩ ምስተርአየ [PCR test] እዩ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ምህላውን ዘይምህላውን ክፍለጥ ጸኒሑ።
ኩሎም ኣብያተ ፈተነ'ኳ እንተዘይኮነስ፡ ገሊኦም ዓሌት ናይቲ መልከፍቲ'ውን ክፈልይ ተኽእሎ ዘለዎም ኣለዉ።
እንተኾነ ገለ ውሑዳት ጥራሕ እዮም እዚ ንምፍላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ዘለዎም።
ኣመሪካ ሰፊሕ ምርመራ ብምክያድ እተመርሕ ዘላ ሃገር ኮይና፤ እንግሊዝ፣ ሩስያ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ከምኡ'ውን ደቡብ ኮርያን ይኽተለኣ።
ኣብ ህንዲ ናብ ላብራቶሪ ካብ ዘተልኣኹ ቅምሶታት፡ ሓደ ሚኢታዊ ጥራይ እዩ እንታይ ዓይነት ዓሌት ምዃኑ ክፍለጥ ዝኽእል።
ኦሚክሮን ኣብ ዓለም ተስፋፊሑ ምህላውኸ ብኸመይ ንፈልጥ?
ዛጊድ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣብ ዝተኻየዱ መርማራታት፡ ንኦሚክሮን ዝመስል ውጽኢት ዝተረኽቦም ንዝለዓለ ምርመራ ናብ ካልእ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ዘለዎ ቤተ ፈተነ ንክትንተን ይስደድ።
እቲ ዓሌት ዝፍለየሉ መይላ 'ጄኖሚክ ስኴንሲንግ' እናተብሃለ እዩ ይጽዋዕ።
እዚ መገዲ፡ ገለ ሰባት በቲ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ከርኢ ክኢሉ ኣሎ።
እንተኾነ እዚ ከይዲ ሰሙናት ዝወስድ ብምዃኑ ገለ መልከፍቲ ንሱ ይኹን ኣይኹን ከይተፈልጠ ዝሓለፍ ብዙሕ እዩ።
ኣብ ሓንቲ ጓዋተንግ እተብሃለት ግዝኣት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብቶም ንተወሳኺ ምርመራ ዝተልኣኹ ቅምሶታት 99 ሚኢታዊ [ማለት'ውን 77 መልከፍቲ] እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮይኑ እዩ ተረኺቡ።
ናብ ኣውሮጳ ድማ ቀልጢፉ እዩ ተላቢዑ።
ፖርቱጋልን ሆላንድን ነፍሲወከፈን ከባቢ 13 መልከፍቲ ዘረጋገጻ ኾይነን፡ እንግሊዝ ብወገና 14 መልከፍቲ ኦሚክሮን ረኺባ ኣላ።
እንተኾነ እዚ ቁጽርታት ኣብ ኣየነይቲ ሃገር እዚ ሓድሽ ዓሌት ከምዝተዘርገሓ መጠን ዘርኢ ኣይኮነን፤ የግዳስ ኣየነይቲ ሃገር ውጽኢታዊ መርመራ ከምዝገበረት ጥራይ እዩ ዘመልክት።
ኣብ ገዛ ብዝካየዱ መርመራታትከ ምፍላጥ ይከኣል ድዩ?
ብቕልጡፍ ኣብ ገዛኻ ኸይንካ ንምምርማር ዝሕግዙ መሳርሕታት፡ ላተራል ፍለው ቴስት ይበሃሉ።
እንተኾነ እወንታ ወይ ድማ ኣሉታዊ ውጽኢት የርእዩኻ'ምበር ኣየናይ ዓሌት ከምዝኾነ ከርእዩኻ ኣይኽእሉን።
እቶም ምልክታት ኦሚክሮንከ እንታይ እዮም?
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝበሎ፡ ኦሚክሮን ካብቲ ዝጸንሐ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተፈለየ ምልክታት ኣየርእን።
ገለ ካብቶም ፍሉጣት ምልክታት እቲ ሕማም፡ ሰዓል፣ ረስኒ፣ ጣዕምን ጨናን ምስኣን ዝኣመሰሉ እዮም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መሊኦም ዝተኸትቡ ሰባት በቲ ሓድሽ ዓሌት ተታሒዞም ተረኺቦም እዮም፤ እንተኾነ ቀለልቲ ምልክታት እዮም ኣርእዮም።
ኣብ ሆስፒታላት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ብዙሓት መናእሰያት ከቢድቲ ምልክታት ኣርእዮም ኣለዉ።
እንተኾነ ዝበዝሑ፡ ከይተኸትቡ ዝጸንሑ ወይ ድማ ሓደ ዙርያ ክታበት ጥራይ ዝወሰዱ እዮም።
እዚ ድማ፤ ብፍላይ ሙሉእ ዙርያ እቲ ክታበት ምውሳድ ነቲ ዘስግእ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ምክልኻል ከምዝከኣል እዩ ዘርኢ።
ካብ ካልኦት ዓሌታት ብምንታይ ይፍለ?
ኦሚክሮን ኣዝዮም በዝሒ ዘለዎም ዓሌታት ዘለዎ ኾይኑ፤ ገሊኦም ተራእዮም ዝጸንሑ እየም ገሊኦም ድማ ሓደሽቲ ዓይነታት እዮም።
ብሳይንሳዊ ኣገላልጻ፡ ኦሚክሮን "S-gene dropout" እናተብሃለ ዝጽዋዕ ዓይነት ቅርጺ እዩ ዘለዎ።
እንተኾነ ኩሎም ናይዚ ዓይነት ቫይረስ ባህሪ ዘርእዩ ኩሎም ዓሌታት ኦሚክሮን እዮም ማለት ኣይኮነን።
ብሙሉእ መርመራ ጥራይ እዩ ምፍላይ ዝከኣል- ተባሂሉ።
'ጄኖሚክ ስኲንሲንግ' እንታይ እዩ ዝጠቅም?
ባህሪን ተፈጥሮን እቲ ቫይረስ ምፍላጥ ኣየናይ ዓሌት ምዃኑ ንፍላይ ኣዝዩ እዩ ዝጠቅም።
ካብኡ እዮም እቶም ተመራመርቲ ባህሪ እቲ ቫይረስ መርሚሮም ብኦሚክሮን ከምዝተትሓዝካን ወይ ድመ በቲ ቀዲሙ ኣስፋፊሑ ዘሎ ዴልታ ከምዝተትሓዝካ ክፈልዩዎ ዝኽእሉ።
በዚ ከይዲ ክንደየናይ ዝኣክል ካብ ኣብ ኣብያተ ፈተነ ዝኣተዉ ቅምሶታት ብኦሚክሮን መልከፍቲ ከምዝተረኸቦ ምፍላጥ ይከኣል።
ክሳብ ሕዚ ብዛዕባ ኦሚክሮን እንታይ ዝኣክል ንፈልጥ?
ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዓሌት ዝፍለጥ ነገር ኣዝዩ ውሑድን፤ ውሱንን ካብ ምዃኑ ዝተበገሰ፡ እንታይ ዓይነት ስግኣት ከስዕብ ከምዝኽእል ንምግማት ኣይተኽኣለን።
ንኣብነት፡ ካብ ካልኦት ብዝዛየደ መልክዑ ቀልጢፉ ከምዝመሓላለፍን ከቢድ ጉድኣት ከምዘብጽህን ከምኡ'ውን ብክታበት ምክልኻል ይከኣል ዶ ኣይከኣልን ዛጊድ ዝፍለጥ ነገር የለን።
እንተኾነ ዛጊድ ኣብ ወረቐት ብዘሎ ግምታዊነት፡ ኣዝዩ ዘጭንቕን ዘተሓሳስብን እዩ፤ ንዕኡ እዮም ድማ መንግስታት ቀልጢፎም ናብ ተረርቲ ስጉመቲታት ዝኣትዉ ዘለዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







