ንቻይና ዘቖጥዐ ዑደት ላዕለዋይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ታይዋን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣሜሪካን ታይዋንን ንኣሰርተታት ዓመታት ርክብ ከይህልወን ኣንቢረንኦ ንዝጸንሓ ቀይዲ መዕለቢ ብምግባር ላዕለዋይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ርእሰ ከተማ ታይዋን፡ ታይዋን ክበጽሕ ምዃኑ ምግላጹ፡ ንምስሕሓብ ኣሜሪካን ቻይናን ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኬሊ ክራፍት፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ረቡዕ ናብ ታይፔይ ክተምርሕ እያ።
እቲ፡ መሪሕነት ትራምፕ ኣብ ምዝዛሙ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝካየድ ዘሎ መገሻ እታ ኣምባሳደር ንቻይና ኣቖጢዑ ኣሎ።
እታ ቻይና ከም ግዝኣታ እትቆጽራ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ዘለዋ ታይዋን፡ ነቲ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝተርኣየ ለውጢ ብሓጎስ ተቐቢላቶ ኣላ።
ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቤይጂንግን ዝጸንሐ ዝምድና ንዓመት መመላእታ እናሓርፈፈ'ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።
ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዘለዋ ደሴት ታይዋን ኣብ ምሕርፋፍ እቲ ዝምድና ካብ ዝለዓሉ ቀንዲ ጉዳያት እያ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንት ትራምፕ ኣሜሪካ ንታይዋን ኣጽዋር ብምሻጥን ንመጠንቀቕታታት ቻይና ዕሽሽ ብምባል ናብታ ደሴት ላዕለዎት ሰብመዚ ብምልኣኽን ምስ ታይዋን ጥቡቕ ዝምድና መስሪታ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን: ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ማይክ ፖምፐዮ: ኣሜሪካ ብዛዕባ ምስ ታይዋን ዝግበር ርክብ ሰበስልጣናት፡ ንመንግስቲ ቻይና "ንምሕጓስ፡ ባዕላ ዘንበረቶ ቀይድታት" ክተልዕሎ ምኳና ተዛሪቡ ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ ኣሜሪካ ኣብ ንግዲ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ዝርከብዎም ጉዳያት ምስ ቻይና ክትሰሓሓብ ጸኒሓ እያ።
እዚ ንሓድሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብኸመይ ይጽልዎ?
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን 20 ጥሪ ቃለ መሓላ ብምፍጻም ስልጣን ካብ ትራምፕ ክርከብ እዩ።
መገሻ እታ ኣሜሪካዊት ኣምባሳደር: ካብ ቻይና ቁጡዕ ግብረመልሲ ኣስዒቡ ኣሎ።
ልኡኽ ቻይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንውጥን መገሻ እታ ኣምባሳደር ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣሜረካ ነቲ ዝፈጸመቶ ተግባር ከቢድ ዋጋ ክትከፍል እያ" ኢሉ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ "ኣሜሪካ ነቲ ጠገለ ዘይብሉ ምትንዃይ ክተቋርጽ፡ ንዝምድና ኣሜሪካን ቻይናን ካብ ምዕንቃፍ ክትቁጠብን ካብቲ ናይ ሰሕተት ጎደና ክትምለስን ቻይና ተጠንቅቕ " ኢሉ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዘሃኦ ሊጅያን ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ዝኾነ ንቀንዲ ረብሓታት ቻይና ዝጎድእ ተግባር ከም ዘይዕወትን ሓያል ግብረመልሲ ከም ዝወሃቦን" ተዛሪቡ።
ሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ቻይናን ታይዋንን ዝህልዎ መርገጺ ጌና ብሕጂ ዝርአይ እኳ እንተኾነ፡ ንብዙሕ ፖሊሲታት ትራምፕ ከም ዘይቕበሎ ኣብ ቤትምህርቲ ኣህጉራዊ መጽናዕትታት ራጃራትናም ሲንጋፖር: ዶክተር ኢቫን ረስኒክ ይዛረብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







