ኪም ጆንግ-ኡን ቁጠባዊ ትልሚ ሰሜን ኮርያ ከም ዝፈሸለ ተኣሚኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሃገሩ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተኸተለቶ ቁጠባዊ ትልሚ "ዳርጋ ኣብ ኩሉ ጽላት" ሽቶኡ ክወቅዕ ከም ዘይከኣለ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ሳሕቲ ዝጋባእ ጉባኤ ናይቲ ዝመርሖ ሰልፊ ሰራሕተኛታት እዩ ነዚ ዝበለ።
ሰሜን ኮርያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ዶባታ ዝዓጸወት ኮይና፤ ዛጊት ዝኾነ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከም ዘይብላ እያ እትገልጽ።
ምዕጻው እቲ ዶብ ካብ ጎረቤታን መሻርኽታን ዝኾነት ቻይና ነጺልዋ እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ንግዲ ብ80% ኣንቆልቊሉ እዩ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ሰሜን ኮርያ፡ ህቦብላን ውሕጅን ኣብ ልዕሊ ኣባይትን ኣዝርእትን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ።
ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ ናይ ኑክሌር መደባታን ካልእን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ኣህጉራዊ እገዳ እያ ዘላ።
ኪም ጌጋ'ታት ክእመን ናይ ፈለምኡ ከም ዘይኮነን፡ እኳ ደኣ መለለዪኡ ኮይኑ ከም ዘሎን ወኪል ቢቢሲ ካብ ሲዎል ደቡብ ኮርያ፡ ላውራ ባይከር ትነግር።
ኣብቲ ብቴለቪዥን ዝተመሓላለፈ ፈነወ፡ ኣብ ፒዮንግያንግ ኣብ ዝርከብ መኣከቢ ኣዳራሽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወከልቲ እቲ ሰልፊ ንሚስተር ኪም ክቕበሉ ደው ኢሎም እናኣጣቕዑ ይረኣዩ። ካባቶም ወላ ሓደ'ውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበረ ኣይረኣይን።
ሚስተር ኪም ኣብ መደርኡ፡ እቲ ኣብ 2016 ዝኣወጆ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጂ "ዳርጋ ኣብ ኩሉ ጽላታት ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣዝዩ ትሑት ውጽኢት ምምዝጋቡን" ጌጋታት "ብትብዓት ምቕባል" ከም ዝግባእን ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ርእሰ ምርኮሳ ጸቒጥካ ምስረሕ ከም ዘድሊ ድሕሪ ምግላጽ፤ ኣባላት፡ ኮሮናቫይረስ ንምግጣም ዝገበርዎ ስራሓት ንኢዱ።
ሰሜን ኮርያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠርጠሩ ሰባት ከም ዝረኸበት ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢራ እኳ እንተነበረት፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፈ ዝተረጋገጸ ሰብ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።
ሚስተር ኪም ናይ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመት ቁጠባዊ ትልሙ ኣብቲ ጉባኤ ዕላዊ ክገብር ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዘረባ ሚስተር ኪም፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ነቲ ምስ ኪም ጽቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ዶናልድ ትራምፕ ተኪኡ ስልጣን ንምሓዝ ክልተ ሳምንቲ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







