ታይዋን፡ 'ብዙሓት' ነፈርቲ ውግእ ቻይና ናብ ክሊ ኣየራ ጥሒሰን ከምዝኣተዋ ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ታይዋን 'ብዙሓት' ነፈርቲ ውግእ ቻይና ብሰኑይ ናብ ክሊ ኣየራ ጥሒሰን ከምዝኣተዋ ከሲሳ።
እቲ ብሚኒስተር ምክልኻል ታይዋን ዝተዋህበ መግለጺ እተን ክሊ ኣየር ታይዋን ጥሒሰን ዝኣተዋ ነፈርቲ ውግእ ቻይና 25 ከም ዝኾናን ካብአን ኒኩለር ዝጽዕና ነፈርቲ ውግእ'ውን ከም ዝርከበአንን ይሕብር።
ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንክሊ ኣየር ታይዋን ጥሒሰን ኣትየን ክብሃላ እዚ ናይ መጀመርታ'ኳ እንተዘይኮነ ክንድ'ዚ ብዝሐን ነፈርቲ ኣብ ሓደ እዋን ናብ ክሊ ኣየር ታይዋን ኣትየን ክብሃል ግን ናይ መጀመርታ እዩ።
እዚ ሃንደበታዊ ዝተባህለ ምብራር ጭፍራ ነፍርቲ ውግእ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ቻይና ነቲ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ተርእዩ ዘላ 'ተተናዃሊ' ባህሪ መጠንቀቕታ ምስ ሃበትሉ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ቻይና ንታይዋን ከም ሓንቲ ካብኣ ዝተፈንጨለት ዞባ እያ ትርእያ።
እንተኾነ፡ ዲሞክራስያዊት ታይዋን ንነብሳ ከም ሓንቲ ልኡላዊኡት ሃገረ እያ እትሰምያ።
ታይዋን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እተን ንክሊ ኣየራ ጥሒሰን ዝበለተን ነፈርቲ ውግእ ቻይና፡ 18 ናይ ውግእ ነፈርቲ፣ ኣርባዕተ ከቢድ ቡንባ ዝጽዕና፣ ክልተ ጸረ ሳብ ማሪን ዝዓጠቓን ሓንቲ ቅድመ መጠንቀቕታ እትህብ ነፋሪትን ምዃነን ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ነተን ክሊ ኣይር ታይዋን ጥሒሰን ዝበለን ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንምምላስ ንሶም'ውን ጭፍራ ነፈርቲ ከም ዘበገሱን ሚሳኤል ኣጸዓዊዶም ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ተርእዩ ዘላ 'ተተናዃሊ' ባህሪ መጠንቀቕታ ምስ ሃበሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እያ ታይዋን ነፈርቲ ውግእ ቻይና ንክሊ ኣየራ ጥሒሰን ከም ዝኣተዋ ገሊጻ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ማዕከን ዜና ኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣመሪካ ታይዋን ነብሳ ክትከላኸል እትክእል ኩሉ መዳያዊ ምድግጋፍ ከም እትገብረላ ብምግላጽ ዝኾነ ብሓይሊ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዝፍጽሞ ነገር ኸኣ መዘዙ ከም ዝዓቢ እዩ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ንቻይና ኣተንቂቑ።
ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ታይዋን በብቕሩብ ልኡላዊት ሃገር ናብ እትኾነሉ ትቐራረብ ምህላዋ ብምግላጽ እዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
መንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ኢንግ ዊን ጸቅጢ ክገብር'ውን ታይዋን ካብ ቻይና ክትፍለ ካብ ዘይደልዩ ወገናት ሕቶታት ከም ዝቐርበሉ እቶም ተንተንቲ ይገልጹ።
ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ኢንግ ዊን ብወገና ታይዋን ናጽነታ ዝኣወጀትን ልኡላዊት ሃገርን ምዃና እያ እትገልጽ።
ታይዋን ናይ ርእሳ ቅዋምን ሰራዊትን ዘለዋን ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ መራሕታ ዝመረጸትን ሃገር ምዃና እያ እታ ፕረዚደደንት ትሕብር።

መሰረታዊ ነገራት ብዛዕባ ቻይናን ታይዋንን
• ኣብ 1949 ድሕሪ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ቻይናን ታይዋንን ዝተፈላለየ መንግስታት መስሪተን። ቻይና፡ ታይዋን ድሩት ዓለምለኻዊ ንጥፈታትተ ክህልዋ ክትጽዕር ጸኒሓ እያ፤ ታይዋን ብወገና ኣብቲ ዞባ ማዕረ ቻይና ጽልዋ ንክህልዋ ዝከኣላ ኣብ ምግባር ትርከብ።
• ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ቻይና ንታይዋን ናብ ግዝኣታ ንምምላስ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተግባራት ከተርኢ ስለ ዝጀመረት ኣብ ሞንጎ ታይዋንን ቻይናን ዝነበረ ወጥሪ ከም ዝብኣሰ እዩ ዝንገር።
• ታይዋን ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት እየን ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂበንኣ ዘለዋ። እቲ ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመረጸ መንግስቲ ታይዋን ግን ምስ ብዙሓት ሃገራት ንግዳውን ዘይወግዓዊ ርክባትን ከም ዘለዎ'ዩ ዝፍለጥ።
• ከም ብዙሓት ሃገራት፡ ኣመሪካ ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት የብላን፤ እንተኾነ ኣመሪካ ታይዋን ነብሳ ንክተከላኸል መሰል ከም ዘለዋን ንምሕጋዛ ድሕር ከም ዘይትብልን'ያ ትግልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







