ድሕሪ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሰሜን ኮርያ ናብ መን?

ምንጪ ስእሊ, BRENDAN SMIALOWSKI
ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ኪም ጆንግ ኡን ዝወሃብ ግምታትን ቤላ ቤለውን ዝፈድዮ እኳ እንተዘየለ ኣብ ዝሓጸረ ይኹን ኣብ መጻኢ መን ክትክኦ ከም ዝኽእል ኩሉሳዕ ኣዘራራቢ ጉዳይ እዩ። ቢቢሲ ንተንተንቲ ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ኪም ኢልሱንግ ኣብ 1948 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ እቲ መዝነት ንደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ስድራ ኪም እዩ ክተሓዝ ጸኒሑ።
ሰሜን ኮርያውያን ቅድሚ ፊደላት ምቑጻሮም ብዛዕባ ዝና መራሒኦም ዝገልጽ ፕሮፖጋንዳ እዮም ዝመሃሩ። ኣብ መዋእለ ህጻናት "መራሒና ኪም ጆንግ ኡን ክርእዮ እደሊ" ዝብል መዝሙር ይዝምሩ።
በዚ ድማ፡ እዚ ዓቢይ ትእምርታውን ፖለቲካዊ ምስሊ ዘይብላ ሰሜን ኮርያ ምሕሳብ ኣጸጋሚ እዩ። ምሁራት ከምኡውን እቲ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ከመይ ኣቢሉ ክውደብ ይኽእል?
እቲ ዝቐለለ መልሲ፡ ኣይንፈልጥን ዝብል እዩ። እቲ ኣቓልቦ ዝስሕብ ድማ፡ ንሳቶም'ውን ኣይፈልጡን'ዮም። ጌሮምዎ'ውን ኣይፈልጡን።
ኪም፡ ወትሩ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, XINHUA
ኪም ጆንግ-ኡን ናብ መዝነት ክዳሎ እንከሎ፡ "ዘርኢ ፓኤክቱ" (Paektu Bloodline) ዝብል ቃል ብምጥቃም ንመሪሕነቱ ሕጋውነት ኣልቢሶምዎ።
ፓኤክቱ፡ ኪም ኢል-ሱንግ ቃልሲ ዝጀመረሉን ኪም ጆንገ-ኢል ዝተወለደሉን ቅዱስ እምባ ምዃኑ ይንገር። ኪም ጆንግ-ኡን ኣገዳሲ ናይ ፖሊሲ ውሳነታት ከሕልፍ ከሎ ናብቲ እምባ ይኸይድ።
ኪም ኣብ ስነሓሳባዊ ልቢ እታ ሃገር ወትሩ ኣሎ።

ሰሜን ኮርያ ብዘይ ከምዚ ዝበለ ወራሲ እንታይ እያ ክትመስል?
ወዲ 36 ዓመት ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣወዳት ከም ዘለዎ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ ኣዝዮም ንኣሽቱ እዮም። ሰለስተ ቆልዑ ከም ዘለዎን እቲ ዝዓበየ ወዲ/ጓል 10 ዓመት ምዃኑ ይንገር።
ንትምህርታት ኪም ዝዕቅብ፡ ምስ ናይ ቬትናም ዝመሳሰል፡ ሓደ ናይ መሪሕነት ጉጅለ ክቕልቐል ከም ዝኽእል ይግመት።
ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት፡ መን ነቶም ቁልፊ መዝነታት ከም ዝሕዞም ብዜናን ካልእ ምንጭታትን ይከታተሉ እኳ እንተለው፡ ብዛዕባ ክውንነት ምዝራብ ከጸግሞም እዩ።
ብዘይካ'ዚ ሓደ ሓደ ግዜ፡ ምክትላት ልዕሊ እቶም ናይ መዓርግ ሽመት ዘለዎም ሰባት ሓይሊ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
እዚታት ኹሉ፡ ነቲ ግምታት ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ብህይወት ዘለው ሰለስተ ደቂ ኪም

ምንጪ ስእሊ, Patrick Semansky - Pool /Getty Images
ኪም ጆንግ ኡን ካብቲ መዝነት ምስ ዝእለ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሰሜን ኮርያ ክሳተፉ ዝኽእሉ ሰለስተ ደቂ ኪም ኣለው። ኩላቶም ግና ነቲ ንመሪሕነት እቲ ስድራ ከየቐጽሉ: ድሩትነት ኣለዎም።
ኪሞ ዮ-ጆንግ፡ ንኪም ጆንግ-ኡን ዓባይ ሓፍቱ እያ። ንሳ ካብ ብንእሽቶኣ ኣብ ፖለቲካ ብዝነበራ ተገዳስነት ብኣቡኣ ፍትውቲ እያ ነይራ። ምስ ሓዋ'ውን ቅርበት ኣለዋ።
ኣብ ሲንጋፖር ዝተኻየደ ርክብ ትራምፕን ኪምን፡ ሓዋ ክታሙ ኣብ ዘንበረሉ እዋን ብርዒ ኣቐቢላቶ እያ። ኣብ ዝቐጸለ ኣብ ሃኖይ ቬትናም ኣብ ዝተገብረ ርክብ እውን ተረኺባ ነይራ።
ድሕሪ እቲ ርክብ ግና ሽመታ ዝተቐንጠጠት እያ ትመስል። ካብ ኣኼባታት ናይቲ ፖሊሲ ዝሕንጽጽ ኣካል፡ ኮምሽን ጉዳያት ወጻኢ ተገሊላ እያ። ግና ኣባል ፖሊት ቢሮን ክፍሊ ፕሮፖጋንዳን እያ።
ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ግና ኣብታ ብሰብኡት ክትምራሕ ዝጸንሐት ሃገር፡ ነቲ ላዕለዋይ መዝነት ካብ ምጭባጥ ክዕንቅፋ ከም ዝኽእል ይግመት። ሰሜን ኮርያ ኣዝዩ ብዝሓለፈ መልክኡ ኣባታዊ (ሰብኡት ዝገነንሉ) ሃገር እያ።
እቲ ካልኣይ ኪም ጆንግ-ቹል እዩ። እዚ'ውን ንኪም ጆንግ-ኡን ዓቢይ ሓው እኳ እንተኾነ፡ ፍጹም ኣብ ፖለቲካ ዝንባለ ዘለዎ ኣይመስልን።
እቲ ናይ መወዳእታ፡ ኪም ፕዮንግ-ኢል ኮይኑ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ኪም ጆንግ-ኢል ብኣቦ ሓው እዩ። ንሱ ተካኢ ናይ ኣብኡ ኪም ኢል-ሱንግ ክኸውን ኣዲኡ ብዙሕ ጽዒራ እኳ እንተነበረት ኣይሰለጣን። ኪም ጆንግ-ኢል ጽልውኡ እናሓየለ ምስመጸ ንኪም ፕዮንግ-ኢል ካብቲ ጸወታ ገሊፍዎ እዩ።
ኪም ፕዮንግ-ኢል ኣብ 1979 ናብ ተላኢኹ ኣብ ዝተፈላላየ ሃገራት ኣምባሳደር ኮይኑ ድሕሪ ምስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ናብ ሰሜን ኮርያ ተመሊሱ።
ስለዚ ኣብ ፖለቲካ ፕዮንግያንግ እኹል ደገፍ ረኺቡ ናብ መሪሕነት ናይ ምምጻእ ተኽእሎኡ ሒደት እዩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ሰሜን ኮርያ: ካልኣይ ዝሓየለ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, ALEXANDER NEMENOV/AFP via Getty Images
ኣብ ዘመን ኪም ጆንግ-ኡን ማእከላይ ተራ ዝጸንሐም ካልኦት ሰባት ኣለው፤ እንተኾነ ግና ካብኣቶም እወንታዊ ዝምድና ክፈጥሩ ዝኽእሉን ንሓድሕዶም ዝወዳደሩን ምልላይ ኣጸጋሚ እዩ።
ቾእ ርዮንግ-ሃኤ ኣብ ትሕቲ ኪም ጆንግ-ኡን ብዝተፈላለየ መድረኻት ሓሊፉ እዩ። ድሕሪ ሒደት ማዕበላት ናይ ምውራድን ምድያብን፡ ኣብዚ እዋን ፕረዚደንት ናይ ፖሊት ቢሮን ምክትል ኣቦ መንበር ኮምሽን ጉዳያት ወጻኢን እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ሓድሽ ፕረዚደንት እቲ ኮሚሽን ኮይኑ ብምምዛዙ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ንሰሜን ኮርያ ወኪሉ ይሳተፍ ኣሎ።
ቾእ፡ ኣብ ሰራዊትን ካልእ ውድባትን ላዕለዋይ መዝነት ዝነበሮ እዩ። ንሱ ኣብ ሰሜን ኮርያ ካልኣይ ዝሓየለ ሰብ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ልዑል ፖለቲካዊ መዝነት ዘለዎ ኣዛዚ ስልያ

ምንጪ ስእሊ, Olivier Douliery-Pool/Getty Images
ካልእ ኪም ዮንግ-ቾል እዩ። እዚ ጀነራል፡ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ተደጋጋሚ ርክብ ብምክያድ፡ ንርክብ ትራምፕን ኪምን መገዲ ዝጸረገ እዩ። ንሱ ነቲ ምስ ደቡብ ኮርያ ዝህሉ ዝምድናተት ዝከታተል ክፍልን ሬኮናይሳንስ ጀነራል ቢሮ ዝበሃል ዋና ኣሃዱ ስለያ እታ ሃገርን ይመርሕ።
እቲ ምስ ኣሜሪካ ዝተገብረ ዘተ ድሕሪ ምፍሻሉ መዓርጉ ለጠቕ ኢሉ እኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ኣዛዚ ንነዊሕ ክጉሰይ ኣይከኣልን።
ካልእ ኪም ጃእ-ርዮንግ እዩ። ኣባል ኮምሽን ጉዳያት ወጻኢን ቀዳማይ መራሒ ካቢነን እዩ። ንሱ ኢንዱስትሪተት ብምምራሕ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣመሓዳሪ ናይታ ማእከል ናይ ወትሃደራዊ ኢንዱስትሪ ዝኸነት ዝተነጸለት ዞባ ኮይኑ ንነዊሕ ሰሪሑ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ፕሮግራማት ኒኩሌር እታ ሃገር ብቐረባ ተሳታፊ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







