ቻይና፡ ቁጠባኣ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 18.3 ሚኢታዊት ዕብየት ኣመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቁጠባ ቻይና ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ብምንጽጻር፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ በዘይፈልጥ መጠን፡ 18.3 ሚኢታዊት ዕብየት ከም ዘርኣየ ተገሊጹ።
ቻይና ርብዒ ዓመታዊ ጸብጻብ ክትሕዝ ካብ ዝጀመረትሉ 1992 ንደሓር፡ እዚ ኣብ ሓፈሻዊ ዘቤታዊ ፍርያት ዝለዓለ ዕበየት ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ኣሃዝ ካብቲ ብኽኢላታት ስነቁጠባ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ግምት ናይ 19 ሚኢታዊት ዕብየት፡ ቊሩብ ጎዲሉ ከም ዝተረኽበ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እንተኾነ ግና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቁጠባ ንዝተራእየ ምጭባጥ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምሉእ ስእሊ ናይቲ ሓያል ዕብየት ዘየርእይን ዝተጠምዘዘ ምዃኑን ይግለጽ።
ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2020፡ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ኣብ መላእ ቻይና ብዝተኣወጀ ዕጽዋ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ብ6.8 ሚኢታዊት ኣንቆልቊሉ እዩ።
ኢንዱስትርያዊ ውጽኢት ናይ ወርሒ መጋቢት ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር እንከሎ፡ ብ14 ሚኢታዊት ክዓቢይ እንከሎ፡ መሸጣ ብ34.2 ሚኢታዊት ወሲኹ ኣሎ።
ክኢላ ስነቁጠባ ኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዩ ሎውሲ ኩጅስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ኢንዱስትርያዊ ፍርያት፡ ሃልክን ወፍርን ኣብ ቀዳሞት ክልተ ኣዋርሕ ትሒቶም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምውሳኾም ተስፋ ዝህብ እዩ" ኢሉ።
እንተኾነ እቲ መንግስቲ ዝህቦ መነቃቕሒ ጎዲሉ ብምህላው፡ ገለ ጽላታት ክዝሕትሉ ከም ዝኽእሉ ክኢላታት ይእምቱ።
ኣባል ኣሃዱ ምርምር ቁጠባ ዝኾነ ዩው ሱ ከም ዝገልጾ፡ እቲ ኣሃዛት ከም ዘርእዮ ምብርባር ቁጠባ ቻይና ሰፊሕ እዃ እንተኾነ፡ ገለ ናይ መፍረን ሰደድን ንጥፈታት ኣብቲ ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት፡ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቻይና ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት 2020፡ 6.5 ሚኢታዊት ዕብየት ቁጠባ ምምዝጋባ ኣብ ግምት ብምእታው ግና፡ እቲ ዕብየት ብናህሪ ይቕጽል ምህላው ዘርእይ እዩ።
እታ ሃገር ነቲ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝወሰደቶ ተሪር ናይ ዕጽዋ ስጉምትታትን ንትካላት ብቕልጡፍ ንምብርባር ብዝተዋህበ ሓገዝን እቲ ቁጠባ ድሕሪ እቲ ለበዳ ምምሕያሻት ከርእይ ጸኒሑ እዩ። ኣብ 2020 ብቑጠባ ካብ ዝዓበያ ሃገራት ዓለም፡ ዕብየት ዘመዝገበት እንኮ ሃገር ቻይና እያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







