ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ንልዕሊ 100 ሚልዮን ዜጋታታ ምኽታባ ኣፍሊጣ

ህንዲ ንልዕሊ 100 ሚልዮን ዜጋታታ ምኽታባ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ቻይና ቀጺላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ህንዲ ንልዕሊ 100 ሚልዮን ዜጋታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ብምክታብ ካብ ዓለም “ክታበት ብምሃብ እታ ዝቐልጠፈት ሃገር” ኮይና።

እታ ብካልኣይ ማዕበል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እትሕቆን ዘላ ህንዲ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዜጋታት ንኽትከትብ 85 መዓልታት ከምዝወሰደላ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣመሪካ 100 ሚልዮን ሰባት ንኽትከትብ 89 መዓልታት ዝወሰደላ ኮይኑ ቻይና ድማ 102 መዓልታት እዩ ወዲኡላ።

እንተኾነ ግን ህንዲ ቁጽሪ መዓልታዊ ብኮሮናቫይረስ ዝልከፉ ሰባት 150 ሽሕ ዝበጽሐ ኮይኑ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ከኣ ልዕሊ 800 እዩ።

ህንዲ ክሳብ ዝምጽእ ወርሒ ሓምለ ቁጽሪ ናይ ዝኽተቡ ሰባት 250 ሚልዮን ክተብጽሖ ወጢና’ኳ ትንቀሳቐስ እንተላ ሰብ ሞያ ግን እዚ ውጥን ክዕወት እንተድኣኾይኑ ተወሳኺ ጻዕሪ ከምዝሓትት ይምደዱ።

ልዕሊ 45 ዝዕድሚኦም ህንዳውያን ኣብ ማእኸላት ሕክምናን ሆስፒታላትን ከይዶም ክኽተቡ ተፈቒዱሎም ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ቀረባ እዋን ናይ ምኽታብ መሰል ዝነበሮም ኣብ ቅድሚት ዝሰርሑ ሓካይምን ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰብ ጸጋ ዕድመን’ዮም ነይሮም። ህንዲ ካብ ሓደ ሚያዝያ ጀሚሩ ልዑል መጠን መልከፍቲ ተመዝግብ ከምዘላ ዝተሓበረ ኮይኑ መዓልታዊ ብማእኸላይ ገምጋም 90 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ይልከፉ።

ህንዲ ኣብ 4 ሚያዝያ ቁጽሪ በቲ ኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 100 ሽሕ ብምምዝጋብ ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ካልአይቲ ብመዓልቲ ክንድኡ ቁጽሪ ዘመዝገበት ሃገር ኮይና ኣላ። ልዕሊ ፍርቂ እቶም ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ዝርከበላ ግዝኣት ማሃራሽትራ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ህንዲ ክታበት ካብ እትጅምር ኣትሒዙ መጠን ጻዕቂ ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ኣመና ከምዘንቆልቆለ ይግለጽ። እታ ሃገር ብካልኣይ ማዕበል ለበዳ እትህሰ ዘላ ብሰንኪ ናይ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ምጉዳልን ዘይንጹር መልእኽቲ መንግስትን ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊጾም።

ኣብ ህንዲ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ልዕሊ 1167 ሽሕ ኸኣ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር።

ህንዲ ንኣመሪካን ብራዚልን ተኸቲላ ብብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫረስ ኣብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።